2013-12-06 14:23:37

ንድኻታት ማዕጾኡ ዝኸፍት አብ መወዳእታ ሰማያት ክኽፈተሉ ኢዩ፣ ናይ ምሕረት ሥራሕ ዘዘውትር ሰብ ንሞት አይፈርሃን ኢዩ፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማል ሮቡ ዕ አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተአኪቦም ንዝነበሩ ል ዕሊ ሓምሳ ሺሕ ዝግመቱ ም እመናንን ነጋድያንን አብ ዝሃብዎ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡ ዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዩ፣ ቅዱስነቶም ነቲ ን ዓመት እምነት ምኽንያት ብምግባር ንንውሕ ዝበለ ግዝያት ብዛዕባ ጸሎተ ሃይማኖት ንዘቅርብዎ አስተምህሮ ንምድምዳም ነታ ናይ መጨረሻ ዓንቀጸ ሃይማኖት ማለት ብትንሣኤ ሙታን እ አምን ንትብል ሓረግ መበገሲ ብምግባር ብዛዕባ ናይ ሥጋና ካብ ሞት ተፈልዩ ምትንሣእ አብ መንጎ አመንትን ዘይ አመንትን ዘሎ ፍልልይ ብምዝርዛር ምስ ገለጹ ነታ ሕመረት መግለጺ ፍቅሪ ዝኾነት ናይ ምሕረት ሥራሕ ዝገብር ንሞት ከምዘይፈርሕ ንምዝካር ከአ ነቲ አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተአኪቡ ዝነበረ ሕዝቢ ከምዚ ክብሉ ምሂሮም፣
“ንከይንርስ ዖ ሓቢርና ንድገሞ፣ ናይ ምሕረት ሥራሕ ዘዘውትር ንሞት አይፈርሕን! እንደግና ንድገሞ፣ ናይ ምሕረት ሥራሕ ዘዘውትር ንሞት አይፈርሕን፣ ንምንታይ ንሞት ከምዘይፈርሕ ትፈልጡዶ! እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ አሕዋቱ አቍሳል ትኽ ብትኽ ብምምልካት ብፍቅሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ገሩ ስለዝስዕሮ ኢዩ፣ እንክብሉ ነቲ ጐ.ኢ.ክ አብ መወዳእታ ፍርዲ ከም መምዘኒ ዘቅርበን ሸው ዓተ ሥጋዊ ናይ ምሕረት ተግባራት ማለት ንዝጠመየ ምዕንጋል ንዝጸምኤ ምርዋይ ንዝዓረቀ ምልባስ ንዝሓመመን ንዝተአሥረን ምብጻሕ ጋሻ ምቅባል ንዝሓዘነ ምጽንናዕን ንዝሞተ ምቅባርን እንክኾኑ እቶም መንፈሳውያን ናይ ምሕረት ተግባራት ከአ ንዝጠራጠሩ ምምካር ንደናቍር ምምሃር ንኃጢአተኛታት ናብ ንስሓ ክምለሱ ምምዓድ ተስፋ ንዝቆረጹ ምጽንናዕን ተስፋ ምሃብን ንዝበደሉኻ ይቅረ ምባል አጸገምቲ ንዝኾኑ ሰባት ብት ዕግሥቲ ምጽዋር አብ መጨረሽታ ከአ ም እንቲ ዘለውን ዝሞቱን ን እግዚአብሔር ምልማን ኢዮም፣ ነዚኤን ዝገብር ንሞት አይፈርሕን ኢዮም ዝብሉ ዘለው፣
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ሞት ንዘሎና አተሓሳስባ ብሓፈሻ ግጉይ ከምዝኾነ እዙይ ከአ ንሕይወት አብ ሞንጎ ልደትን ሞትን ሓጺርናያ ጥራሕ እንተተሪፍና ክንዮ ሞት ክንሳገር እንተዘይክ ኢልና ጸገም ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ፣
