2013-11-12 14:15:30

ከንያ፦ ስምምዕ ሓደ ሚሊዮን ተመዛበልቲ ዜጋታት ሶማል ናብ ሃገሮም ንምፍናው


RealAudioMP3 ዕለት 10 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ኣብ ናይሮቢ መንግስቲ ከንያን ሶማልን እቶም ኣብ ግዝኣት ከባቢ ከንያ ዑቕባ ረኺቦም ዝነብሩ ዘለዉ ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ ተመዛበልቲ ዜጋታት ሶማል ኣብ ሰለስተ ዓመት ውሽጢ ናብ ሃገሮም ንምፍናው ስምምዕ ከምእተገብረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግልቶ ሓቢሩ።
እቲ ብናይ ከንያ ምኽትል ርእሰ ብሔር ዊሊያም ሩቶን ናይ ሶማሊያ ምኽትል መራሔ መንግስትን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ፋውዚያ ዩስፍ ኣዳም ፊርማ ዝተረጋገጸ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ናይ ስምምዕ ሰነድ ከንያ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን ተቛማትን ብምትሕብባር ኣብ ሓገዝን ደገፍን ተመዛበልቲ ሶማል ዓቢይ ሓገዝ ከምዘበርከተትን እቶም ንነዊሕ ዓመታት ካብ ሃገሮም ሶማሊያ ተመዛቢሎም ኣብ ከባቢ ከንያ መዕቆቢ ረኺቦም ዝነበሩ ዜጋታት ሶማል ኣብ ሃገሮም ተመሊሶም ምስ ናይ ሃገሮም ሕብረተሰብ ተወሃሂዶም ንኽነብሩን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን ተቛማትን ኣብ ዘበርክቶ ኣገልግሎት ክተሓባበር ምዃኑ ክምእተመልከተ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ኣብ ከንያ 610 ሺሕ ሕጋውያን ተመዛበልቲ ሶማል ከምዘለዉን እዚኣቶም ድማ ኣብ መዕቆቢ ስደተይናታት ዳዳብ ዝርከቡ ክኾኑ እንከለዉ ካልኦት 500 ሺሕ ዝግመቱ ዘይሕጋውያን ተመዛበልቲ ሶማል ከምዘለዉን እዞም ዘይሕጋውን ስደተይናታት ኣብ ልዕሊ ሕዝብን ሃገርን ከንያ ጸጥታን ድሕነትን ዓቢይ መሰናኽል ኮይኖም ከምእተረኽቡን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተደሪኾም ሕይወቶም ንምድሓን ዝመዛበሉ ስድተይናታት ናብ ሃገሮም ምምላስ ዘይኮነ ምቕባልን ምእንጋድን እዩ ባህሊ ኣፍሪቃ፣ እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ሃገሮም ተመሊሶም ሕይወቶም ከመሓድሩ ምድጋፍ እውን ክፍሊ ናይቲ ናይ ተቐባሊ ጋሻ ባህሊ እዩ ቢሎም ተመዛበልቲ ንናይ ከንያ ጸጥታን ድሕነትን ውሕስነት ዓቢይ ብዶሆ እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.