2013-11-21 16:15:57

ብፁዕ ኣቡነ መሊና፦ ኣድላይነት ናይ ፍቕሪ ሰዋስው


RealAudioMP3 ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ቅዱስ ቦናቨንቱራ ሰራፊኩም ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ዕለት 20 ሕዳር 2013 ዓ.ም.፦ “ጾታዊ ሕቶ ኣብ መንጎ ባህርይን ባህልን” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘተኰረ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ ልኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ እንክሕብራ፣ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ነቲ እዋናዊ ስሚዒታውን ጾታውን ቅሉዕ ሕቶታት መሚዩ ትርጉም ጾታዊ ፍልልይ ንምምልካት ዘተኮረ ከምዝነበረ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ ምልልስ ዘካየዱ ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ስነ መርዓን ስነ ስድራ ቤትን ምርምር መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ሊቪዮ መሊና ገሊጾም ተመክሮ ፍቕሪ ውሱን ጐድንታቱን ሱታፌን ኣብ መንጎ ሰባት ዝብል ኮይኑ እዚ ድማ ጾታዊ ፍልልይ ምኽባርን ምቕባልን እቲ ጾታዊ ፍልልይ ማለት ናይ ፍቕሪ ኣድማስ ርእሰ ጾታዊ መንነት ዝግለጸሉ ስፍራ ምቕባል ማለት እዩ። ስለዚህ ፍቕሪ ኣብ ቃል ኪዳን ጾታዊ ፍልልይ ከም ቅድመ ኩነት ዝሓትት ሱታፌ ጾታዊ ፍልልይ ዝንበረሉ እዩ ኢሎም።
ቤተ ክርስቲያን እቲ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ጾታዊ ስምዒት ግምት ብምሃብ እቲ ጾታዊ ስምዒት ቅልውላ ትርጉም ሕይወት ካብ ናይ ምንዳይ ናጽነት ዝነቕል ብምዃኑ፣ ሓቀይና እንታይነት ትርጉም ናጽነት ብምግላጽ ናይ ሰብኣዊ ጾታዊ ስምዒት ኣገላልጻኡን ኣነባብራኡን እንታይ ማለት ምዃኑ ብምሕባር ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ጾታዊ ስምዒት ትርጉም ብኣመክንዮኣዊ መሰረት ንምልቓቕ ትድግፍ።
ጾታዊ ፍልልይ ጥልቂ ስነ ህላዌ ፍልልይ እዩ፣ ስለዚህ ሰብ ፍጡር እዩ፣ ፍጡር ብምዃኑ ድማ ናይ ሰብነት ስሚዕት ዝሓዘለ ኣካል ዝተዓደለ እዩ፣ እዚ ድማ ካልእ ሰብ ንኽፈልጥ ዝድርኾ ክኸውን እንከሎ፣ ነቲ ዝራኸቦ ካብኡ ዝተፈለይ ስምዒታዊ ጾታ ዘለዎ ከም ጸጋ ዝቕበል እዩ። ሰብ ናብ እግዚብሔር ዝድርኾን ካብኡ ናብ ዝተፈለይ ጾታ ዝመርሖን ስነ ህላዌ ባህርይ ዝመመየ ዓውደ መጽናዕቲ እዩ ኔሩ እንክብሉ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም








All the contents on this site are copyrighted ©.