2013-11-21 16:04:12

ኣባይቲ መናንያንን ገዳማውያንን ኣብ ኵነት ሰብኣዊ ወሰናስን እያቶም


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ዕለት 22 ሕዳር ቤተ ክርስቲያን “Giornata pro Orantibus-መዓልቲ ጸሎት ስለ ገዳማውያንን መናንያንን ባሕታውያንን” ምዃኑ ጠቒሶም እቶም ኣብ ገዳማትን ኣባይቲ ባሕታውያንን መናንያንን ጸሎትን ጽሞና ብዘሰንዮ ጽዓተይና ሕይወት ገዛእ ርእሶም ንእግዚኣብሔር በቢ ዕለቱ እናወፈዩ ዝነብሩ ጽዉዓት ጐይታ ስለ ዝዓደለና ነመስግኖ ከምዝበሉ ነቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት “መዓልቲ ጸሎት ስለ ገዳማውያንን መናንያንን ባሕታውያንን” ሮማ ከባቢ ኣቨንቲኖ ኣብ ዝርከብ ገዳም በነዲክቶስ ካማልዶላውያን ማሕበር መናንያን ደናግል ሓውጾተ ኖልዎ ከምዘካየዱን ኣብ ወረሒ ጥቅምቲ ኣብ ኣሲዚ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ዝፈጸመሉ ኣዋን ኣብ ገዳመ መናንያን ማሕበር ክላሪሰ ዘ ኣሲዚ ምብጻሕ ኣካይዶም ከምቲ ኣአንጋዲት መናንንያን እቲ ኣብ ነፋሪት እተርእዮ ፍሽኽታ ዘይኮነስ ጥበበይና ሰብኣዊነት ዘረጋግጽ ፍሽኽታ ክርአዩ ሓደራ ከምዝበሉ ዝዘከሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ምስ ናይ መናንያንን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማሕበራት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሮድሪገዝ ካርባሎ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ካህናትን ገዳማውያን መናንያንን ልኡካነ ወንጌልን እንክዛረቡ ብምድግጋም እቲ ዓሚዩቕ ሓጎስ ዘንጸባርቕ ፍሽኽታ ኣብ ገጾም ክርኣይ ዝብልዎ ምዕዳን ኣብ መንጎ ጽዉዕን ጸዋዕን (ጐይታ) ዘሎ ዓሚይቕ ርክብን ዕርክነትን ዝምስክር እምበር ጸዋዕታ ገዳማውን ባሕታውን ካህንን ልኡካነ ወንጌልን ሕይወትን ገጽን ኣልቦ ፍሽኽታ ክኸውን ኣለዎ ማለት ከምዘይኮነ ዘተሓሳስብ እዩ። ስለዚህ ትእምርቲ ናይቲ ሕጉስ ፍሽኽታ እግዚኣብሔር ንሰብኣዊ እዩ፣ ገዳማዊ ባሕታዊ ልኡካነ ወንጌል ሰብኣዊ ኪኢላነት ዝዓሰሎ ሕይወት እዩ እምበር ካብ ሰብኣዊ ዝተነጸለ ሕይወት ማለት ኣይኮነን፣ እቲ ሰብኣዊ ክብርታት ዕለት ብዕለት ብዘይ ምቍራጽ ብሓልዮት እግዚኣብሔር ዝንበረሉ ሓቀይና ናይ እግዚኣብሔር ተመክሮ ዝንበረሉ ሕይወት እዩ ኢሎም።
መናንያንን ገዳማውያንን ዝተፈልየ ብብሕትውና ዝንበር ሕይወት ማለት ድኣ እምበር ዝተነጸለ ብዅር ሕይወት ማለት ኣይኮነን፣ ስለዚህ ደሴታዊ ሕይወት ኣይኮነን፣ ቡኽረት ካብቲ ናይ ሰብኣዊ ሻቕሎትን ትጽቢታትን ዕለታዊ ሓርኰትኰትን ማለት ዘይኰነስ፣ እቶም ገዳማትን ኣባይቲ መናንንያን ኣብ ወሰናስን ከተማታትን ኣብቲ ኣብ ወሰናስን ሰብኣውነት ዝንበረሉ ክፍለ ከተማ ዝቖሙ እያቶም፣ ኣባይቲ ባሕታውያንን ገዳማውያንን ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ዝፍጸመሉ እውን እዩ፣ ብዙሓት ጽጉማትን ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ በተን ገዳማት ዝድገፉ እያቶም፣ ስለዚህ ገዳማዊ ሕይወት ዕጹው ንጹል ሕይወት ማለት ዘይኰነስ ትስብእታዊ ሕይወት ዝንበረሉን ግዳም ሓደር ፍክሊ ሕብረተሰብ ዝእንገደሉ ድኻታት ዝርድእሉ ናይ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት ዝልገሰሉ እዩ። ነቲ እግዚኣብሔር ከምዘይለ ገይሩ ዝነብር ሕብረተሰብ ትእምርቲ ህላዌ እግዚኣብሔር እዩ፣ እቲ ኩሉ ዘለዎ ዝመስል ዓለም ኵልነት ዘይብሉ ስለ ዝኾነ እቲ ዘለዎ ኩሉ ባዶነት እዩ፣ ስለዚህ ኩሉ ንኽህልወካ ኵላውነት-ኵልነት ክህልወካ ከምዝግባእ ዝምስክር ጸዋዕታ እዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.