2013-11-12 14:06:36

ዜና ዕረፍቲ ብፁዕ ካርዲናል ባርቶሉቺ


RealAudioMP3 ብፁዕ ካርዲናል ዶመኒኮ ባርቶሉቺ ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድሜኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልዩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በዞም ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ተጸዊዖም ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም ብምሉእ ተወፋይነት ዘገልገሉ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ዝተሰምዖም ጥልቂ ሓዘን ብዘመሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ከምዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ካብ 1956 ክሳብ ዕለት 1997 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ናይ ካፐላ ሲስቲና ክፍሊ ውሁድ ሙዚቃ ሓላፊ ኮይኖም ከምዘገልገሉን፣ ብፍላይ ናይ መንፈሳዊ ሙዚቃን ሙዚቃ ናብ እግዚኣብሔር ዝዓርግ ጸሎት ውዳሴም ምስጋናን እዩ ኣብ ዝብል ናይ ሙዚቃ ሊጡርጊያ ናይ ስነ ሙዚቃ ሊቅነቶም ተጠቂሞም ዘበርከትዎ ኣገልግሎት ዘይርሳዕ ወትሩ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ህልው ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቴሌግራም መልእክቲ ከምዝጠቐሱ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፣ ስነ ስርዓት ቀብሪ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ባርቶሉቺ ዕለት 13 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብናይ ሮማ ሰዓታ ኣቆጻጽራ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሰለስተን ፈረቓን ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ብዝመርሕዎ ቅዳሴ ክፍጸም ምዃኑ ኣብ ፍጻሜ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝመርሕዎ ናይ ፍታሓት ጸሎት ክዓርግ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ብፁዕነቶም ስነ ጥበብን እምነትን ኣወሃሂዶም ብናይ ስነ ሙዚቃ ሊቅነቶም ሙዚቃዊ ክእለት ምህዞን ክህነታዊ ጸዋዕታኦም ኣጣሚሮም እግዚኣብሔር በቲ ዝዓደሎም ጸጋ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕዙዝ ኣገልግሎት ዘበርከቱን ብር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ናይ ካፐላ ሲስቲትና ጳጳሳዊ ክፍሊ ውሁድ ሙዚቃ መራሒ ንኽኾኑ ኣብ 1956 ዓ.ም. ተሰምዮም ብምግልጋል መላእ ሕይወቶም በዚ መዳይ ንቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ እግዚኣብሔር ዘገልገሉ ከምዝኾኑ ኣብዚ እዋን’ዚ ጳጳሳዊ ናይ ካፐላ ሲስቲና ክፍሊ ሙዚቃ መራሒ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ብፁዕ ኣቡነ ማሲሞ ፓሎምበላ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ባርቶሉቺ መንፈሳዊ መዝሙርን ሙዚቃን ኣብ ጽርሃ ጽዮን መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርግ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ ዝዝክርን ህልው ዝገብርን እንክብሉ ኣብ ሓደ እዋን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ዝበልዎ ቃል ጥቒሶም ብፁዕ ኣቡነ ፓሎምበላ ዝገብርዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.