2013-11-03 17:34:31

አስተምህሮ ጉባኤ መልአከ እግዚአብሔር ናይ ኩሎም ቅዱሳን፣


ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን! ደሓንዶ ውዒልኩም!
ሎሚ እነኽብሮ ዘሎና በዓል ናይ ኩሎም ቅዱሳን ፍጻሜ ሕይወትና ሞት ዘይኮነስ መንግሥተ ሰማይ ምዃኑ የዘኻኽረና፣ ነዚ ኩነት እዚ ዮሓንስ ሓዋርያ አብ መልእክቱ “ኣቱም ፍቁራተይ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና እንታይ ከም እንኸውን ከኣ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኣሎና።” (1ዮሓ 3፤2) እንክብል ይገልጾ፣ አዕርኽቲ እግዚአብሔር ዝኾኑ ቅዱሳን እዚ ቃል እዚ ዘይሕሱን ዘይጠልም ማሕላን ከምዝኾነ የረጋግጹልና፣ ከምኡ ስለዝኾነ ከአ አብ ምድራዊ ሕይወቶም ምስ እግዚአብሔር ብ ዓሚቍ ውህደት ነቢሮም፣ አብ ሕጻናትን አብቶም ዝተናዕቁን ገጽ እግዚአብሔር ክርእዩ ክ ኢሎም ሎሚ ከአ ነቲ ግርማዊ ጽባቄ ልዑል ፊት ንፊት እናረአዩ የስተንትንዎ አለው፣
ቅዱሳን ልዕሊ ሰብ አይኮኑን ወይ ከአ ፍጹማን ኮይኖም ዝተወልዱ አይኮኑን፣ ከማና ኢዮም ነሮም ከም ነፍሲ ወከፍና ኢዮም ነሮም፣ ቅድሚ ናይ ቅድስና ክብሪ ምልባሶም ከማና ናይ ሓጐስን ሓዘንን ሕይወት ዘሕለፉ ኢዮም፣ እንተኾነ ከማና ማንም ሰብ ዝነበሩስ ንሕይወቶም እንታይ ኮን ለዊጥዎ ይኸውን ቢልና እንተሓተትና ፍቅሪ እግዚአብሔር ምስ ፈለጡ በዘይ ቃል ዓለም ብምሉእ ልቦም ተቀቢሎም ሕይወቶም ብምሉኡ ን አገልግሎት ብጾቶም ሰዊኦም ንስቃይን ተጻብ ኦን ብዘይ ቂመ በቀል ተጻዊሮም ንሕማቅ ብጽቡቅ እናመለሱ ሓጐስን ሰላምን አስፋሕፊሖም፣ ሕይወት ቅዱሳንከስ እዚ ኢዩ፣ ሕይወቶም ብዘይ ነግ ፈረግ ንፍቅሪ እግዚአብሔር ዘወፈዩ ብዘይ ምስትምሳል ሕይወቶም አብ አገልግሎት ብጾቶም አወፍዮም ብዙሕ ስቃይ ብት ዕግስቲ ተቀቢሎም፣ ብዘይ ጽል እን ቂምን ንኩሉ ሓሊፎሞ፣ ፍቅሪ ካብ እግዚአብሔር ከምዝመጽ እ ጽል ኢ ከአ ካብ ዲያብሎስ ስለዝመጽ እ ንሶም ከአ ናይ እግዚአብሔር ስለዝኾኑ እንትርፎ ፍቅሪ ጽል ኢ ዝበሃል አብ ሕይወቶም የለን፣ ቅዱሳን አብ ልቦም ሓጐስ እግዚአብሔር ዝሓዙን ነዚ ሓጎስ እዚ ናብ ካል ኦት ዘመሓላልፉን ኢዮም ጽል ኢ ካብ ልብኻ አርሒሕቃ ንካል ኦት ብሕልፊ ንጽጉማት እንተአገልጊልካ እንተጸሊኻን ብሓጐስ እንተነቢርካን እዚ ኢዩ ጐዳና ቅድስና፣ ነዚ መንገዲ እዚ ኵልና ክንክተሎ ጐ.ኢ.ክ አብ ወንጌለ ማቴዎስ 5 አብቲ ብዛዕባ ብፅ ዕና አብ ዘስተምህሮ ይ ዕድመና፣ መንግሥቲ አምላኽ ከስ ነቶም እማነቶም አብ ገንዘብን ንብረትን ዝገበሩ ዘይኮነስ አብ ፍቅሪ እግዚአብሔር ብምት እምማን ብገርህነት ትሕትናን ዝነብሩ ፍጹማት ኢና ቢሎም ዘይተዓሻሸው ንካል ኦት ዘይፈርዱ አብ መንጎ ዝተፈላለየ ስቃይ እናሃለው ብመንፈሳዊ ሓጐስ ዝመላለሱ ሰላማውያን ሰባት ኢዮም ነሮም፣ ቅዱስ ወይ ቅድስቲ ናይ ዕርቅን ሰላምን አብነት ኢዮም፣ ሎሚ አብዚ ዕለተ በዓሎም ብጐይታ እመኑ ከመይ ጐይታ ቃሉ ዘይጠልም ኢዩ! ብ አኡ ዝ አመነ ጨሪሱ ክሰሓሓት አይክ እልን ኢዩ፣ ቅዱሳን ብናይ ሕይወቶም አብነት ብዘይ ፍርሃት ክንጐዓዝ ይሕብሩና፣ እንክብሉ አስተምሂሮም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.