2013-11-26 15:23:40

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ሓነጽቲ ናይ ሕውነት ድልድል ምስ ካልኦት ኣቢያተ ትክርስቲያን


RealAudioMP3 “በዓል ቅዱስ ጆሳፋት ብዝበለጸ ዝበዓል ንሓድ ሕድና ብምፍቓር እዩ” ዝብልን “ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ምግልጋል” ኣብ ዝብሉ ሓሳብ ኣማእኪሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ መቓብር ንምስላም መንፈሳዊ ንግደት ንዝፈጸሙ ልዕሊ 5 ሺሕ ዝግመቱ ናይ ግሪክ ስርዓት ኣትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ተቐቢሎም ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።
እዞም ካብ በይሎሩሲያን ኡክራይንን ዝተዋጽኡ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ምርኻቦም ኣብ ውሽጢ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ መንበረ ታቦት ዘንስሓ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ኣብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ወብሩክ ብፁዕ ኣቡነ ስቪያቶስላቭ ሰቭኩክን ነቶም ካብ ኡክራይን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ዝመርሑ ኣብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ሓቢሮም ብግሪክ ስርዓት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተሳተፉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ኣስዒበን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነቶም ብናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ዝተሰነዩ ናይ በይሎሩሲያን ኡክራርይናን ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ብፁዓን ጳጳሳትን ተቐቢሎም፦ “ኣብ መንጐ እቶም ናይ ክርስቶስ ዝኾኑ ዘሎ ናይ ሕይወት ሱታፌ ናይቲ ዘሎ ክኸውን ዝኾነ ኣብ መንጎ ቅዱሳት ዝንበር ሕጉስ ሕውነታዊ ሕይወት ዝንበረሉ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኣብዚ ኣብ ምድራዊ ውሱን ሕይወት ቅድም ቢልካ ምስትምቓር ማለት እዩ። ቅዱስ ሰማዕት ጆሳፋት ናይ ባሲሊያዊ መናንያን ሕይወት ጸዋዕታ ተዓዲሉን እዚ ናይ ባዚሊዮስ መናንያን ማሕበር ንምሕዳስ ዝተግሄን ኣብ 1963 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ናይዚ ሰማዕት ቅዱስ ዓጽም ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ኣብ ዝርከብ መንበረ ታቦት ዘቅዱስ ባዚሊዮስ ዓቢይ ክዓርፍ ከምዝወሰኑን፣ እዚ ሰማዕት ቅዱስ ምሉእ ሓይሉን ዓቅሙን ብቕዓቱን በቲ ዘይተሓላለኽ ዝነበሮ ዝነበረ እምነትን ምንኩስና ሕይወትን ደሓር ድማ ጳጳስ ናይ ፖሎዝክ ኮይኑ ምስ ተሓርየን ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ ሓዋርያት ልዑል ዝኾን ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ንምጽናዕ ከምዘውዓሉን እዚ ድማ ክርስትያናዊ ሕይወትና ብሓባር እምነት ኣብ ምምስካርን ምሕናጽን ብዝብል መንፈስ ዝተባባዕ እዩ። ኣብዚ ጉዕዞ ሓድነት ኢየሱስ ክርስቶስ ንሞት ዝሰዓረ ኢየሱስ ጐይታ ይደግፈና፣ እዚ ናይ ሱታፌ ምንዮት ነኻልእ ንምርዳእን ንምኽባርን ንምእንጋድን ትኽክለይና ሕውነታዊ ፍቕሪ ንምግላጽን ንምንባርን ይድርኸና። እቲ ዘለኵም ጽኑዕ ድላይ ሓድነት ዕለት ብዕለት ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድነትኩም ዓቂብኩም ኣጽኒዕኩምን ንኽትነብርዎ እትፍጽምዎ ጻዕሪ ኣብ ኡክራይን ኣብቲ ምእመናንኩም ዝነብረሉ ከባቢ ወጻእን ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያንን ማሕበረ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሓነጽቲ ናይ ሕውነት ድልድል ኩኑ ሓደራ” ከምዝበሉ ገሊጸን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅድሚ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተኻየደ ርክብ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ ምስ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘሎ ሓድነት ዘዘኻኸረ ሰላምታ ነቶም ናይ በይሎሩሲያን ኡክራይንን ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓት ጳጳሳትን ሓሙሽተ ሺሕ መንፈሳዊ ነጋዶ ምእመናንን ከምዘቕረቡን ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣበው cum Petro et sub Petro - ምስ ጴጥሮስ ኣብ ትሕቲ ሓዋርያዊ ስልጣን ቅዱስ ጴጥሮስ” ቢሎም “ዘጽንዕዎ ሓድነታዊ ሱታፌ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘስተምህረና ብዘይ እዚ ዓይነት ጽኑዕ ተኣዝዞን ሓድነትን ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኸታላ ኣቢያተ ክርስቲያን ኰይንካ ምንባር ጸገምን ዘይምቹእን ኰይኑ ምተረፈ ኔሩ፣ ስለዚህ እቲ ናይ ውህደትን ሓድነትን ትንቢት ኣብዚ እዋን’ዚ ኣፍልጦ ክወሃቦን ክነቓቓሕን እምበር ከይተዓናቐፍ ሓደራ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.