2013-12-07 17:06:31

ሕልፈት ሐርበኛ ኒልሰን ማንደላ ፡


ተጋዳላይ ሐርበኛ ናይ ሰላም ኖብል ሽልማት ተሸላሚ አቦ ደቡብ አፍሪቃውያን ዘይጠፍእ ጥዋፍ ክፍለ ዓለም አፍሪቃ ኒልሰን ማንደላ አብ መበል 95 ዕድምእዕም አብ ዮሐንስበርግ ካብዚ ዓለም”ዚ ብሞት ተፈልዮም ።ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንናይ ደቡብ አፍሪቃ መራሕ መንግስቲ ንፕረሲዳንት ጃኮብ ዙማ ናይ ሐዘን ተለግራም ከም ዝሰደዱ አብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ ።እግዚአብሔር አብ መንግስተ ሰማያቱ ክቅበሎም ንድስድራ ቤቶምን ንህዝቢ ደቡብ አፍሪቃን ጽንዓቱ ክህቦም ከም ዝጽልዩ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንፕረዚዳንት ጃኮብ ዙማ ዝልአኽዎ ናይ ሐዘን ተለግራም አመልኪቱ ።ኒልሰን መንደላ ምእንቲ ሐርነትን መሰልን ማዕርነትን ፍትሐዊ ምሕደራን ህዝቢ ደቡብ አፍሪቃ ዘካየድዎ ዘይሕለል ታሪካዊ ቃልሲ ዝንአድ ብሐፈሻ ህዝቢ ደቡብ አፍሪቃ ብማዕርነት ብሰላምን ስኒትን ብሐባር ክነብር ሀገራዊ ዕርቂ ክሰፍን ዘርአይዎ ጻዕሪ ዕዉት ከም ዝነበረ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንፕረሲዳንት ጃኮብ ዙማ ዝልአኽ መልእክቲ ከም ዘገንዘበ እዚ አብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ ዜና አመልኪቱ ሕጂን መጻኢ ወለዶን ህዝቢ ደቡብ አፍሪቃ ውርሻ ኒልሰን ማንደላ ክዕቅብ ክአ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝልአኽዎ ናይ ሐዘን ተለግራም ከም ዘመለከተ እቲ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ ። ወቅታዊ መራሒ መንግስቲ ደቡብ አፍሪቃ ፕረሲዳንት ጃኮብ ዙማ ሕልፈት ኒልሰን ማንደላ ምስተገንዘቡ ሎሚ ደቡብ አፍሪቃ ዓቢ ውሉዳ ህዝቢ ደቡብ አፍሪቃ ክአ አብኡ ስለዝስአነ ዕለተ ሐዘን ብማለት መግለጺ ሂቦም። ብኻልእ ወገን አብ ደቡብ አፍሪቃ ሊቀ ጳጳሳት ኬይ ታውን ከምኡ ክአ ናይታ ሀገር ረኪበ ጳጳሳት ሊቀ መንበር ብጹዕ አቡነ ስተፈን ብሪስሊን ብስም ጳጳሳት ደቡብ አፍሪቃ ንቤተ ሰብ ኒልሰን ማንደላ ናይ ሐዘን ተለግራም ከም ዝልአኹ ካብ ኬይፕ ታውን ዝመጸ ዜና አገንዚቡ ።
ኒልሰን ማንደላ ጐደና ሀገራዊ ዕርቅን ሰላምን ንህዝቢ ዝመርሑ ዕበለላ ጸዓዱ ይኹን ጸለምቲ ተገቲኡ ህዝቢ ብሰላምን ስኒትን ክነብር ጽዒሮም አብ ግብሪ ዝተርጐሙ ንዓሌታውነት ብዓሌታውነት ዘይመለሱ ምእንቲ ፍትሕን ማኦርነትን ሐርነትን ን27 ዓመታት ዝተመቅሑ አቦ ህዝቢ ደቡብ አፍሪቃ ከም ዝኾኑ እቲ ብፁዕ አቡነ ስተፈን ብሪስሊን ንስድራ ኒልሰን ማንደላ ዝልአኽዎ ናይ ሐዘን ተለግራም ከም ዘገንዘበ እቲ ዜና አፍሊጡ ።