2013-11-21 16:13:30

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሰል ትሕቲ ዕድመ ክፍሊ ሕብረተሰብ


RealAudioMP3 ዕለት 20 ሕዳር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሰል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ዝተዘከረሉ ዕለት ኣብ ዓለም ልዕሊ 150 ሚሊዮን ሕጻናት ግዳም ሓደርን 223 ሚሊዮን ግዳይ ወሲባዊ ዓመጽን ከምዝኾኑን፣ ብጀካ እቶም ብስእነት ዝተመጣጠነ መግብን ድኽነት ናይ ሞታ ሓደጋ ዘጋጥሞም፣ ልዕሊ 18 ሺሕ ዝግመቱ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሜኦም ሕጻናት ኣብ መዓልቲ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጥሞም ኣብ ኢጣሊያ ንሓልዮ ሕጻናት ዝዓዪ ናይ ሕጻናት ጥርዓን ሰማዒ ማሕበር ሰማያዊ ስልኪ ሊቀ መንበር ኤርነስቶ ካፋ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ እቲ ኣብ 1989 ዓ.ም. ዝጸደቐ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕጻናት ክብርን መሰልን ውሳኔ ምስ ማሕበራዊ ክስተት ተተሓሒዙ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ማሕበራውን ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ለውጥታት ግምት ብዝህብ ትግባረ ክስነ ከምዘለዎ ዘተሓሳብ እዩ። እንተዘይኰይኑ እዋናውነት ዘይብሉ ጽሑፍ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ ኢሎም።
ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዝተፈላለየ ዓይነት ዓመጽ ሕጹጽ መልሲ ዘድልዮ ጉዳይ ምዃኑን፣ ነቶም ዓመጽቲ ብምክትታል ግብኡ ፍርዲ ነቶም ናይቲ እኵሉ ሕብረሰብ ዓደዳ ዝኾኑ ሕጻናት ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ሕንጸትን ክንክንን ብምቕራብ ናይ መጻኢ ሕይወቶም ብሩህ ክኸውን ምድጋፍን፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ከይህሉ ዘብቕዕ ናይ ሕጻናት ጉዳይ ሓልዮ ክተባባዕን ሓልዮ ሕጻናት ናይ ሃገርን ሕዝብን መንግስትን ማእከላዊ ዕላማ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
ሕጻናትን መንእሰያትን ምስ ወለዳቶም ዘለዎም ርክብ ጥዑይ መታን ክኸውን ቅድም ቀዳድም ብስድራ ቤቶም ዝተፈቕሩ ከምዝኾኑ ክስምዖም ዘብቅዖም ሓልዮትን ክንክንን ክረኽቡ ኣለዎም፣ ካብዚ ቀጺሉ ድማ ወለዲ ምስ ናይ ደቃቶም እዋን ክኸይድ ዝኽእል ደረጃ እዋናውነት ከማዕብሉን ኣብዚ መዳይ ድማ ክድገፉን ይግባእ፣ ኣይትፈልጥን ኣይትፈልጥን እናተባህለ ዝኽየደሉ እዋን ኣይኮነን፣ ምምኽኻርን ምቅርራብን ስድራ ቤታዊ ዘተን ወለዲ ብቓልን ሕይወትን ኣብነት ኣብ ምዃን ክተግሁን ግብረ ምስሉይነት ዘይኮነስ ኣብነታዊ ምኽሪ ወሳኒ እዩ፣ ኣባይቲ ትምህርቲ እውን ኣብ ሓልዮ ሕጻናትን መንእሰያትን ብፍላይ ነቶም ኣብ ጽንኵር ኩነት ንዝርከቡ ሕጻናት ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሎም ዘብቅዕ ቤት ሕንጸት ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.