2013-12-06 14:21:36

ሰንበት ዘመጻጉዕ 2006 ዓ.ም 12/8/2013)


መዝሙር ቤሉ እስራኤል ኢርኢነ ወኢሰማዕነ. . . .
ንባባት 2ቆሮ. 4:1-12፥ 1ዮሓ፡ 5፡11-ፍ፥ ግ.ሓ. 4:14-22፥ ዮሓ. 9፡13-25።
ስብከት ደቂቀ እጓለ እመሕያው እስከ ማእዜኑ ታከብዱ ልበክሙ ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ፥ አእምሩ ከመ ተሰብሓ እግዚአብሔር በጽድቁ። “አቱም ደቂ ሰብ ንኽብረይ ክሳብ መአስ ኢኹም እትሕስርዎ ክሳብ ምአስ ኢኹም ንኸንቱነት እትፈትዉን ንሓሶት እትስዕቡን” መዝ.4፡2።
መዝሙር በዚ ዕለት ዝዝመር ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡”እስራኤላውያን ብዕዉሩ ዝተወልደ እሞ ብመዓልቲ ሰንበት ዝረአየ ርኢናን ሰሚዕናን አይንፈልጥን። ካብ እግዚአብሔር እንተ ዘይከውን ነዚ አይምገበረን፥ ብዛዕባ ዘሕወየካ እንታይ ትብል፥ ዘሕወየኒ ካብዚ ዝኸፍእ ከይረኽበካ ንኻልእ ከይትነግር ኢሉኒ”። አይሁድ ኢየሱስ ንብዕዉሩ ንዝተወልደ ምስ አሕወየ ክአምኑ ጸጊምዎም፥ ነቲ ተአምራት ካብ አምላኽ ከምዝኾነ ክንዲ ዝአምኑ ሓደ ሰብ ከመይ ገሩ ነዚ ይገብር እናበሉ ብሓደ ሰይጣን ዝመለኾ ከምዝተገብረ ገሮም ርእዮሞ። እቲ ዕዉር ግን አነ እየ እናበለ መስኪሩ። አብ ሕይወትና አምላኽ ርኡይ መልእኽቲ እናአስማዕና ምእማን ንአቢ። ሎሚ እምብአር እምነትና ክነዕቢ ንአምላኽ ዝግብኦ ቦታ አብ ሕይወትና ክንህቦ ከምዘሎና እዚ ናይ ሎሚ መዝሙር ይነግረና።
ልብና ዓዊሩ ሓቂ ጠፊኡና አብ እነዕገርግረሉ ዘሎና እዋን አብ አምላኽ ተመሊስና ክንሓዊ ክንልምኖ ከምዝግብአና ናይ ሎሚ ሰንበት ዘመጻጉዕ ክንዝክር ከሎና ፍሉይ መልእክቲ የመሓላልፈልና። ገለና ዑረት ልቢ ወሪሱና ገለና ኸአ ሕማም መጻጉዕ አልሚሱና ከይህሉ ርእስና ንርአ እሞ ንኢየሱስ ንጸውዕ ።
እዚ ሰንበት ዘምጻጉዕ ይብሃል፥ ኢየሱስ አብ ተልእኮኡ ንብዙሕት ካብ ሕማሞም የሕዊ ነሩ እዩ፥ መጻጉዕ ሓደ ካብቲ ክፉእ ሕማማት ንሰውነት ደቂ ሰብ በብቑሩብ እና ቖረጸ ዝውድእ ሕማም እዩ። ነዚ ሕማም ዝሓመሙ ሰባት ካብ ሰብ ተፈልዮም አብ ርሑቕ ቦታ አብ ብዓቲ እዮም ዝነብሩ ነሮም። ሰብ እንተ ረአዩ ብማዕዶ መጻጉዕ እየ ናበሉ ሰባት ሕማሞም ከይለግቦም ይነግሩ። ሰብ ካብኦም ይሃድም። መውስቦ ክገብሩ አይፍቀደሎምን እዩ እንትርፎ ከምኦም ሕሙም ዝኾነ፥ ካብ ሕብረተ ሰብ ካብ ስድርኦም ካብ ኩሉ ዝተነጽጉ እዮም።
ኢየሱስ ንብዙሓት ካብዚ ሕማም አሕውይዎም። ከሕውዮም እንከሎ ግን ብወገኖም ክገብርዎ ዝግብኦም ነገራት ነሩ፡ ክሓውዩ ከም ዝደልዩ ክሓቱ አልኦም። አብ ሉቃስ 17፡1119 ዘሎ እንተ ረኤና እቶም ዓሰርተ ለምጻማት ብማዕዶ “ኦ ኢየሱስ ኦ መምህር ምሓረና” እናበሉ ብእምነት ለሚኖሞ፥ ንሱ ኸአ ምስ ረአዮም ኪዱ ርእስኹም ንኻህናት አርእዩ በሎም፥ ክኸዱ ኸለዉ ኸአ ነጽሑ” ዝብል ነንብብ። እምነት መሰረታዊ እዩ አብ ኩሉ ሕይወትና እምነት እንተ ሃልዩና ዝኾነ ብስም ኢየሱስ ዝለመናዮ ክሰልጠና እዩ። እዚ ከም ዝገብረልካ ትአምኖዶ ኢሉ ምስ ሓተተና እወ እናበልና እምነትና ክንገልጽ አሎና። ኢየሱስ ነቶም ዘሕውዮም ለምጻማት ምስ ሓወዩ አብ ቅድሚ ካህናት ክቐርቡ ይነግሮም ነሩ። አብ ብሉይ ኪዳን አብ ዘሌዋውያን 14፡29 ከም እነንብቦ ንሓደ ዝነጽሐ እሞ አብ ሕብረተ ሰብ ክምለስ ምስክርነት ዝህብዎ ካህናት እዮም፥ በዚ እዩ ኢየሱስ አብ ካህን ክቐርቡ ዝነገሮም።
ኢየሱስ ለምጺ ወይ ደዌ ንዝሓመሙ ከሕዊ እንከሎ አብ ዝገብሮ ተአምራት ክነስተንትን እንከሎና አብ ሕይወትና ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት ከምዘሎ ንርኢ።


ቅዱስ ጳውሎስ “እቲ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚአ ዝኾነ ሰይጣን ብርሃን ወንጌል መታን ከይርእዩ ንልቢ እቶም ዘይአምኑ ደፈኖ፥ እዚ ብርሃን እዚ ኸአ ኽብሪ ናይቲ አርአያ አምላኽ ዝኾነ ክርስቶስ እዩ” (2ቆሮ 4፡4) ይብለና አብ ቀዳመይቲ ንባብና። አብ ሕይወት ደቂ ሰብ ንሰላም ንፍቕሪ ንእምነት ዝጻረሩ ብዙሓት ምዃኖም እንርእዮ ሓቂ እዩ። መከራ እዚ ዓለም ብመንጽር ሰማይ እንተ ረአናዮ ጥራሕ ኢና እንዕወት። መንፈሳዊ ሕይወትና ክብሪ አምላኽ ከይለብስን ከየንጸባርቕን ዝዋግኡ ጸላእቲ አለዉና ስለዚ ድልዱል ዕጥቂ የድልየና። ጳውሎስ ነቲ ምእንቲ ክርስቶስ ዝወርዶ ዝነበረ ግፍዒ አብ እምነቱ ሓንቲ ለውጢ ከምዘየምጽአሉ ብከምዚ ይገልጾ፥ “ብኹሉ ወገን ንግፋዕ ኢና ግን አይንስዓርን ኢና፥ እንገብሮ ይጠፍአና ግን ተስፋ አይንቐብጽን ኢና፥ የሳድዱና ግን አይተረሳዕናን፥ ይወቕዑና ግን አይንመውትን ኢና፥ ሕይወት ኢየሱስ አብ ሰብነትና ምእንቲ ኽትግሃድውን ሞት ኢየሱስ አብ ሰብነትና ኹሉ ሳዕ ንፀውር አሎና፥ ከመይ ሕይወት ኢየሱስ አብ መዋቲ ሰውነትና ምእንቲ ክትግሃድሲ ንሕና ብሕይወት እንነብር ዘሎና ምእንቲ ኢየሱስ ኩሉሳዕ ናብ ሞት አሕሊፎም ይህቡና አለዉ፥ ስለዚ ንሕና ንመውት አሎና ንስኻትኩም ግና ብሕይወት ትነብሩ አሎኹም” (2ቆሮ 4፡8-12) እናበለ ሓደ አማናይ ክርስቶስ ክገብሮን ክርድኦን ዘለዎ ይነግረና። ዓለም ከም ዕንቊ ጸቢባትና እንከላ ንኢየሱስ ክንዝክር ከምዝግብአና ኩሉ መከራን ፈተናን ብእምነት ክንሓልፎ ከምዘሎና ዘኪርና ንፉዓት ተዋጋእቲ ክንከውን ይላበወና። ሕይወት ቅዱሳን ኩሉ በዚ ጸበባ ዝሓለፈ እዩ፥ ንኹሉ ስዒሮም አኽሊል ሰማይ ተጎናጺፎም፥ ንሕና እውን ነዚ መገዲ ሒዝና ክርስትናን ንልበሶ። ተስፋ ምቝራጽ ከምኡ ዘይመገድኻ ሒዝካ ምኻድ ንሓደ ክርስትያን መንፈሳዊ ምልማስ የምጽአሉ ስለዚ ከይንለምስ እሞ አብ ብዓቲ ከይንነብር ሎሚ ንበራበር ንኢየሱስ ዓው ኢልና ራሕርሓልና ንበሎ።