ውርሻ ኒልሰን ማንደላ ሐርነት ማዕርነት ዲሞክራሲ ሰላም ስኒት ብህዝቢ ደቡብ አፍርቃ ክዕቀብ ክአ እቲ ንስድራ ቤት ኒልሰን ማንደላ ዝተልእከ ናይ ሐዘን ተለግራም ከም ዘምለከተ እቲ ዜና አገልግሎት አፍሊጡ ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ መራሕቲ ሀገራት ዓለም ንደቡብ አፍሪቃ ናይ ሐዘን ተለግራም ይውሕዝ ከም ዘሎ ካልእ ካብ ፕሪቶርያ ዝመጸ ዜና ገሊጹ ። ናይ ሕብረት አፍሪቃ ኮሚስዮን ፕረሲዳንት ንክዛና ድላሚኒ ዙማ ንዓሌታዊ አድልዎ ንጭቆና ንሕሰም ስዒሮም ሐርነት ማዕርነት ሰላም ስኒት ዘረከቡ አብ ታሪክ ዘይርስዑ መስተውዓሊ አቦ ህዝቢ አፍሪቃ ኒልሰን ማንደላ ሐሊፎም እዚ ዕለት”ዚ ንህብና ዕለተ ሐዘን ኢዩ ብማለት መግለጺ ከም ዝሀባ ተገልጹ ። ምስ ሐርበኛ ኒልሰን ማንደላ ናይ ሰላም ኖብል ዝተሸለሙ ናይ ደቡብ አፍሪቃ ናይ መወዳእታ ጻዕዳ መራሒ ዝነበሩ ፍረድሪ ደ ክለርክ ምስ ኒልሰን ማንደላ ናይ ፖሊቲካ ራእይ ፍልልይ እኳ እንተነበረና ምስኦም ሐቢረ ምስርሔይ ዓቢ ክብሪ ይስምዓኒ ብማለት መግለጺ ከም ዝሀቡ ካብ ዮሐንስበርግ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ ።ናይ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ፕረሲዳንት ባራክ ኦባማ ብሕልፈት ኒልሰን ማንደላ አብ ዋሺንግቶን ዋይት ሀውስ መግለጺ ሂቦም ፡ ባራክ ኦባማ ኒልሰን ማንደላ ብ1964 አብ ፕሪቶርያ ብመንግስቲ ውሁዳን ጸዓዱ ተኸሲሶም አብ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረቡ ዝበልዎ ጸለምትን ጸዓዱን ህዝቢ ደቡብ አፍሪቃ ብነፃነትን ብሐርነትን ብዲሞክራስያዊ ምሕደራ ብሰላም ብሐባር ክነብር ይቃለስ አለኹ እዚ አብ ግብሪ ንምትርጓም ክአ መስዋዕት ክኸፍል ስንዱው ኢየ ዝበልዎ ጠቂሶም ናይ ኒልሰን ማንደላ መትከል ዘይብሉ ሕይወት ክመርሕ አይሐስብን ብሕልፈቶም ክአ ሐዘን ይስምዓኒ ብማለት ከም ዝገለጹ ካብ ዋሺንግቶን ዝመጸ ዜና አመልኪቱ ። ናይ መንግስቲ ሩስያ ፕረሲዳንት ቭላዲሚር ፑቲን አብ ዘበናዊ ታሪኽ ዓለም ሐደ ካብቶም ዓበይቲ ፖሊቲከኛታ ኢዮም ኒልሰን ማንደላ የኽብሮምን የድንቆምን ክብሉ ከም ዝገለጹ ኢታር ታስ አገልግሎት ዜና ካብ ሞስኮ ገሊጹ ።አባላት ቤት ምኽሪ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ንሐደ ደቂቅ ናይ ሕልና ጸሎት ከም ዝገበሩ ናይ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ዋና ጽሐፊ ባን ኪሙን ኒልሰን ማንደላ ተቃሊሶምን ን27 ዓመታት ተአሲሮምን ንዓሌታዊ ሥርዓተ መንግስቲ ስዒሮም ድሕሪ ዓወት ክአ ሒነ ክፍደ አይደለዩን ዕርቀ ሰላም መሪጾም ፡ ዓቢን ዝድነቁን ናይ ፖሊቲካ ዲፕሎማሲን ሰብ ዓቢ ሞራላዊን ሰብአውን ሓይሊ ዝውንኑ ኔሮም ብማለት ከም ዝገለጹ ካብ ኒውዮርክ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ። ሕልፈት ኒልሰን ማንደላ ንህዝቢ ደቡብ አፍሪቃ ጥራሕ ዘይኮነ ንህዝቢ ህንዲ ሐዘን ዝቅስቅስ ኢዩ ከም ህንዳዊ ማሕተማ ጋንዲ አርማ ነፃነትን ሰላምን ኢዮም። ናይ ህንዲ ቀዳማይ ሚኒስተር ማንሞሃን ሲን አብ ኒው ደልሂ ዝሀብዎ መግለጺ ኢዩ ዜና አፍሊጡ ። ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ኔታንያሁ ኒልሰን መንደላ መሥራቲ ድልድል ዘተን ሰላም ምጽውዋርን ብማለት መግለጺ ሂቦም። ናይ ኒልሰን ማንደላ ሥርዓተ ቀብሪ ዕለት 15 ታሕሳስ ከም ዚካየድ ካብ ዮሐንስበርግ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.