2013-11-30 16:11:35

ስብከተ ር. ሊ. ጳ ፍራንቸስኮ ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ከም ወትሩ ትማሊ ንግሆ አብ መንበረ ቅድስቲ ማርታ ውሉደ ክህነትን መእመናን አብ ዝተረኽቡሉ ቀዲሶም ።ሥርዓተ ቅድሴ አብ ዝፈጸምሉ ግዜ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ምርኩስ ብምግባር ረሪሳውያን ዘይተቀበልዎ ግዜ ሐዋርያቱ ክርድእዎ ምሂርዎም ።
ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝኽተል ብሐንጎሉ ጥራሕ ዘይኮነ በቲ አብ ውሽጡ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ብልቡ ከም ዝሐስብ ጠቂሶም ከምዚ እንተዘይኮይኑ ተግባረ እግዚአብሔር ክትርዳእ ስለ ዘይትኽአል ኢዩ ብማለት ሰቢኾም ።አተሐሒዞም ቅዱስ ወንጌል ከም ዝነግረና ኢየሱስ ክርቶስ አይቁጣዕን ኔሩ አርድእቱ ዘየተረደኦም ነገራት ክርኢ ከሎ ክአ ሸለል ይብል ኔሩ ንሰብ ኤማሁስ ተረርቲ ልቢን ደናቁርን ክብል ከሎ ተግባር እግዜብሔር ዘይርድኦም ሰባት ማለት ከም ዝኾነ ክአ አረዲኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ።
ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ሕይወትና ኩነታት ዓለም ብፍላይ መንፈሳዊ ታሪኽ ምንፈልጥ ክንርዳእ ይደልየና ድአምበር ፍልጠት አልቦ ደሪቅና ክንተርፍ አይደል ኢዩ ምልክት ግዜ ሃዋህው ምርድእ ክአ ምልክት ግዜ ምርዳእ ማለት ከም ዝኾነ ክአ አተሐሂዞም ሰቢኾም ። ናይ ዓለም መንፈስ እንተሪኢና ነፃነትን ናይ ምሕሳብ ነጻነትን አብ ከባቢኡ ዘሎ ኩነታት ዘርድእን ሰብ ከም ዝደሊ ንርእዮን ንዕዘቦን ዘለና ኢዩ ስለዚ ክርስትያን መስተውዓሊ ኩነታት ዘገንዛብ ክኸውን ይግባእ ኢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ።
ቅዱስ ጳውሎስ ሐዋርያ ብዛዕባ ዓለማዊ ሕይወት ክንገር ከሎ ብሕታውን እኩብን ናይ ምሕሳብ ነፃነት ዝነፍግ ኢዩ ከም ዝበለ አዘኻኺሮም። እዚ ማ ክአ ብዙሐት ወይ ክአ ዝተወስነኡ ሰባት ካብ ሐደ ሐሳብ ከይወጹ ነጻ ሐሳብን አምርን ከይህልዎም ዝዕንቅፍ ማለት ከም ዝኾነ ጠቂሶም ኢየሱስ ክርስቶስ ነርድእቱ ናይ ግዜ ምልክት ወቅታዊ ኩነታትን ንኽርድኡ መምርሒ ከም ዝሀቦም ክአ አመልኪቶም። ነፃነት ህዝበ እግዚአብሔር ብእኡ ዝተዓቀበ ከም ዝኾነ አመልኪቶም ህዝበ እግዚአብሔር ንዘጋጥሙ ዕንቅፋት ናይ ምግታእ መሰል ከም ዘለዎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አረዲኦም። ንዝኾነ ይኹን ነገር ግን ምሕረትን ጸጋ እግዝአብሔን ስለ ዘድሊ ንመድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንምሕጸኖ አለና ብማለት ክአ አተሐሳሲቦም ።
እቲ ንሐስቦ ሕንጻጽ እግዚአብሔር ትእዛዛት እግዚአብሔር ማእከል ዝገበረ ንእውነተይናነት ነገር ዘረጋግጽ ብመሰረቱ ፍጥረት ሰብ ፍጥረት እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ዘንጸባርቅ ክኸውን ዘለዎ ብማለት ሰቢኾም ።
ስለዚ ብሐይሊ መንፈስ ቅዱስን አብ ዑቅባ እግዚአብሔር ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ከም ንነብርን ወትሩ ክንሐስብ ይግብአና ሐይሊ ናይ ምሕሳብ ምስትንታን ቅሱን ምድራዊ ሕይወት መንገዲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከም ዝኾነ ክአ ክንዝንግዕ አይግባእን ብማለት ነቶም ቅዳሴ ዝሰምዑ ባሪኾም ሰናይ መዓልቲ ተመንዮምሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.