2013-11-26 15:28:49

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ


RealAudioMP3 ዕለት 25 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂኣስትዮ ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ክምልከት እንከሎ፣ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቅላሊ ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ኣብ መላእ ሃጋራት ዝርአይ ግበረ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ክግታእን ነተን ናይዚ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾና ፍትሒ ክረጋገጽን ነተን በቲ ዝወረደን ዓመጽ ንዝተፈላለየ ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ማሕሰይቲ ዘጓነፈን ድማ ኵለ መደያዊ ሕንጸትን ደገፍን ክረኽባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ምልእኽቲ ገሊጾም፣ ኩለን ሃገራት ነዚ ዓመጽ ኣብ ዕዕሊ ደቂኣንስትዮ ንምውጋድን ጠሪሹ መታን ከይህሉ ነቶም ናይዚ ግብረ ዓመጽ ተሓተቲ ብቑዕ ፍርድን መቕጻዕትን ንኽረኽቡ ኣብ ሓልዮ ደቂኣንስትዮ ክቖማን ነዚ ዓይነት ዓመጽ ዝከታተል ጽኑዕ ናይ መቕጽዒ ሕጊ ክህልወን ሓደራ ከምዝበሉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸቺሊያ ሳበሊ ዘመሓላለፈኦ ምንጪ ዜና የመልክት።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 70 ካብ ሚእቲ ዝግመታ ደቂኣንስትዮ ብውሑዱ ኣብ ሕይወተን ሓደ ጊዜ ብዓመጽ ዝተሞከራ ማለት ዓመጽ ከምዘጓነፈን ባን ኪ ሙን ኣብ መልእኽቶም ከምዘመልከቱ ሳበሊ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.