ተፈጥሮና ድኹማት ኢና እንተ ኾነ ጸጋ አምላኽ አብቲ መዋትን ድኹምን ሰውነትና ሓዲሩ ፍሉይ ሕይወት የልብሰና። እዚ ጸጋ እዚ ንብዙሕት ቅዱሳን ንብዙሓት ሰማዕታት ጉዕዞ ሕይወቶም ብዓወት ከምዝዛዝሙ ገርዎም ሎሚ ንሕና እውን እምነትና አጽኒዕና እንተ ጸለና ከምኡ ኲኖ ፈተናን ውርደትን ዘሎ ርኢና እንተ ኸአልና ክንዕወት ኢና።
ቅዱስ የውሃንስ መለክዒ እምነትና ክነግረና ኸሎ፥ “እቲ ወዲ አምላኽ አብኡ ዝነብር ሰብ ሕይወት አላቶ፥ እቲ ወዲ አምላኽ አብኡ ዘይነብር ሰብ ሕይወት የብሉን (1ዮሓ 5፡12)” ይብለና። ብሕይወት ምንባር ማለት ብዘይ ኃጢአት ምንባር ማለት እዩ። ክርስቶስ አነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ ክብለና እንከሎ እቲ እንኮ ምሉእ ሕይወት አብኡ ጥራሕ ከምዝርከብ ይነግረና። ሎሚ ሕይወትና መን ወሪስዎ ይርከብ አሎ ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ዓለም ሎሚ ዝሃርፍ ዝቐንእ ዝጸልእ በዚሕዋ ሰብ አብ ክብርን ሃብቲ ዓለምን አድሂቡ ንክርስቶስ አብ ጎኒ ሓዲጉ ዓለመይ ትሕሸኒ ዝብል ውሑድ አይኮነን። ከምቶም ዓሰርተ ለምጻማት መንፈሳዊ ለምሲ ልቢ ሰብ ወሪሱ ካብ አምላኽ ርሒቕና አብ ጸልማት አብ ብዓቲ ኃጢአትና እንነብር ውሑዳት አይኮናን። መንፈሳዊ ድፍረት ለቢስና ካብ ተሓቢእናሉ ዘሎና ወጺእና ንኢየሱስ ንጸውዓዮ፥ ራሕርሓልና ንበሎ ንለምኖ ክሰምዓና ኸአ እዩ።
ቅ.ዮሓንስ አብ ሞት ዘብጽሕን ዘየብጽሕን ኃጢአት አሎ እናበለ ክልተ ኃጢአት ከምዘሎ ይነግረና (ንእሽቶይን ዓብይን ኃጢአት ኢልና ንገልጾ)። አብ ኃጢአት ከይንወድቕ ጸሎት ወሳኒ ሓይሊ ከምዘለዎ ይነግረና። አብ ፈተና አይትእትወና ኢልና ክንጽሊ ከሎና ተፈቲና ከይንወዽቅ ክንፍተን አይተፍቅድ ኢልና ንልምኖ። ኵሉ ጊዜ ብቐጻሊ ጸሎት ክንገብር ይላበወና እዚ እዩ ሓይሊ ዝህበና። እምነትና ብጸሎት ክስነ እንከሎ ድልዱል ይኽውን ስለዚ ክንጽሊ ይግብአና።
በዚ ሰንበት ዘመጻጉዕ እምብአር አምላኽ አብ ውሽጥና አቲና ካብኡ ፈልዩና ዘሎ ርኢና ክንክእል እሞ ክንልምኖ ክንጽሊ ክንልምን የዘኻኽረና። ሰይጣን ተዓዊቱልና እንተሎ ሎሚ ንነሳሕ ክንሓዊ ኸአ ኢና። አብ መገዲ አብ ጉዕዞ ሕይወትና እንከሎና ክረኽበና ይደሊ አሎ፥ ንጸውዓዮ ክሰምዓና እዩ። ከከም ውድቀትና ክንገብሮ ዘሎና ክነግረና እዩ ንስምዓዮ። ብሓቂ ብእምነት እንተ ተቐቢልናዮ ሽዑ አብኡ ተመሊስና ክነመስግኖ ኢና፥ ንስሓና ግዳማዊ እንተ ኾነ ግን ንግዚኡ ዝተመለስና ክንመስል ኢና ድሕሪኡ ግን አብ ዱርና አብ ምሕባእና ክንአቱ ኢና። ስለዚ ንርእስና ጊዜ ሂብና ከመሎኹ ክንብል ግቡእ እዩ።
ካብ መጻጉዕ ኃጢአተይ አድሕነኒ ኢልና አብ ንስሓ ንእቶ ሽዑ ልቢ አምላኽ ተማሪኹ ምሕረት ክእወጀልና እዩ።
አምላኽ እንንስሓሉ ጸጋ ይሃበና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.