2013-10-31 16:21:14

ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ሓፈሻዊ ጉባኤ


RealAudioMP3 “ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ድሕሪ 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካብ ዕለት 19 ሕዳር ክሳብ ዕለት 22 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ክካይድ ምዃኑ ናይዚ ቅዱስ ማሕበር መግለጺ የመልክት።
ኣብቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይቲ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣባላት ፓትሪያርካትን ዕስራ ብፁዓ ካርዲናላት ዓበይቲ ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ዘሳትፍ ከምዝኸውንን ዘመልከተ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር መግለጺ፦ ኣስዒቡ እቲ ጉባኤ ኣብ ሰብኣውን መንፈሳውና ድንጋጌኣውን ትምህርቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘስተንትንን ብፍላይ ድማ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ውሳኔ ብዕምቆት ዘስተንትን ከምዝኾነን ቀጺሉ እውን እቲ ኣብ 1990 ዓ.ም. ዝጸደቐ ናይ ምስራቐ ኣቢያተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖናን፣ Apostolica Orientale Lumen-ናይ ምስራቕ ብርሃን” እተሰምየት ኣብ 1995 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝደረስዋ ሓዋርያዊት መልእኽትን ከምኡ እውን ቅዱስነቶም ልሂቅ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ድሕሪ እቲ ዝተኻይደ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ኣብ 2012 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምብራቕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳንን ዘስተንትንን ብዛዕባ ኩነተ ኣቢያተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ምስራቕ ኤውሮጳን ህንድን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዝርከባ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ህሉው ኩነታት ዝዝትይ ምዃኑ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር መግለጺ ሓቢሩ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ልክዕ ከምቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2009 ዓ.ም. ዝፍፈጸምዎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ መላእ ተጋባእያን ተራኺቦም ስልጣናዊ መልእኽቲ ለጊሶምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ምስ ተፋነዉ፣ ምስ ተጋባእያን ብፁዓን ካርዲናላትን ፓትሪያርካትን ዓበይቲ ሊቀ ጳጳሳትን ክራኸቡ ምዃኖም ዝሓበረ መግለጺ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣስዒቡ ዕለት 24 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ዓመታዊ ክብሪ በዓል ክርስቶስ ንጉስን ዓመት እምነት ፍጻሜን ንጎሆ ኣብ ቅርዓት ቅዱሱ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እቶም ናይቲ ጉባኤ ተሳተፍቲ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ብፁዓን ካርዲናላትን ፓትሪያርካትን ዓበይቲ ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ምስ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ውህደቶም ንምርግጋጽ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኵላውነት ንምምስካር ክሓብሩ ምዃኖም ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.