2013-11-05 19:19:53

ክፍአት አብ ቅድሚ ፍቅሪ እግዚአብሔር ምንም ኃይሊ የልብሉን፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝኽሪ ነቶም አብዚ ዓመት እዚ ዝሞቱ ካርዲናላትን ጳጳሳትን መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም፣ አብቲ ብዙኃት ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ምእመናንን ዝተሳተፍዎ መሥዋዕቲ ቅዳሴ እዚኦም አብዚ ዓመት እዚ ዚሓለፉ አበው “ንጸዋዕቶኦም ዝተወፈዩ ከዝምነበሩን እቲ ንሶም ዘበርከትዎ አገልግሎት ቤተ ክርስትያን ከአ አብ ኢድ እግዚአብሔር ተዓቂቡ አሎ” እንክብሉ ነፋሳቶምን ኩሉ ተወፋይነቶምን አብ ኢድ እግዚአብሔር ከምዝኾነ አዘኻኺሮም፣
ናይ ክርስትያን ተስፋ ዝመጸ እንተመጸ ዘይሽነፍ ኢዩ ምኽንያቱ ኃጢአትን ክፍ አትን ተንኰልን ነቲ አብ መንጎ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ደቂ ሰብን ዘሎ ምትእሳሳር ብምንም ተአምር ክበትኮ አይክእልን ኢዩ፣ ምናልባት ሞት ናይ ጥፍአት ምልክት ኮይኑ ከይረአየና ምፍላጥ የድሊ ሞት አፍደገ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኮይኑ ናብዚ ሕይወት እዚ ዘሰጋግር መሳልል ኢዩ፣ ድሕሪ ቢሎም ከምቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ፍቅሪ ክርስቶስ ክፈልየና ዝኽ እል የለን ሞት ይኹን ስደት መላ እኽቲ ይኹኑ ስልጣናት ዘሎ ይኹን ዝመጽእ እንክብሉ ቀንዲ ኃይሊ እምነትን ተስፋን ክርስትያን አመልኪቶም፣ “ጸላእቲ ወዲሰብ ዝኾኑ ኃይልታት ሰይጣን አብ ቅድሚ ኢየሱስን ነቲ ንአኡ ብ እምነት ዝቅበልን ዘሎ ጥቡቅ ፍቅራዊ ርክብ ምንም ኃይሊ የብሎምን፣ እዚ እግዚአብሔር አብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ዘርእዮ እሙን ፍቅሪ ነቲ አብ ዕለት ዕለት እንገብሮ ጕዕዞ ሕይወት ንዘጓንፈና ገድሊ ሃዲእና ብዓቅልን ብኃይልን ክንጐዓዝ ይሕግዘና ወላውን ሓንሳእ ሓንሳእ አድካምን ነዊሕን እንተኾነ፣ ነዚ ምት እስ ሳር እዚ ከቋርጾ ዝኽ እል ሓጢአት ደቂ ሰባት ጥራይ ኢዩ ኮይኑ ግን አብዚ እውን እንተኾነ እግዚአብሔር ወትሩ ምስ አናደየና ኢዩ ናብ ቤቱ ክንምለስን ነቲ ምት እስ ሳር ክነሕውዮን ብምሕረትን ብ ዓቅልን ይጽበየና ክንምለስ ምስ ጀመርና ይሕግዘና እቲ ምት እስ ሳር ክሳብ ሞትን ድሕሪ ሞትን ንክቅጽል እሞ አብቲ ቀንዲ ዕላማኡ ዝኾነ አብ ድሕሪ ሞት ምስ አቦ እንገብሮ ውሉዳዊ ርክብ ከምዝበጽሕ ይገብሮ፣ አብ ሕይወትና ሓንሳእ ሓንሳእ ሓደ እንፈትዎን እን አምኖን እነድንቆን ሰብ ምስ ሞተ ሕይወቱ ከመይ ኮን ትኸውን እቲ ንሱ ዝገብሮ ዝነበረን አገልግሎቱን መን ኮን ይትክኦ እናበልና ክንጭነቅ ባህርያዊ ኢዩ፣ መልሲ ናይዚ ግን አብ መጽሓፍ ጥበበ ሰሎሞን ንረኽቦ አብቲ ጽሑፍ ኩሎም አብ ኢድ እግዚአብሔር ኢዮም ይብል፣ አ እዳው እግዚአብሔር ንምቅባልን ንምሕላውንን ኢየን ዘገልግላ፣ ኢዱ ዘርጊሑ ይቅበለና ካብ ክፉ እ ከአ ይሕልዋናን ይከላኸላልናን፣ እዚ ርክብ እዚ ከአ አካላዊ ኮይኑ አኽብሮን ምትእምማንን ዝመልኦ ኢዩ፣
“እዚኦም ሕይወቶም ንእግዚአብሔርን ንአገልግሎት አኅዋቶምን ዝሰውኡ ቀናአት ጓሶት ነፍሳት እዚኦም አብ ኢድ እግዚአብሔር ኢዮም ዘለው፣ ኩለንትናኦም ብዝግባእ ተዓቂቡ አሎ ብሞት ከአ አይበላሾን፣ እቲ ብሓጐስን ሥቃይን ብተስፋን ብድኻምን ዘሕለፍዎ ዕለታት፤ ከምኡ እውን እቲ አብ ወንጌል ዝነበሮም እምነትን ንመንፈሳውን ስጋውን ድሕነት ናይቶም ሓደራ ዝተዋህቦኦም መጓሰ ቅናእትን አብ ኢድ እግዚአብሔር ኢዩ ዘሎ፣ እዞም ጓሶት እዚኦም ንመጓሲኦምን ንቤተክርስትያን ብልቦም ዘፍቀሩን ኩለንትናኦም ዘወፍዩን ኢዮም፣ ን እግዚአብሂር ዘገድሶ ከአ ፍቅርን ተወፋይነትን እምበር እቶም ወትሩ ምስ ኦም እናተቃለስና ምስክርነትና እንህበሎም ድሩትነትና አይኮነን፣ “ኃጢአት ከይተረፈ ወላውን ኃጢአትና አብ አ እዳው እተን ምሕረት ዝልማደን ብፍቅሪ ዝተሸንከራ ቅንዋት ተሸኪመን ዘለዋ ኢዩ፣ ኢየሱስ ነቲ ቅንዋት አብ ኢዱ ሒዝዎ ክነብር ዝደለየ ናይ አጋጣሚ ጉዳይ አይኮነን እንታይ ደአ ንምሕረቱ ከዘኻኽረና ደሊዩ ኢዩ፣ ተስፋናን ኃይልናን ከአ እዚ ኢዩ፣ እዙይ ተስፋ ዝመልኦ ሓቅነት እዚ ናይቲ ንሕይወት ዘለዓለም ዘመርሕ ትንሣኤ ሙታን ነጸብራቅ ኢዩ፣ እዚ ዘለዓለማዊ ሕይወት እዚ ነቶም ንቃል እግዚአብሔር ዝቅበሉን ንመንፈሱ እዙዛት ዝኾኑን ንጹሓት ቅዱሳን ወይ ፍትሐኛታት ዝብሎም ዝተሰናደወ ኢዩ፣ እንክብሉ ብዛዕባ ምውታን ምስ አዘኻኸሩ ብሕይወት ዘሎና ንሕና እውን ጸሎት ከምዝድልየና ከምዚ ክብሉ አዘኻኺሮም፣ “ጐይታ ነዚ ርክብ እዚ ስንድዋት ኰና ምእንቲ ክንርከብ ከሰናድወና ምእንቲ ርእስና እውን ንጸሊ፣ ሽሕኳ ሰዓቱን ግዜኡን እንተዘይፈለጥና ብርግጽ ክመጽእ ኢዩ” እንክብሉ አተሓሳሲቦም፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ትዊተር ብዝበሃል ናይ ዘመንና መራኸቢ ብዙሓን “ነቶም ምንም ድምጺ ከይገበሩ ምእንቲ እግዚአብሔርን ምእንቲ አሕዋትን ዝሰርሑ ንኩሎም ልኡካነ ወንጌል ደቂ አንስትዮን ደቂ ተባትዮን አመስግን” እንክብሉ ሓጺር መልእክቲ ጽሒፎም፣







All the contents on this site are copyrighted ©.