2013-12-03 15:30:37

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ በዓለ ልደት ብኽፉት ልቢ በቲ ንሕይወት ዝሕድስ ጐይታ ንኽንርከብ ገዛእ ርእስና ምቕራብ ማለት እዩ


RealAudioMP3 ዕለት 2 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፦ “ንበዓለ ልደት ብጸሎትን ብዝስዋዕ ግብረ ሰናይን ምስጋናን ምስንዳው፣ ብኽፉት ልቢ በቲ ንሕይወት ዝሕድስ ጐይታ ንኽንርከብ ገዛእ ርእስና ምቕራብ እዩ” ኣብ ዝብል ምዕዳን ዘተኮረ ስብከት ከምዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለቱ ሓደ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ ንዝፈትዎ ንሓደ ኣገልጋሊኡ ኢየሱስ ጸጋ ፈውሲ ክዕድሎ ዘቕርቦ ሕቶ ዘዘንትዎ ምንባበ ወንጌል ኣሞርኵይዞም፣ ኣብዚ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን፣ ልደት ምስ ጐይታ ንኽንራኸብ እንጓዕዘሉ ቅዱስ እዋን እምበር ልሙድ ቢቢ ዓመቱ ዝዝከር ደስ ዘብል ጊዚያዊ ታሪኽ ዝዝንተወሉ እዋን ከምዘይኰነ እንከስተምህሩ፦ “በዓለ ልደት ምስ ኢየሱስ ንምርኻብ እንጓዓዘሉ ኩነት፣ ናይ ርክብ ኩነት እዩ፣ ምሳኡ ንኽንራኸብ ብኽፉት ልቢ ምሳኡ ንኽንራኸብ ናብኡ እነጓዓዘሉ ኩነት ብእምነት እንራኸበሉ ሕያው ርክብ እዩ። ብእምነት ምንባር ቀሊል ኣይኰነን፣ ኣብ ናይ ሎሚ ምንባበ ወንጌል ጐይታ ብናይቲ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ እምነት ይድነቕ፣ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ምስ ጐይታ ንኽራኸብ ተጓዒዙ እዩ፣ ምስ ኢየሱስ ምስ ተራኸበ ድማ እቲ ምርኻብ ዝጽግዎ ሓጎስ ክስምዖን ክነብሮም በቒዑ እዩ፣ እዚ ዓይንነ ምራኻብ ኢና ክንደልን ሃረር ክንብል ዘሎና። ናይ እምነት ርክብ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ “ምስ ኢየሱስ ምስ እንራኸብ ጥራሕ እዩ፣ ገዛእ ርእስና ንኸውን፣ መን ምዃንና እነለልይ፣ ስለዚህ ናይዚ ርክብ ወነንቲ ኣንሕና ኢና ክበሃል ይከኣል፣ ስለምታይ ገዛእ ርእስና ነዚ ርክብ ክንፈቅድ ኣሎና። ነዚ ርክብ ክንፈቅድ እንከሎና ንሱ ናብ ውሽጥና ይኣትው፣ ንኹሉ ድማ ይልውጦን ይሕድሶን፣ እዚ እዩ ምጽኣት ማለት፣ ኢየሱስ ክመጽእ እንከሎ ንኹሉ ይሕድስ ልብን መንፈስን ሕይወትን ተስፋን ጉዕዞን ኩሉ ይሕድስ፣ ኣንሕና ብእምነት ኣብ ጉዕዞ ኢና ዘሎና፣ ልክዕ ከምቲ ናይቲ ሓለቓ ሚእቲ እምነት ብእምነት ምሳኡ ንኽንራኸብ ብቐዳምነት ድማ ብኣኡ ንኽንርከብ ገዛእ ርእስና ፈቒድና ብእምነት እንጓዓዝ ኢና” ቢሎም እዚ ርክብ’ዚ ግን ክፉት ልቢ ዝሓትት ምዃኑ እንክሕብሩ፦ “ክፉት ልቢ፣ ስለምታይ ንሱ ምሳይ ምእንቲ ክራኸብ እዩ። ከምቲ ልሙድ እነ ንገዛእ ርእሰይ ክብሎ ዝደልዮ ዝብለሉ ዘይኰነስ ንሱ ክብለኒ ንዝደልዮ መታን ጽን ክብል እዩ፣ ፍቕሪ ረቒቕ፣ ዘይጭበጥ ዘይኰነስ ጭቡጥ እዩ፣ ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ዝቐውም ኩነት እዩ፣ ኢየሱስ ኣካል ንኣይ ኣካል ይጥምተኒ፣ ገዛእ ርእስና ብኣኡ ንኽንርከብ ምፍቓድ ማለት ብኣኡ ንኽንፍቀር ገዛእ ርእስና ምቕራብን ምፍቓድን ማለት እዩ” ቢሎም ኣብ ጸሎትን ብዝስዋዕ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎትን ማለት ነቶም ኣዚዮም ኣብ ሕሱም ድኽነትን መከራን ዝርከቡ ቀረባ ብምዃንን ብምስጋናን ናብ ልደት ጐይታ ክንጓዓዝ ከምዘሎና ሓደራ ቢሎም ኢየሱስ መታን ክረኽበና ጸሎትን ግብረ ሰናይን ምስጋናን ንንበር እንክብሉ ዘስምዕዎ ሥልጣናዊ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.