2013-11-28 16:01:36

“Cortile dei Gentili-መደብ ኣሕዛብ” ኣብ በርሊን


RealAudioMP3 ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ መንጎ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ኣብ ናይ እዋናዊ ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት ዓለምን ፍጥረትን ዝምልከት ካብ ዝተፈላለዩ ጨናፍር ስነ መጽናዕትን ፍልጠትን ዝቐርብን ዝወሃብን ሃይማኖታውን ኢሃይማኖታውን ሕቶታትን መልስታትን ኣማእኪሉ ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን ዘሎ ዘተን ዘይምንጽጻግን እቲ ዘሎ ክውን መሠረታዊ ጥምረት ንምዝታይን ብምትንታንን ርግጸይናነቱ ንምምቅላሕ ዝኣመተ ብቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣስተንፍሶ ዝተነቓቕሔ “Cortile dei Gentili -ደንበ ኣህዛብ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣላልዩ ዘበገሶ ኣብ ኤውሮጳን ካብ ኤውሮጳ ወጻእን ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ኣመርኵይዙ ድሕሪ ዘካይዶ ዓውደ መጽናዕትታት፣ ብምቕጻል ኣብ ብርሊን ምስ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር ዘይካይዶ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ኣምልኪቶም ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ኣብ ጀርመን ዝካየድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ እምነት ኣሜን እኣምን ኣብ ልዕሊ ሓደ ምጉትን መርትዖን ዝተደገፈ ሓሳብ ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ሞጐታዊ ኣተሓሳስባ ቀዳማይ ሰረተ-ሓሳብ ምእማን ማለት ክምዘይኰነ በቶም ኢኣማንያንን ኣማንያንን ሊቃውንቲ ብዘቕርብዎ ዘለዎ ኣስተምሆሮ ዘስምርሉ ዘለዉ መድረኽ እዩ። እዚ ድማ ንኢኣማንያንን ኣማንያንን ሊቃውንቲ ናይቲ ዘካይድዎ ናይ ሓባር ዘተ ናይ ሓባር ኣመክንዮ እዩ።
ብፁዕነቶም ቅድም ክብል በርሊን “ሃይማኖታዊ ምድረ በዳነት” እክብሉ ከምዝገለጽዋን እዚ ኣተሓሳባ’ዚ ናይ በርሊን ከንቲባን ምኽትሎም ዘይቅበልዎ ኣተሓሳስባ ምዃን ኣብ በርሊን ካብ መላእ ከተማታት ኤውሮጳ ንላዕሊ መንፈሳዊ ማሕበራት ኣለዋ እንክብሉ ብዛዕባ ዝሃብዎ ተቓውሞ ኣመልኪቶም፦ “ምድረ በዳነት ክብል እንከለዅ ከምቲ ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝበልክዎ” ይብሉ “ብዛዕባ መንፈሳዊ ማሕበራትን ብዝሒ ሃይማኖታትን ህላዌ ዘይኮነስ ኣመንትን ኢኣማንያንን ዝትንክፍ ኩነት ሕይወት እዩ፣ ስለዚህ ናይ ሸለልተይናነትን ብሓፈሻኡ እቲ ዓለማውነት ንሱ ድማ ስነ ምግባርን ትምህርትን ኣብ ሃይማኖት ኪሙርኪዝ የብሉን ዝብል ኣረኣእያ ንገዛእ ርእሱ ብምሕሳብ እዩ። ስለዚህ ዓለማዊ ነገራዊ እወታዊ እዩ፣ እቲ ጸገም ግን ገዛእ ርእሳዊ ዓለማውነት እዩ። ምድረ በዳነት ንምስፋሕ ሃይማኖት ዕድል እውን ክኸውን ዝከኣል እዩ። ካብዚ ነቒሉ ሕዝቢ መሠረታዊ ሕቶ ካብ ምቕራብ ኣብ ዝቦኽረሉ እዋን ዝሰፍሑ ሃይማኖታት ዘይሃይማኖታዊያን እውን ክኾና ዝከኣል እዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ባዶነት ማለት እዩ” እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.