2013-11-19 16:11:35

ማሕበር ሚእታዊ ዓመትን መንበረ ጥበብ ላተራነንሰን ኣብ ሕንጸት ዓለማውያን ምእመናን


RealAudioMP3 ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1991 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ እታ ኣብ 1891 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13 ስድረስዋ “Rerum novarum-ሓደስቲ ነገራት” እተሰምየት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተሰብኣዊ መሰረተ ትምህርቲ እተነጽር ዓዋዲት መልእኽቲ መሰረት “Centesimus Annus-መበል 100 ዓመት” ዘርእስታ ዝደረስዋ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተብባኣዊ መሠረተ ትምህርቲ ማኅበር ምስ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ብምትሕብባር ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ መሰረተ ትምህርቲ ሕንጸት መደብ ከምዝተሓንጸጸን እዚ መደብ ትምህርቲ 120 ሰዓታት ክፍለ ጊዜ ዘጠቓለለ ምዃኑ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ላተራነንሰ ናይ ኤኮኖምን ፖለቲካን ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ መሰረተ ትምህርቲ መምህር ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ትምህርትን ናይ ስነ ኤኮኖምን ፖለቲካን ሊቅ መምህር ፍላቪዮ ፈሊቸ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም።
ፕሮፈሶር ፈሊቸ ድሕሪ እቲ ሓድሽ መደብ ትምህርቲ ዘሎ ዕላማ እንክገልጹ፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ በታ መበል ሚእቲ ዓመት እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ኣቢሎም ዝገለጽዎ ብድሆታት መሚኻን ግቡእ መልሲ ንምሕባርን፣ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ሰብ ትካላትን ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ኮታ እቲ ኵሉ ዓውሎማዊ ከይዲ ቁጠባ ብናይ ቤተ ክርስቲስያን ናይ ማሕበረሰብ መሰረታዊ ትምህርቲ ንምእራምን ክስዕቦ ዝግብኦ ቅኑዕ መገዲ ንምሕባር ምዃኑ ገሊጾም፣ እቲ ናይ ሕብረተሰብኣዊ ትምርህቲ ቤተ ክርስቲያን ስነ ምርምራዊ ጐድንታቱ ንምምልካትን በዚ መሰረት ድማ ከይዲ ኤኮኖምን ቁጠባን ፖለቲካን ንምትንታንን ምስታ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለታዊ ዘመሓላልፍዎ ዘለዉ ሕብረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣተሓሒዝካን ኣሰኒኻን ዝቐርብ ሓድሽ መደብ ትምህርቲ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.