2013-11-14 17:42:30

ምብጻሕ ር.ሊ.ቃ.ጳ ፍራንቸስኮ ኲሪናለ ቤተ መንግስቲ ኢጣልያ፤


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 14 ሕዳር ረፍዲ አብ ቤተ መንግስቲ ኢጣልያ ወግዓዊ ምብጻሕ አካይዶም ።እቲ ብቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝምራሕ ልዑካን ቫቲካን አብ ኲሪናል ቤተ መንግስቲ ኢጣልያ ምስ በጽሑ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖን ላዕሎዎት ሰበስልጣናት መንግስትን ብድሙቅ አገባብ ተቀቢሎሞም።ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ንፓፓ ፍራንቸስኮ ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም አብ ዝገበርዎ ዲስኩር ቅዱስ አቦና አብዚ ቤተ መንግስቲ ኢጣልያ ክትበጽሑ ብምምጽእኹም ዝስምዓና ሐጎስ ወሰን የብሉ ፡ እዚ ሎሚ ዝገበርኩሞ ምብጻሕ ምስቶም ኣአብ ዝሐለፉ ዓመታትን ብ600 ሚእቲ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኡርባኖ ሻሙናይን አለሳንድሮ ሻብዓይን ዘካየድዎ ምብጻሕ ዝተአሳሰረ ኢዩ ።ከምቲ ንስኹም ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መበቁልኩም ካብዚ ከም ዝኾነ ዘይትስሕትዎ ታሪካዊ ቦታ ኢዩ ካብ ምጥፋእ ምድሪ ክብሃል ዝክአል ክአ እነሆ ንመንበረ ቅዱስ ጰጥሮስ ክትመርሑ ተመሊስኩም መጺእኩም እዚ ዘሔጉስ ፍጻሜ ኢዩ ። ጅማረ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኹም አገባብ ሐዋርያዊ ጉስነትኩም ክአ ንህዝቢ ጣልያን ጥራሕ ዘይኮነ ንአህዛብ ዓለም ዝመሰጠ ኢዩ ብማለት ርእሰ ብሔር ናፖሊታኖ ንምብጻእህ ፓፓ ፍራንቸስኮ ኲሪናል አመስጊኖም ።
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዝትገብረሎም ምዉቅ አቀባብላ አመስጊኖም ፡ ክቡር ርእሰብሔር እዚ ሎሚ አብ ኲሪናለ ዝገብሮ ምብጻሕ ናይቲ ዝሐለፈ ወርሒ ሰነ አብ ቫቲካን መጺእኩም ዝበጻሕኩምኒ ለውጢ ኢዩ ።ኲሪናለ ቤተ መንግስቲ ኢጣልያ ምብጽሔይ ነቲ አብ ሞንጎ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ ኢጣልያን ዘሎ ጽቡቅ ርክብ ዘንጸባርቅ ኢዩ። ክቡር ርእሰ ብሔር ናፖሊታኖ አብዘን ዝሐለፋ ሾሞንተ ወርሒ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናየ ከምኡ ክአ አብ ግዜ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስና በነዲክቶስ መበል 16 ዘርአኹሞ ሐልዮ ብልቢ የመስግነኩም።አብዚ ታሪኻዊ ቦታ”ዚ ከበጽሕ ከለኹ ሐጎስ ይስምዓኒ ብመንፈስ መዓጹ ኩሎም ዜጋታት ጣልያንን መዓጹ መበቁል ስድራ ቤተይን ኳሕ ኲሔ ቃል ቅዱስ ወንጌል
የብስር ።ናይ ቅድስቲ መንበር አቀባሊ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዝሀብዎ መግለጺ ከም ዘረድኦ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ርእሰብሔር ኢጣልያ ጆርጆ ናፖሊታኖን አብ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ብሔር ብብሕቲ ተራኺቦም ወቅታዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ ኢጣልያን ዘተኮረ ዘተ አካይዶም ።ርክብ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ ኢጣልያን ጽቡቅ ከም ዝኾነ ክምልከት ከሎ አብ ሞንጎ ዓለማውትን ሥርዓተ እምነትን ዘሎ ፍልልይ ዘተኮረ ዘተ ከከይዱ ትጽቢት ከም ዝግበር ናይ ኤኮኖምን ፖሊቲካን በሰላት ከም ዝገልጹ ይፍለጥ ። ዝኾነ ኾይኑ እቲ ብምኽትል ዋና ጽሐፊ ብብፁዕ አቡነ አንጀሎ በቹ ዝምራሕ ልዑካን ቫቲካንን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኤንሪኮ ለታ ዝምራሕ ልዑኽ መንግስቲ ጣልያንን ክአ አብ ካልእኽ አዳራሽ ተራኺቦም ከም ዝተመያየጡ አቀባሊ ቃል ቅድስቲ መንበር አመልኪቶም ።ብድሕሪኡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖን አብ አራጺ ዝጽዋዕ አዳራሽ ህያብ ከም ዝተለዋወጡ ክአ አተሐሒዞም ገሊጾም።በዚ ናይ ቅድስቲ መንበር አቀባሊ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዝሀብዎ መግለጺ መሰረት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ፓርላማ ፕረሲዳንት ምስ ሐጋጊ አካል ፕረሲዳንት ምስ ቅዋማዊ ወይ ክአ ሕጋዊ አካል ቤት ፍርዲ ተራኺቦም ተዘራሪቦም ።ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ድሕሪ”ቲ ምስ ሰበስልጣናት መንግስቲ ኢጣልያ አብቲ አብ ኲሪናለ ቤተ መንግስቲ ኢጣልያ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብብሕቲ ሥርዓተ ጸሎት ከም ዝፈጸሙ ክአ ተፈሊጡ አሎ ።
ብድሕሪኡ ምስ 200 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ኲሪናለ ምስ ተራኸቡ ንመንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ተመሊሶም ።ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖን ቅድሚ ሎሚ ክልተ ግዝያት ተራኺቦም ከም ዝነበሩ ክዝከር ከሎ ፡ እዚ ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመንበረ ሐዋርያ አብ ዝተሰየምሉ ግዜ ዝሐለፈ ወርሒ መጋቢት ዕለት 19 ከምኡ ክአ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ዝሐለፈ ወርሒ ሰነ ዕለት ሾሞንተ አብ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ አብ ዘካየድሉ ግዜ ተራኺቦም ከም ዝነበሩ ክዝከር ከሎ እዚ ናይ ሎሚ ንሳልሳይ ግዜ ከም ዝኾነ ይዝከር ።








All the contents on this site are copyrighted ©.