2013-11-07 15:38:14

ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ፦ ኣይፋል ንሕሱም ድኽነትን ምዝመዛ ሕዝብን ሃብትታት ተፈጥሮን


RealAudioMP3 እቲ ዋና መንበሩ ኣብ ጋና ርእሰ ከተማ ኣክራ ዝገበረ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉባኤ ኣብ ብሩንዲ ርእሰ ከተማ ቡጁምቡራ ብናይ ፍትሕን ሰላምን ኣወሃሃዲ ድርገት ኣቢሉ ዘካይዶ ኣኼባ ከምዘጠናቐቐ እቲ ጉባኤ ዘወጽኦ ናይቲ ጉባኤ ናይ ሓባር ሰነድ ኣብ ጋና ናይ ኩማሲ ሰበኻ ጳጳስን ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ምኽትል ኣቦ ወንበር ብፁዕ ኣቡነ ጋብሪኤል ጁስቲቸ ያው ኣንኮክየ ፊርማ ዝተነብሮ መግለጺ ዝተቐበለ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ኣብቲ ሰነድ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ኣይፋል ንሕሱም ድኽነትን ምዝመዛ ሕዝብታትን ሃብታት ተፈጥሮ ኣፍሪቃን ዝብል ሓሳብ ብሓባር ከምዘቃልሑን ከምኡ እውን ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ሓደስቲ ጊልያነትን ሕጻናትን ሕዝብታትን ካብ ቦታ ቦታ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታትን ኮኒኖም ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሰፍሕ ዘሎ ኵለ መዳያዊ ዘይውሕስነትን ዓመጽን ኣብ ማእከላይ ረፓብሊካዊት ኣፍሪቃ ዝርአይ ዘሎን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጎ ዝተራእየ ግጭትን ኣብ ናይጀርያን ማሊን ግብጽን ሶማሊያን ኬንያን ታንዛኒያን ዝሰፍሕ ዘሎ ኣኽራርነት ሃይማኖት ምስልምናንን ሽበራዊ መጥቃዕትታትን ዝኣመሰሉን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ዝፍጸም ምዝመዛ ናይ ተፈጥር ሃብትታታን ሓደ ብሓደ ዘርዚሮም ከምዝኾነኑ ናይቲ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዝተቐበለ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ምግባረ ብልሽውናን ሕማቕ ምሕደራን ዘርሕቕ ንናይ ሃገርን ህዝብን ጥቕሚ ዘገልግል ግቡእ መንግስቲ ዘረጋግጽ ከይዲ ክስዕባ ብፁዓን ጳጳሳት ሓቲቶም ብዛዕባ ውሕጅ ናይል ኣጠቓቕማኡ ንናይቲ ወሰናስን ውሕጅ ናይል ሕዝቢ ዘስተውዕልን ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ናይ ሕዝቢ ነጻነትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክብርን ዘኽብር መሰል ስደተይናታትን ናይ ተመዛበልትን ከምቲ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ኣብ ላምፐዱዛ ዝተኸስተ ናይ ስደተይናታት ሓደጋ ሞት ባሕሪ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጽን ምጽንናዕዕ ንኣባይቲ ስድራን ብምሕሳብ ብዘይ ምስሉይነት ጉዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ግቡዕን ኣዕጋብን መልሲ ክወሃቦ ኣተሓሳሲቦም ናይ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉባኤ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት መዋቕሩ ንምሕያል ክጽዕሩ ምዃኖም ኣብቲ መግለጺ ከምዘመልከቱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፓፑዋ ኔው ጊኒን ደሴት ሰሎሞን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ሉእኽ ኮይኖም ዘገልግሉ ንዘለዉ ብፁዕ ኣቡነ ሳንቶ ጋንጀሚ ኣብ ጊኒ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ንኸገልግሎ እውን ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.