2013-11-02 15:34:40

ክብረ በዓል ኵላዊ ቅድስና


RealAudioMP3 ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 1 ሕዳር 2013 ዓ.ም. መዓልቲ ኵሎም ቅዱሳን ኣብዒላ ከምዝወዓለት እንክምልከት ምስ እዚ ዓቢይ በዓል’ዚ ተተሓሒዙ ድማ እቲ ኣብ 1947 ዓ.ም. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ጉሌልሞ ጃኵይንታ ዘነቓቕሕዎ መዓልቲ ኵላውነት ቅድስና ከምዝበተብዓለን፣ ናይዚ ምቅስቃስ ኵላውነት መዓልቲ ቅድስና መስራቲ ጃኵይንታ ዕለት 25 ሰነ 1914 ዓ.ም. ዝተወልዱ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት እውን ብምንባሩ ሮማ ኣብ ኣደባባይ ቨአነዚያ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ማርያም ዘ ሎረቶ ናይ ሰበኻ ሮማ ተሓባባሪ ኅየንተ ብዛዕባ ኵላውነት ጸዋዕታ ቅድስና ምንቅስቃስን ብምኽንያት እዚ ጸዋዕታ ቅድስና ዝቐርቡ ዓውደ መጽናዕትታትን ኣስተምህሮታትን ኣስተንትኖን መደባት ዝከታተሉ ብፁዕ ኣቡነ ማተዮ ዙፒ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ ናይ ሮማ ሰበኻ መግለጺ ሓቢሩ፣ በዛ ዕለት ምክንያት ምንቅስቃስ ኵላውነት ቅድስና ኣብ ዝርከበለን ኣብ ኢጣሊያን ወጻእን ሃገራት “እግዚኣብሔር ምዝንታው” ብዝብል ቃል ዝተመርሐ ዓውደ መጽናዕትን መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ከምእተኻየደ የመልክት።
ናይዚ “መዓልቲ ኵላውነት ቅድስና” ዕላማ ናይቲ ደጋፊ ቅድስና ምንቅስቃስ ኣብ ኢጣሊያ ዋና ጸሓፊ ሚረላ ስካሊያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፦ “ቅድስና ብዘይ ፍሉይነት ንዅሉ ክርስቲያን ዝምልከት ጸዋዕታ እዩ እዚ ማለት ድማ ኣብ ልቢ ክርስቲያንን ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ብርሃን ቅድስና ክዅላዕ ዝብል እዩ። ቅድስና ንገለ ገለ ዝተፈልዩ ሰባት ዝምልከት ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ ንዅሉ ዝምልከት ወንጌል ዘቕርቦ ጽዋዕታ ፍቕሪ እዩ፣ ስለዚህ ካብዚ ጸዋዕታ’ዚ ዝተነጸለ ማንም የሎን ኢለን።
ቅድም ቀዳድም ቅድስና እግዚኣብሔር ምምዕዳው፣ ንሱ ጥራሕ እዩ ቅዱስ፣ ቅዱስ ምዃን ማለት ድማ ኣብቲ ብርሃን ቅድስና እግዚኣብሔር ብቐጻሊ ምንባር ማለት እዩ። ብጭቡጥ ድማ ኣብ ምስማዕ ቃለ ወንጌል ምትጋህን እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ኣቢሉ ብዝብለና ኵሉ ገዛእ ርእስና ንመልእን እሞ ብዓበይቲ ነገራት ዘይኮነስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት በዚ መንገዲ እናነበርካ ብቓልን ሕይወትን ብነኣሽቱ ነገራት ኣብ ቅድስና ምንባር ማለት እዩ ምስ በላ እዚ ማለት ድማ ኣብ ዝኾነ ይዅን ምርጫ ሕይወትን ናብራን ወንጌል ምቕዳምን ብኣኡ ተመሪሕካ ምንባርን ኣብ ናይ ካልኦት ስቓይን ሓጐስን ምስታፍ ማለት እዩ ኢለን።
ሰብ ናይ ፍጽምና ጽምኣት ዘለዎን ኣብ ዕለታዊ መነባብራኡን ኣካይዳኡን ዕዮኡን ኮታ ኵሉ ፍጽምና ዝደሊ እዩ፣ ቅድስና ፍጽምና ማለት ኣይኰነን። ሕይወት ብዘይ ጌጋ ማለት ኣይኰነን እንታይ ደኣ ከም ሰብ መጠን ድኹምን ተነቓፍን ምዃንካ ምግንዛብ እሞ ናይ ገዛእ ርእስኻን ናይ ታሪኽን ኣብ ልቢ እግዚኣብሔር ምንባርን እዚ ድማ ኩለንተናኻን ኩሉን ኣብ ልቢ እግዚኣብሔር ከም ሃብቲ ምውፋር ማለት እዩ። እቶም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ዝኣወጀትሎም ቅዱሳት ኣብ ሕይወቶም ብሕይወቶምን ነዚ እያቶም ዝመስከሩ ምስ በላ ኣስዒበን ቅዱስ ዕብየት ገዛእ ርእሱን ናይ ገዛእ ርእሰ ዓብይነት ማለት ኣይኮነን፣ ክርስቶስ ኩሉ እዩ፣ ኣብ ኩሉ ሰዓት ደቓይቕን እስትንፋሱን ኣብ ቃሉን ንኻልኦት ብቓሉን ወትሩ ክርስቶስ እዩ፣ ኣብ ሕይወትካ እዚ ክርስቶስ እዚ ምንባር ማለት ድማ፣ ንናይ እግዚኣብሔር እማመ ገዛእ ርእስኻ ምኽፋትን ብናይቶም ፍቕሪ ዝሓቱና ኣሕዋት ኣቢልና ምንባር ማለት ከምዝኾነ ሓቢረን።
ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ንኻልኦት ቀረባ ምዃንን ንደገፎም ስንድዋትን ኣብ ምድጋፍን ብሓባር ናይ እምነት ጕዕዞ ምጉዓዝ ኣገዳስን ኣብኡ ዘሎ ጽባቔ ምንባር ከምዝግባእ ዝበልዎ ቃልን ቅድስና ንበይንኻ ዘይኮነስ ምስ ካልኦት ምቕዳስ ማለት ምስ ካልኦት ዝንበር እዩ። ስለዚህ ማሕበራዊ ማሕበረ-ሰብኣዊ ቅድስና ምንዳይን ምንባርን መልክዕ ሕብረተሰብን ናይ እዋናዊ ታሪኽ መልክዕ ናብ ደብረ ታቦራዊ መልክዕ ክቕየር ምትጋህ ማለት ከምዝኾነ ተንቲነን፣ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለያ መንፈሳዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ቅድስና ናይ ዓሚይቕ ጉዕዞ እምነትን ሓቀይና እምነት ኰይኑ ታሪኽ ብሓባር በዚ መልክዕ ቅድስና ክህነጽ ምትጋህ ማለት እዩ። ብሓባር ኰይና ኣብ ጎድኒ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ስነ መጐት በይንኻ ምዃን ዘይከኣል ስለ ዝኾነ ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ብሓባር እናተደጋገፍካ ምጕዓዝ ማለት እዩ እንክብላ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊለን።







All the contents on this site are copyrighted ©.