2013-12-07 16:08:50

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ቲዮሎግያውያን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝተፈላለዩ ባህልታት ዘተ ፈለምቲ ንኽኾኑ ኣተሓሳሲቦም


RealAudioMP3 ብናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮልጊያ ድርገት ሊቀ መንበር ናይ አንቀጸ እምነተ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ኣቡነ ገራርድ ሉድዊግ ሚዩለር ዝተሰነዩ ኣባላት ናይቲ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ጉባኤ ዝተሳተፉ ዕለት 5 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ተቐቢሎም ቲዮሎግያውያን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝተፈላለዩ ባህልታት ዘተ ፈለምቲ ንኽኾኑ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ሕይወትን ንተልእኾ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ኣገልግሎት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝተንተኑ ቅዱስ ኣቦና ሃሴትን ተስፋን እተሰምየ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔ ጠቂሶም፣ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ እቲ ዝተገልጸ ሓቂ ዕለት ብዕለት ብዑምቆት ርዱእ እናኾነ ክኸይድ መታን ብዝበለጸ እናተስተውዓለ ክኸየድን ክትርድኦ ብዝኽእል መገዲ መታን ክቐርብ ኣስተውዒሎም ዘስተንትኑን ጽን ዝብሉን ዘለልዩን ናይ እንነብረሉ ዘሎና ጊዜ ቋንቋታት ዝትንትኑን ብብርሃን ቃለ እግዚኣብሔር ተመሪሖም ዝመዝኑን ኽኾኑ ከምዝግኦም እንከተሓሳስቡ፦ “ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ፈለምቲ እያቶም፣ ፈላሚ ዝብል ቃል ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝተፈላለዩ ባህልታት ናይ እተካይዶ ዘተ ፈለምቲ እዮም፣ ፈላሚ ቅድሚት ደው ዝብል እምንበር ኣብ ዝተሓጽረ ሕንጻ ተዓጽዩ ብድሕሪት ዝነብር ማለት ኣኰነን፣ ኣብ ዶብ ደው ዝብሉ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝተፈላለዩ ባህልታት እተካይዶ ዘተ ብርእይቶን ብልዝብተይና መንፈስ፣ ቃል እግዚኣብሔር ብኹለን ሃገራትን ሕዝቢታትን ዓሌታትን ቋንቋታትን መላእ ዘርኢ ሰብ ተቐባልነትን ተፈታውነትን መታን ረኺቡ ክእንገድ ዘገልግሉ ፈለምቲ እያቶም” ቢሎም ኣቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ኣብዚ እዋን’ዚ ኣበኪሩ ዝምልከቶም ዘሎ ሰለስተ ነጥቢታት እቲ ድርገት ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ኣብ መንጎ ሓደ-እግዚኣብሔርነት ሃይማኖታትን ብዛዕባ ዓመጽን እቲ ሓድሽ ብስራት ቅዋሜ ዘለዎ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዝኾነ ትጽቢትን ግልጸት እግዚኣብሔርን ዘስተንተነ ምዃኑ ዘኪሮም፦ “እግዚኣብሔር ንፍጥረት ሰብ ስግኣት ኣይኰነን፣ እምነት ኣብቲ ሰለስተ ሳዕ ቅዱስ ዝኾነ ሓደ እግዚኣብሔር ዘቐውም እምነት ናይ ዓመጽን ዘይ ምቅብባልን ዘይ ምክብባርን ምንጪ ክኸውን የብሉን፣ ክኸውን እውን ኣይክእልን እዩ። በንጻሩ እቲ ባህርያቱ ልዑል ርትዓዊ ኵላውነት ዘለዎ ዓቐን ዝጽግውን ንመላእ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ዘሕብር እዩ። ብኻልእ መዳይ እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ግልጸት እግዚኣብሔር ብስም እግዚኣብሔር ዝፍጸም ዓመጽ ዘይከኣል ምዃኑ የረጋግጾ፣ ብትኽክል ንዓመጽ ኣይፋል ምባሉ ንኽፍኣት ብሰናይ ዝሰዓረ ብናይ መስቀሉ ደም ኢየሱስ ሰብ ምስ እግዚኣብሔርን ኣብ መንጐ ዘርኢ ሰብን ዕርቂ ብምልጋስ ዘረጋግጾ እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
“ናይ እምነት ምኽንያትን ትርጉምን ምስቲ ናይ ስነ ሰብእ ጭቡጥነት ዝኾነ ናይ ብዙሓን ርእዮት ክደናገር የብሉን፣ እዚ ንጹር እዩ። ከምዚ ክኸውን ድማ ኣለዎ፣ ስለዚህ ናይ ቲዮሎጊያውያን ተልእኾ እቲ እውነተይና ናይ እምነት ትርጉም ኣገላልጻኡ ዝድግፍ መለለዩ ዝኾነ መምዘኒታት ምቕራብ እዩ፣ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ብወገኑ መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስቲያን እውነተይና ናይ እምነት ትርጉም ንምግላጽ ዘቕረቦም መግለጽታት ብጥንቓቔ ናይ ምስትውዓል ግቡእ ሓላፍነት ዘለዎ እዩ” ቢሎም፣ “ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ሓደገይና እዩ፣ ስለምታይ ድርቀት ልቢ ንዝኣመሰሉ ፈተናታት ከቃልዕ ዝከኣል እዩ። ልቢ ሰብ ክደርቕን በቲ ድርቀት ልቢን ትረትን ብዛዕባ እግዚኣብሔር ከስተንትን ዝኽእል ምዃኑ ክእመን እንከሎ፣ ብሓቂ ክደይ ዘሰክፍ እዩ፣ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ፣ ኣብ ሓደ እዋን ንሓው ኣንቶኒ ዘ ፓዶቫ ኣብ ዝልኣኾ መልእኽቱ፣ ‘ንንኡሳን ኣሓው እቲ ናይ ቅዱስ መንፈስ ቅዱስ ትርኢትን ኣምልኾን ዘየጥፍእ ቅዱስ ቲዮሎጊያ እተስተህር ብምዃንካ ክንደይ ባህ የብለኒ’ ይብል፣ ንንኡሳን ቀረባ ምዃን ብሓቂ በላሓትን ጥበበይናታትን ሊቃውንትን ይገብር እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ መሪሕ ቓል ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መገለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.