2013-12-03 15:36:21

ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሰበኻ ሮማ ቁምስና ቅዱስ ቀርሎስ ዘእስክንድሪያ


RealAudioMP3 ዕለት 1 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሰበኻ ሮማ ቶር ሳፒየንዛ ተባሂሉ ኣብ ዝጽስዋዕ ደጋዊ ክፍሊ ከተማ ሮማ ዝርከብ ቁምስና ቅዱስ ቀርሎስ ዘእስክንድሪያ ሓውጾተ ኖልዎ ከምዝፈጸሙ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋዉስታ ስፐራንዛ፣ ናይ ሮማ ጳጳስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ቁምስና መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ንትሽዓተ ሕጻናት ስርዓት ቅብኣተ ሜሮም ከምዝፈጸሙን መስዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ምዕራጎም፣ ብከቢድ ሕማም ንዝተጠቕዑ ኣባላት ቁምስናን ኣብዚ መደብ ዓመታዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምዝዛም ጸጋ ጥምቀት ምስ ዝተቐበሉን ምእመናንን ከምእተራኸቡ ገሊጸን፣ እቲ ከባቢ ክፍሊ ከተማ ሮማ ብዙሓት ስደተይናታት ዝነብርሉ ክኸውን እንከሎ ከም ክፍለ ደጋዊ ከተማ ብዙሕ ጸገምን ስቓይን ዝረኣየሉ እውን ምዃኑ የዘኻኽራ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝሕረዩ ኣብ ቁምስና ሰበኻ ሮማ ዘካይድዎ ክልኣይ ሓውጾተ ኖልዎ ምዃኑ ዘመልከታ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ስፐራንዛ ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፦ “ግብረ ሰናይ እንክፍንጽምን ሕሙማን ክንበጽሕን ድኻታትን ስኡናንት ክንድግፍን፣ ንኻልኦት ክንሓስብ ኣንከለናን፣ ንኣይነት ካብ ምባል ክንርሕቕ እንከለናን ሓለይትን ኣፍቀርትን ክንከውን እንከለና፣ ምስ ኢየሱስ ንራኸብ። እዚ ኢዩ ጉዕዞ ሕይወት። ምስ ኢየሱስ ንምርኻብ ምጓዓዝ” ቀጺሎም ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ሓጢኣትን ከም መቑሕ ደው ከብለናን ተስፋ ክንቆርጽ ይድርኸና፦ “ንፈልጥ ዶ እቶም ንኢየሱስ ዝደልይዎ ዝነበሩ መብዛሕቲኦም ሓጥኣን ከምዝነበሩ፣ እቶም ቅኑዓንት ኣብ ፍትሒ ኣሎና ዝብሉ ተመጻደቕቲ ሓጥኣን ዝደልን ምስ ሓጥኣን ብምዃኑ ድማ እዝስ ርኣዩ’ሞ መካይድቱ በዓል መን ምዃኖም፣ ስለዚህ ሓቀይና ነቢይ ኣይኰነን፣ እናበሉ ድማ ይወቕስዎ ነበሩ፣ ንሱ ግን ኣነ ምእንቲ እቶም ፈውስን ጥዕናን ንዘድልዮም እየ መጽኤ እናበለ ይምልሰሎም ነበረ። ኢየሱስ ካብ ሓጢኣትና ይፍውሰና። ተባዓት ኵኑ ኣይትፍርሑ፣ ሕይወት እዚ ጉዕዞ’ዚ እዩ። እቲ ዝዓበይ ጸጋን ሃብትን ድማ ምስ ኢየሱስ ምራኻብ እዩ። በርትዑ ንቕድሚት በሉ” ቢሎም እታ ቁምስናን ኣባላት ቁምስናን ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ዝገበረሎም ዘይተሓላለኸ ተራ ኣቀባብላ ብምዉቕ ልቢ እንከመስግኑ፦ “ነቲ ኣብቲ ሓውጸተ ኖልዎ ብሓባር ምሳኻትኩም ነዘካይድክዎ ጉዕዞ ሕይወት አመስግነኩም፣ ንዝገበርኩምለይ ኣቀባብላን ሕያውነትኩምን ሕጉሳት ምዃንኩምን አመስግነኩም፣ ጸሎት የድልየኒ እዩ እሞ ሓደራ ምእንታይ ጸልዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ስፐራንዛ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.