2013-11-12 14:19:02

ሰሜን ኰርያ፦ ኣብ ልዕሊ ሰማንያ ዜጋታት ዝተተግበረ ፍርዲ ሞት


RealAudioMP3 ዕለት 3 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ሰማንያ ዜጋታት ሰሜን ኰርያ ካብዚኣቶም ገሊኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝኩም ተረኺብኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንዎም ንሞት ከምእተዳርጉ ናይ ፕዮንግያን ውሽጣዊ ምንጭታት ዝጠቐሳ ናይ ሰሜና ኰርያ መራኸቢ ብዙሓን ኣስዒበን እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ቅድሚ ሕፃናት ዝርከብዎ እኵብ ሕዝቢ ሰሜን ኰርያ ከምእተፈጸመ የመልክታ።
እዚ ዝተፈነወ ዜና ሓቂ እንተድኣ ኰይኑ ኣብቶም ድሕሪ ሞት ኣቦኦም ናይ ሰሜን ኰርያ ብውርሻ መርሕነት ሃገር ዝተረከቡ መንእሰይ መራሒ ኪም ጆንግ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ዝተፈጸመ ቀዳማይ ናይ ሞት ፍርዲ ኰይኑ ከምዝዝከር ናይ ስነ ኰርያ ሊቅ ናይ ሰነ እስያ ፖለቲካን ስነ ርክባት ሜላ ታሪኽ ሊቅ ሮዜላ ኢደኦ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ጋዜጠይና ሰሲሊያ ሳበሊ ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ ሓቢረን፦ እዞም ሓድሽ መንእሰይ መራሒ ሰሜን ኰርይ ኣብ ሃገሮም ብብዝሒ ክራእዩ ዘብቕዖም ተግባራት ይፍጽሙ ከምዘለዉን ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ሃብቲ መስህቦ ኣጋይሽ መዳይን ሓገዝ ቻይና እዚዩ ዝሕወሶ ዘሎ ምዕባለ ኤኮኖሚ ኣብ ምርግጋጽ መዳይ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉን እታ ሃገር ኣብ ማሕበራውን ኤኮኖምያውን መዳይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት ክትርከብ እንከላ ብዛዕባ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ሰሜን ኰርያ ዘጻርይ ዝቖመ ናጻ ዝኾነ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ድርገት ቀጥተይና ሓበሬታ እውን ዘይብሉ እንተኾነ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዕቑባ ረኺቦም ኣብ ስደት ዝርከቡ ዜጋታት ሰሜን ኰርያ ዝህብዎ ሓበሬታን ምስክርነትን ከምዘሎን እዞም 27 ሺሕ ዝግመቱ ስደተይናታት ሰሜን ኰርያ ኣብ ደቡብ ኰርያ መብዛሕቲኦም ብናይ ኤኮኖሚ ጸገም ዝተሰዱን ካብዚኣቶም ውሑዳት ድማ ብጸገም ፖሊቲካ ዝተሰዱ ከምዝኾኑን ናይታ ሰለስተ ኣካልት እትሓቁፍ ድርገት ሊቀ መንበር ኣውስትራሊያዊ ዳይና ኪርባይ ብዙሕ ምስክርነት ከምዝኣከቡን ብሓቂ በቲ ዝኣከብዎ ምስክርነት ከምዝሰንብድን ብኣካል ኣብ ሰሜን ኰርያ ከይዶም ኩነታት ክምርምሩን ከረጋግጹን ንናይታ ሃገር መንግስቲ ሓቲቶም ከምእተነጸጉን ብዙሓት ኣብ ጉላግ ዝተባህለ ከባቢ ሰሜን ኰርያ ናይ ስቓይን መከራን ሰፈር ከምዘሎ ካብቶም ስደተይናታት ዝረኸበዎ ሓበሬት ክሳብ ክንደይ ሓቂ ምዃኑ ንምጽራይ ድላይ ዘለዎም እውን እንተዀነ መንግስቲ ሰሜን ኰርያ ናብ ሃገሩ ናይ መእተዊ ፍቓድ ከምዝኸልከሎም እዩ ዝፍለጥ እቲ ኣብ ከባቢ ጉላግ ዘሎ ሰፈር ሕልቂት ሓቂ እዩ ዝመስልን ኮይኑ ግን ብቐረባ ኣብኡ ተረኺብካ ምጽራይ ወሳኒ እዩ እንክብላ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊለን።







All the contents on this site are copyrighted ©.