2013-10-26 15:30:32

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ንሓደ ክርስቲያን ብቕንዕናን ብግብርን ሓጢኣትካ ምንዛዝ ጸረ ናይ ክፍኣት መንፈስ ምቛም ማለት እዩ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ምስጢረ ንስሓ ዘማእከለ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ምስጢረ ንስሓ ማለት ብቅኑዕ ልብን ልክዕ ከም ናይ ሕጻን ግልጽነት ገርሄይናነትን ተመሊእካ ምስ ናይ ኢየሱስ ፍቕሪ ንምርኻብ ናብኡ ምንቃልን ብዝፈጸምካዮ ሓጢኣት ጣዕሳን ሕፍረትን ንምንጻግ ዘይኮነስ ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ከነስተውዕል ዝድርኽና ናይ ጣዕሳን ሕፍረትን ጸጋ ምእንጋድ ማለት እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ንብዙሓት በጽሒ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ካህን ተረኺቡ ሓጢኣቱ ምንዛዝ ክጻወሮ ዘይከኣል ጻዕሪ ከምዝኾኖን ብምሕሳብ ብዙሕ ጊዜ ነዚ ዓቢይ ምስጢርን ካብዚ ዓቢይ ምስጢርን ከርሕቕ ወይ ከኣ ነዚ ናይ ሓቂ ኵነት ናብቲ ሓቂ ወይ ባህርያዊ ዘይኮነ ጠባይ ዝንበረሉ ኩነት ገይሩ ናብ ምንባሩ ከምርሕ ይረአይ፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ሰብኣዊ ባህርይኡ ሰናይ ከምዘይነብርን ሰናይ ከምዘየለ ከምዝፈልጥን ባርያ ነቲ ክገብሮ ዝደልዮ ሰናይን ዘይኮነስ ነቲ ክገብሮ ዘይደልዮ ግብረ ክፍኣት እየ ዝግበር እንክብል መንፈስ ክፍኣት ኣብ ጐድኑ ከምዘሎ ይናዘዝ፦ “እዚ ቃልሲ’ዚ እቲ ናይ ክርስቲያን፣ ዕለታዊ ቃልሲ እዩ፣ ከም ጳውሎስ ወትሩ ኣብዚ ቃልሲ እዚ ከምዘሎና ተኣሚና ክንዛረብ እንኰሎና ትብዓት ዝጐደለና ንኸውን ብዙሕ እዋን ነኸነተኻኽሎን ቅቡል ዘብሎ ምኽንያት ከነቕርብ ንርከብ፣ ሓጢኣተይና እየ፣ ድኹም እየ ንብል። እዚ እቲ ከም ክርስቲያን እንገጥሞ ቃልሲ ዘነጽሮ ተግባር እዩ፣ እዚ ዘይንፈልጥን ዘይነስተውዕልን እንተድኣ ኰይና ምሕረት ኣምላኻ ኣይክህልወናን ኣይክበጽሓናን ኣዩ። ሓጢኣተይና ምዃንና ቃልን ኣበሃህላን ኰይኑ ዝተርፍ እንተዀይኑ ምሕረት ኣምላኽ ኣየድልየናን ንብል ማለት እዩ፣ ግዙኣት ዝገብረና ጭቡጥ ኩነት እንተድኣ ኰይኑ ግን ውሳጣዊ ናይ ጎይታ ነጻነት የድልየና ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ኵነት’ዚ እቲ ኣዚዩ ዘድልይ መውጽኢ መገዲ ከምቲ ጳውሎስ ሓጢኣቱ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ ክርስቲያን ዝናዘዞን እቲ ዘለዎ ዝምባለ ሓጢኣት ኣብ ቅድሚ ማሕበረ ክርስቲያን ኣይሓብኦን። እዚ እዩ እቲ መገዲ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ነንሓድ ሕድኵን ሓጢኣትኩም ተናዘዙ ዝብሎ ምዕዳን ቅዱስ ያዕቆብ ጠቒሶም ብትሕትና ዝፍጸም ምንዛዝ ሓጢኣት ክንፍጽም ቤተ ክርስቲያን እውን ከምእትምዕደናንን እዚ ድማ ነቲ ናይ ቅዱስ ያዕቆብ ምዕዳን ኣብ ግምት ዘእትው ምዃኑን ሓጢኣትካ ምንሳሕ ንእግዚኣብሔር ክብሪ ንምሃብ ንሱ ዘድሕነካ ምዃኑ ኣፍልጦ ንምሃብ እምበር ግብረ ልልያ ንምፍጻም ከምዘይኮነን ስለዚ ከምቲ ቅዱስ ያዕቆብ ዝብሎ ናብ ሓውኻ ከዲካ ሓጢኣትካ ምንሳሕ “ናብ ሓውኻ ካህን” ምኻድ ማለት ምዃኑ እንከረድኡ፦ ብዝሓት ኣነ ሓጢኣተይ ብቐጥታ ናብ እግዚኣብሔር እየ ዝናዘዞ፣ እዚ ድማ ብሓቂ ቀሊሊ ኣዩ። እጦማር ማለት ኢማይል ከም ምልኣኽ ኰይኑን እግዚኣብሔር ርሑቕ እዩ፣ ፊት ንፊት ምርኻብ ዘይብል እዩ። ሓጢኣትካ ምንዛዝ ሓደ ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ክንክን ጥዕና ምርካብ ማለት ወይ ድማ ናብ ሓደ ናይ ስቓይ ስፍራ ምኻድ ማለት ዘይኰነስ፣ ብሓውኻ ኣቢልካ ኣብ ቅድሚ ጎይታ ተረኺብካ ብቕንዕናን ብግብርን ኦ ጐይታይ ሓጢኣተይና እየ ምባል የድሊ” ቢሎም ቅንዕናን ግብርን ማለት በቲ ዝፍጸም ሓጢኣት ሓቀይና ጣዕሳን ሕፍረትን ክስምዓካን ናብ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ዘብጽሕ ካልእ ