2013-12-05 15:56:58

ብፁዕ ካርዲናል ርይልኮ፦ ስነ ኣሃዝ ዝተራቑ መርበብ ሓበሬታ ንተልእኮ ወንጌል ዓቢይ ስፍራ እዩ


RealAudioMP3 ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ፦ “ኣብ’ዚ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መርበብ ሓበሬታ ዝሰፍሐሉ ዘሎ ዘመን ክርስቶስ ምእዋጅ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ዘዳለዎ ሊቃውንትን ምሁራትን ዓለማውያን ምእመናንን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያን ሓደስቲ መራኸቢ ቡዝሃንን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣማእኪሉ ዝዝትይሉ ናይ ሰለስተ መዓልቲ መበል 26 ዓመታዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 4 ነሓሰ 2013 ዓ.ም. ከምዝኸፈተ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ስተፋኖ ለስችንይስኪ ሓቢሮም፣ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካዲናል ስታኒዝላው ርይልኮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ብድሆታት ኅብረሰብኣዊ ባህሊ ዓውሎማነት ዓውደ ትርኢታቱ ካብዚኣቶም ድማ እቲ ኣዚዩ ንላዕሊ ዝውንጨፍ ዘሎ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መርበብ ሓቤሬታን መራኸቢ ብዙሃንን” ዝብሉ ጠቒሶም ቤተ ክርስቲያን እዚኣቶም ዝጐልሑ ዘለዉ ብድሆታት ናይ መራኸቢ ብዙሃን ዝምልከት ተርእዮ እዩ ብዘይ ዝብል ንኡስ ኣረኣያ ክይተሓጽረት ኣለልያ ክትገጥሞ ኣለዋ” ኢሎም እዚ ድማ ሓድሽ ናይ ስነ ኣሃዝ ባህሊ ብምቕራብ ነቶም ብፍላይ ናይዚ ምዕባለ ጽልዋ ዝኾነ መንእስይ ወለዶን ማለት ነቶም “ደቀባት ወለዶ ስነ ኣሃዝ ብዝብል ምርምር ስነ ሰብእ ዝገልጾም ወለዶ ንምሕናጽ ዘተኮረ ባህሊ ንምቕራብ ዝድግፍ ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ ተንቲኖም፣ ስለዚህ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እዚ ሐድሽ ብስን ኣሃዝ ዝተራቐ መራኽቢ ብዙሃን ሕውነትን ምትሕብባርን ዝዓሰሎ ዓለም ንምሕናጽ ዝድግፍ መጋበርያ ክኸውን ዝበልዎ ምዕዳን መሰረት ዝገበረ ዓውደ መጽናዕቲ እውን ምዃኑ ሓቢርም፣ እዚ ዅሉ እቲ ሓድሽ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዕደ ጥብብ ዘስዕቦ ዘሎ ዓቢይ ናይ ሓሳባዊ ዓለም ጊሊያነትን ንጭቡጥ እውነተይና ምስቶም ኣብ ጥቓኻ ምስ ዘለዉ ንምርኻብ ዘይብቑዕ ዝገብር ንዘዕንው ሓሳባቱ ምቅላዕን ንዓመጽ ዘተባብዕን ምዝባዕ ነዘኸትል ባህሊ ዘቃልዕን ናብ ጸያፍ ተግባራት ውልፍነት ዝድርኽ ባህሊ ኩሉ መምዩ ሓናጺ ባህሊ ዝመሓላለፈሉ ክኸውን ኣብዚ መዳይ ቤተ ክርስቲያን እትጻወቶ ግደ ዓቢይ ብምዃኑ ነቲ ዘዕንው ባህሊ ዝእርም ባህሊ ብምቕራብን ኣብ ኩሉ መዳይ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ናይ ብቕዓት ምልላይን ምምማይን ንምሕያል ዝድግፍ ሕንጸት ንምቕራብ ዘተኰረ ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ ገሊጾም፦ “በዚ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መራኸቢ ቡዙሃን ብቕዓት ምጥቃም ኣባላት ውሉደ ክህነትን ምእመናን ንምሕናጽን ብኣኦም ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣስፍሆተ ወንጌል ከተቕርብን እቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሃን ናይ ተልእኾ ስፍራ ምዃኑ ንምርግጋጽ ኣሚቱ ዝተነቓቕሔ ዓውደ መጽናዕቲ” እዩ ምስ ብሉ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓልዮ ዓለማውያን ምእመናን ዕላማ ዘለዎ ብምዃኑ “ዓለማውያን ምእመናን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ተልእኾ ቤተ ክርስቲያንን ተዋሰእቲ እዩም ከምዚ ብምዃኑ ድማ ነቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መራኽቢ ብዙሃን ዘቕርቦም ብድሆታት ብመርሕነት ቤተ ክርስቲያን ክገጥምዎን እቲ መጋበርያ ዘለዎ ዕቑር ሓይሊ ናብ ኣሉታዊ ተግባር ከይድህብ ሰውራ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሃን ብዝብል ወንጌላዊ ምንቕቓሕ ናብ እወታዊ ከድህብ ብቐጥታ ክዋስኡ ንምትብባዕ እዩ” ስለዚህ “ናይ ምድሪ ጨውን ብርሃንን ኩኑ ዝብል ወንጌላዊ ጻውዒት ንምንባር እዩ፣ እዚ ጻውዒት’ዚ በቢ ዕለቱ ምስ ከይዲ ምዕባለ ብምትእስሳር ምንባሩ ቀሊል ኣይኰነን፣ ስለዚህ ጨውን ብርሃንን ኰይንካ ንኽትርከብ ነቲ እዋናዊ ዓለም ከይድታቱን ምዕባለቴታቱን ብጥልቂ ምፍላጥን ምርዳእን የድሊ፣ ምስ ግዜ ምኻድ ማለት ነቲ ግዜ ንምምሳል ዘይኮነስ ነቲ ዘሎ እዋናዊ ከይዲ ምፍላጥ ማለት እዩ። ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ምልላይ ብቕዓቶም ከሕይሉ መታን ሕንጸት ንምቕራብን እዋናዊ ባህሊ ዝፈርሑን ኣይምልከተንን እዩ ዝብሉ መታን ከይኰኑ ነቲ ዝኽሰት ዘበለ ለውጢ ዅሉ ብቐረባ ናይ ምምማይ ብቕዓቶም ከተባብዑን ኣብዚ መዳይ ክሕነጹ ከምዘለዎምን ብሳልሳይ ደረጃ ኣብዚ መዳይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሕንጻጸ ዝምልከትን፣ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ምዕባለ ብቕዓት ኣገናዛብነትን ተበግሶን ድላይን ከልምስ ዝኽእል ባህርያቱ ንምውጋድ እዩ። ስለዚህ ኣብዚ ሓድሽ ምዕባለን ዓለምን ጐደና ተስፋታት ምልላይ ዝመያየጥ እዩ” ኢሎም።
“ብዛዕባ ወንጌልን እምነት ክርስትናን ብመርበብ ሓበሬታ ዝበሃል ዘበለ ኵሉ ሓቅነት ኣለዎ ማለት ኣይኮነን ስለዚህ ማሕበረ ክርስቲያን ነቲ ብስነ ኣሃዝ ብቅልጡፍ ብዛዕባ እምነት ክርስትናን ወንጌልን ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ፍጥረትን ኢየሱስ ክርስቶስን ዝምልከት ኣርእስታት ዝቐርበሉ ጽሑፋትን ስነ ሓሳባትን ክመምይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ዝፍልጥ ክኸውን ኣለዎ ስለዚህ ምእመን ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርትታት ክሕነጹ ይግባእ፣ ብዛዕባ እትነብሮ እምነት ከይፈለጥካ እቲ ዝቐርበልካ ናይ ሃይማኖት ኣተሓሳስባ ሓቂ ድዩ ጌጋ ምዃኑ ንምራዳኡ ዘጸግም እዩ። ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዓለማዊ ምእመን ኣብ እዋናዊ ዓለም በቲ እዋናዊ ዓለም ዘጨብጦም ምዕባለታት ኣቢላ ክትሓንጽ ከምዘለዋ ዘተሓሳስብ ጉባኤ እዩ” ምስ በሉ ዓለማዊ ምእመን ናይቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቀንደይና ተዋሳእን በዓለ ቤትን ከምዝኾነን፣ ንምርግጋጽ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዝተፈላለየ ናይ ምህዞ ብቕዓቱ እናሰነኻ ሸቶኡ ክወቕዕ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ምራኸቢ ብዙሃን ከፍርሓና የብሉን፣ እዚ ድማ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣይትፍርሑ ልባትኩም ንኽርስቶስ ጋህ ኣቢልኩም ክፈትሉ ዝበልዎ ጻውዒትን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘደንቑ ምህዞታት ብዝብልን ከምኡ ድማ “Inter Mirifica- መጋበርያ መራኸቢ ቡዙሃን” ዝብሉ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔታት እቲ እግዚኣብሔር ዝለገሶ ተበጽሖታት ኩሉ ከም ደቂ እግዚኣብሔር ወረስቲ ናይቲ ዘለዓለማዊ መንግስት ክንከውን ዝተጸዋዕና ምዃንና ዘረጋግጽ ውሉዳዊ ጸጋ ኣብ ኩሉ መዳይ መታን ክንነብሮ ዝድግፍን ኣነ ንዓለም ስዒረ እየ ኦሞ ኣይትፍርሑ ዝብል መረጋገጺ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ክንነብር ቤተ ክርስቲያን እተቕርቦ ስልጣናዊ ትርምህቲ ዝቃልሓሉ ጉባኤ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.