“ን አይ ብዙሕ ጊዜ ሕጻናት ስለምንታይ ይሳቀዩ ስለምንታይከ ይሞቱ ዝብላ ሕቶታት የተሓሳስባኒ ኢየን፣ ርግጽ ኢዩ ኩሉ ብሞት ከምዝድምደም ጌርና እንተወሲድናዮ ሞት ተፍርህ ተሕዝን ናይ ኩሉ መደባትናን ሕልምታትናን ትጽቢታትናን ትበታትኖ ንዝኾነ ርክብን ጕዕዞን ከአ ትቆጽዮ፣ እዚ ዝኽሰተሉ ጊዜ ከአ ንሕይወትና አብ ማእከል ክልተ ነገራት ማለት ልደትን ሞትን እንተሓጸርናዮ፤ ክንዮ ሞት ሕይወት ከምዘሎ እንተዘንጊዕና እግዚአብሔር ከምዘየሎ ጌርና እንተነበርና እዚ የጋጥም፣ እዚ ዓይነት ናይ ሞት ርድ ኢት ናይ ሓደ ዘይ አማኒ አቅዋም ኢዩ፣ ዘይ አምን ሰብ ንሕይወት ከም ናይ ዕድል ጕዳይ ይምልክቶ ኩሉ ከአ ብሞት ከምዝብቅ ዕን ድሕሪ ሞት ምንም ከይዘየለን ይሓስብ፣
“ኮይኑ ግን ዝገደደ ዘይም እማን ከአ ብተግባር እግዚአብሔር ከምዘየሎ ምንባር ኢዩ እዚ ንጥቅሚ ር እስኻ ጥራይ እናሓሰብካ ንናይዚ ዓለምዚ ነገራት ክትነብር ከሎኻ ኢዩ፣ ከምዚ ዓይነት ሕይወት ንነብር እንተሊና ብር ግጽ ካብ ክንሃድም ብዛዕባኡ ካብ ምሕሳብ ክንሕረም ከምዘየሎ ጌርና ክንሓስቦ ንግደት ምኽንያቱ ከአ ሞት ስለተፍርሓና፣ አማኒ ንዝኾነ ክርስትያን ግን መሪር መሰጋገሪ ኢዩ፣ ከመይ ብ አ ኡ አቢሉ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ስለዝሓልም፣
“ርግጽ ኢዩ ናይ ሕይወትና ዘሕዝን ፍጻሜታት ክንዝክር ከሎና ሓደ እንፈትዎ ሰብ ብሞት ክፍለየና እንከሎ ወላዲ ሓው ሓውቲ ዓርኪ መሓዛ ብሞት ተፈልዩና አብ ብርቱዕ ሓዘን አብ እንርከበሉ ጊዜ እውን ከይተረፈ አብ ውሽጢ ልብና ኩሉ ብሞት ከምዘውዳእ ክንዮ ሞት ገለ ከምዘሎ ይስም ዓና፣ እዚ ብተፈጥሮ ምሳና ዝተወልደ ስምዒት እዚ ሕይወትና ብሞት ከምዘይድምደም የረጋግጸልና፣ ርግጽ ከአ ከማኡ ኢዩ፣ ኮይኑ ግን ነፍሲ ወክፍና አማዋውትና ከም ናብራና ኢዩ፣ ሓደ አማኒ ምስ ክርስቶስ እንተደአ ይጐዓዝ ነይሩ ኮይኑ አብቲ መወዳእታ ዘይብሉ መለኮታዊ ምሕረቱ ብምት እምማን ንኩሉ ብሓጐስ ይቅበሎ፣ እዚ ምስ እንገብር እቲ አብዚ ምድሪ እዚ ዝተዋህበና ሕይወት ነቲ እንጽበዮ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንክንሰናዶ ዝተዋህበና ዕድል ምዃኑ እውን ንግንዘብ፣“ከምዚ ስለዝኾነ ከአ ንሞት ብጽቡቅ ንክትሰናዶ ሓንቲ ርግጸኛ መንገዲ አላ ንሳ ከአ ወትሩ አብ ጥቃ ክርስቶስ አብ ጐኒ ክርስቶስ ኰንኳ ምንባር ኢያ፣ እቲ ርግጽነት እዚ ኢዩ፣ አብ ጥቃ ኢየሱስ ኰንኳ ንሞት ምስንዳው፣ ከመይ ገቢረ አብ ጥቃ ኢየሱስ ክኸውን እኽ እል እንተበልካ ጸሎት ብምዝውታ ምስጢራት ብምስታፍን ናይ ምሕረት ሥራሕ ብምዝውታርን ኢዩ፣ ንሱ አብቶም ድኹማትን ድኻታትን ረዳኢ ዘይብሎምን ከምዘሎ አይንረስዕ፣ አብ ወንጌል ማቴዎስ 25 ከምዘዘኻኽረና ነቲ ካብቶም ነአሽቱ ንሓደ እንገብሮ ን አ ኡ ከም እንገብሮ ይነግረና፣ ስለዚ እታ ንሞት ብጽቡቅ እንሰናደወላ ርግጸኛ መንገዲ ናይ አሕዋትናን አኃትናን መንፈሳውን ሥጋውን አቍሳል ንምፍዋስ ብናይ ምሕረት ሥራሕን ሕውነታዊ ምትሕብባርን ንበግስ፣ ክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣







All the contents on this site are copyrighted ©.