2013-11-23 15:11:53

ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናይ ክርስቲያን ተስፋ መግለጺ ቅዱስ ምስሊ


RealAudioMP3 ዕለት 22 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን “Giornata pro Orantibus-መዓልቲ ጸሎት ስለ ገዳማውያንን መናንያንን ባሕታውያንን” ዘብዓለትሉ ኣብ ገዳማትን ኣባይቲ ባሕታውያንን መናንያንን ጸሎትን ጽሞና ብዘሰንዮ ጽዓተይና ሕይወት ገዛእ ርእሶም ንእግዚኣብሔር በቢ ዕለቱ እናወፈዩ ዝነብሩ ጽዉዓት ጐይታ ስለ ዝዓደለና ነመስግኖ ሓደራ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት “መዓልቲ ጸሎት ስለ ገዳማውያንን መናንያንን ባሕታውያንን” ሮማ ከባቢ ኣቨንቲኖ ኣብ ዝርከብ ገዳም በነዲክቶስ ካማልዶላውያን ማሕበር መናንያን ደናግል ሓውጾተ ኖልዎ ከምዘካየዱንን ምስተን መናንያን ደናግል ብሓባር ኣብ ጸሎት ዘሰርክ ተሳቲፎም ምስተን ኣብቲ ገዳም ዝርከባ ደናግል ተራኺቦም “ማርያም ናይ ክርስቲያናዊ ተስፋ መግለጺ እያ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኮረ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።
ቅድስቲ ድንግል ማርያም “ንብስራተ ገብርኤል ኣነዅ ባርያኡ ንእግዚኣብሔር ከም ዝበልካዮ ይኹነለይ፣ ከምዝበልካዮ ይኹነለይ ዝብል ቃል ምቕባል ክቕበሎ እየ ዝብል ጥራሕ ዘይዀነስ ገዛእ ርእስኻ ብምትእምማን ክፉት ምግባር ዘስምዕ እዩ። ከምዝበልካዮ ይኹነለይ ማለት ተስፋ ማለት እዩ። በዚ ድማ ደቀ መዝሙርን ወዳን ኣደ ወዳን ትኸውን” ማርያም ኣደ ተስፋ ምዃናን እቲ ናይ ማርያም እነዅልካ ዝብል ቃላ ዘረጋግጾ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ሓቢሮም፦ ማርያም ከመይን ብኸመይን መገዲ ኣደ ክትኸውን ምዃና ትፈልጦ ነገር ኣይነበረን፣ ኰይኑ ግን ነቲ ክፍጸም ዝኾነ ምስጢር ብእምነትን ብተኣምኖን ብምሉእነት ትቕበሎ፣ ስለዚህ ኣደ ትጽቢትን ተስፋን ኰይና” ቢሎም ማርያም ኣብ ቤተ ልሔም ስለ ምውላድ ኢየሱስን ኣብ እየሩሳሌም ቤተ መቕደስን፣ ማርያም ናይ ወዳ ተልእኾን መንነትን መምህርን መሲሕን ዝብል ነቲ ኣደ ምዃና ዝሓልፎ ዘጓንፎን ሓዘንን ስቓይን ካብ ኣፍ ነቢይ ስምኦን እቲ ዓቢይ መከራን ስቓይን ዝሓትትን ዘደንቕ መደብ እግዚኣብሔር ነቲ ዘለዋ ተስፋ ከምዘየውደቖ እንከመልክቱ፦ “ቤተ መቕደስ ጐይታ በሳል ክኸውን መታን ተስፋ ምስማዕን ምስትንታንን ትዕግስትን ክምገብ ከምዘለዎ ማርያም ብቓልን ግብርን ተስተምህረና። ተስፋ ዝቐሃመን ኩሉ ዝጠፍኤን ጸላም ኵይኑ ክስምዓና ይኽእል ማርያም ናብ ከምዚ ዓይነት ኩነት ቅድሚ ኣብ ቅድሚ ቃለ ብስራት እዚስ ሓቂ ኣይኵነን፣ ዘታልል ተስፋ እዩ ክትብል ዝድርኻ ምኾነ ኔሩ ንሳ ግን ነዚ እውን ትሓልፎ። መብዛሕትና እቲ ናይ እዚኣብሔር ጽባሕ ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ሎሚ ከይተቐበልና ንጽበ…. እዛ ኣብ ገዳም ዘላ ፋኑስ ሎሚ እናበርሀት ናይቲ ገዳም ትጽቢት ጽባሕ ተነጽር፣ ማርያም ኣደ ተስፋ ኣብ ጸላምን ምድንጋርን ሓደጋን ሓዘንን ትጸናንዓና፣ ማርያም ተስፋና ሕይወትና ብእግዚኣብሔር ተቐባልነት ዘለዎ መስዋዕትን ሕጉስ ህያብ ነሕዋት ገይሩ ንሱ ክቕበሎ መታን ትደግፈና” እንክብሉ ዝለገስዎ መሪሕ ቃል ከምዘጠናቀቑ ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.