2013-11-07 15:35:59

ብፁዕ ካርዲናል ስኮላ፦ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ኣብ ሕንጸት ሕዝብን ሃገርን


RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ ናይ ከተማ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ትማሊ ናይቲ ኣብ ሚላኖ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዓመታዊ ናይ ትምህርቲ ዘመን መኽፈት ምኽንያት ኣብ ቅዱሱ ኣምብሮጆ ባዚሊካ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብፅዕናን ቅድስናን ንምእዋጅ እትኽተሎም ስልጣናዊ መስርሕ ቤተ ክርስቲያን መሰረት ክቡርነት ዝኣወጅሉ ካብ 1968 ክሳብ 1983 ዓ.ም. ኣብ ሚላኖ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ኰይኖም ነዘገልገሉ ጁዜፐ ላዛቲ ቅዱስ ኣቦና ብዝኣወጅሉ ክብሩነቶም ነቲ ሚላኖ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዘፍረዮም ብፁዕ ኮንታርዶ ፈሪኒን ክብሩነቶም ሉደቪኮ ነኪን ኣርሚዳ ባረሊን ቤተ ክርስቲያን ብዓበይቲ ቅዱሳን ደቃ ሃብታም ዝገብራ እዩ ቢሎም፣ እቲ መንበረ ጥበብ ዘፍረዮም ዓበይቲ ናይ እምነት ሰባት ዝኾኑ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይቲ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ኣብ ዕለት 7 ታሕሳስ 1921 ዓ.ም. መስራቲ ኣኪለ ራቲ ቀጺሎም ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ 10 ኰይኖም ቅድም ምስያሞም ንናይቲ መንበረ ጥበብ ዝሓንጸጽዎ ዕላማ ዝኽተል ከምዝኾነ ዘረጋግጽ እዩ ከምዝበሉ ናይ ሚላኖ ሰበኻ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ድሕሪ ብፁዕ ካርዲናል ስኮላ ናይ ላዛቲ ብፅዕናን ቅድስናን ክእውነጀሎም መሰረተ ሓሳብ ኣቕራቢ ፒየርጆርጆ ኮንፋሎኔሪ እቲ ዕለት 5 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ንናይ ላዛቲ ክብርነቶም ኣዋጅን ነዚ ስዒቡ ብፅዕናን ቅድስናን ንኽእወጀሎም መገዲ ዝሕብር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎ “Decreto super virtutibu-ናይ ልዑል ገድለ ክብሪ ውሳኔ” ከምዘንበቡ ዝሓበረ ናይ ሚላኖ ሰበኻ መግለጺ ኣስዒቡ ብፁዕ ካርዲናል ስኮላ ኣብ ገድለ ልዑላን ክቡራት ዋጋታትን ቅድስናን ላዛቲ ኣማእኪሎም ኣብ ስብከቶም ሓጺር ኣስተምህሮ ከምዝሃቡ ኣመልኪቱ።
ጁዘፐ ላዛቲ ኣብ ከተማ ሚላኖ ኣብ 1909 ዓ.ም. ዝተወልዱን ጋዘጠይናን ናይ ፖለቲካ ኣካልን ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ዝዓዩ ዓለማውያን ምእመናን ዝሓነጹን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዉዕውዕ መንፈስ ዝነበሩን ሰነዳቱን ውሳኔታትን ብዕምቆት ዘጽኑዕን ዓለማውያን ምእመናን ማሕበረ ንጉሰ ክርስቶስ ዝመስረቱን ብዙሓት ጥበባውያን መጻሕፍቲ ዝደረሱ ዕለት 18 ግንቦት 1968 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ከምእተወልዱን ብፁዕ ካርዲናል ስኮላ ዘኪሮም ንኽብሩነቶም ብፁዕናን ቅድስናን ኣዋጅ ዝግበር መጽናዕቲ ኣብ 1996 ዓ.ም. ብደረጃ ሰበኻዊ ኣብቲ እዋን ናይ ሰበካ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብዝነበሩ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ እዋን ከምእተጠናቐቐን ኣብ መንጎ ላዛቲን ብፁዕ ካርዲናል ማርቲኒ ዝነበረ ዓቢይን ዓሚዩቕን ምሕዝመት እውን ከምዝዘከሩ ዝሓበረ ናይ ሚላኖ ሰበኻ መግለጺ ኣስዒቡ ኣብ ፍጻሜ ናይ ትምህርቲ ዘመን መኽፈቲ ቅዳሴ ናይቲ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ፍራንኮ ኣነሊ ብዛዕባ እቲ መንበረ ጥበብ ዝነበረን ኣዋናውን ኩነታቱን ኣማእኪሎም ዘረባ ከምዘስምዑን እቲ መንበረ ጥበብ 12 ጨናፍር ትምህርትን 41 ሺሕ ተመሃሮን 1.400 መምሃራንን ከምዘለዉ ጠቒሶም ከምኡ እውን ነበር ናይ ኢጣሊያ ሚኒስትር ዲኖ ፒየሮ ጃርዳ ኣብ መንጎ ግዝኣት ኢጣሊያን ከባቢታት ርእሰ ምምሕዳራ ኢጣሊያን ዘሎ ቁጠባዊ ርክባት፣ ታሪኻዊ ትጽቢታቱን” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ከምዝሃቡ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.