2013-11-21 16:10:55

ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብሃብቲ ባሕሪ ተመሓዳሪ ክፍሊ ሕብረተሰብ


RealAudioMP3 ዕለት 21 ሕዳር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሃብቲ ባሕሪ ዝበዓል ምዃኑ እንክዝከር ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ ቤት ምኽሪ በዛ ዕለት ምኽንያት ብሃብቲ ዓሳ ምምሕዳርን ብምግፋፊፍ ዓሳ ሙያ ምንባርን ዝጸንሔ ጥንታዊ ባህሊ ከምዝኾነን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩነታት ገፈፍቲ ዓሳን ብሃብቲ ዓሳ ዝመሓደር ክፍሊ ሕብረተሰብን እንታይ ከምዝመስል ዝዳህሰሰ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ መኽሰብ ጥራሕ ዝብል ከይዲ ዓለም ንሃብቲ ዓሳ ኤኮኖም እውን እዚዩ ከምዝሃስዮን እቲ መኽሰብ ጥራሕ ዝብል ናይ ኢንዳስትሪ ኤኮኖሚ ኣብ ልዕሊ ሃብቲ ዓሳን ገፈፍቲ ዓሳን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ንኡሳን ኢንዳስትርን እደ ጥበበይናናትን ዝፍጽሞ ምዝመዛ ብቐሊል ዝግመት ከምዘይኮነን፣ ብሃብቲ ዓሳ ዝመሓደር ክፍሊ ሕብረተሰብን ማሕበረሰብ ገፈፍቲ ዓሳ ዘጋጥሞ ሓደጋን ገፈፍቲ ዓሳ ዝረኽብዎ ክፍሊት ትሑት ከምዝኾነን፣ ብሓቂ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ምዝመዛ ዘተሓሳብ ምዃኑ ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብምምልካት፣ ዓበይቲ ኢንዳስትሪታት ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዕዮኦም ብዘይ ዕረፍቲ እሞ ብቕዓት ብዘይብሉ መጋበርያ ካብ ወሰናስን ባሕሪ ርሒቖም ክሳብ ማእከል ባሕሪ እናኸዱ እውን ዓሳ ክገፉ ዘገድዶምን ሕይወቶም ንሓደጋ ንኽቓላዕ መስኽሰብ እምበር ሰብኣዊነት ኣልቦ ከይዲ ኤኮኖሚ ዘስዕበሎም ሓደጋ ቀሊል ከምዘይኮነ ዝተንተነ መልእኽቲ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታት ሓልዮ ቤት ምኽሪ ዝጠለቦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ወሰናስን ባሕሪ ተቐማጦን ብሃብቲ ዓሳ ተመሓደርትን ጉዳይ ንዝዘተየ መበል 23 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ፣ ኣብ ኩሉ መዳይ ዕዮ፣ ውሕስነትን ድሕነት ሕይወትን ልዕሊ ዅሉ ዓቢይ ግምት ክወሃቦ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ክሕሎን ኣብዚ መዳይ ድማ ቤተ ክርስቲያን ቀረባ እቶም ክፍሊ ሕብረተሰብ እያ ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሱ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ብሃብቲ ባሕር ዝመሓደሩንን ወሰናስን ባሕሪ ተቐማጦ ክፍሊ ሕብረተሰብን ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሰረት እትህቦ ኣገልግሎት ከምእተሐይል ዘረጋግጽ ምዃኑ ከምዘስመረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.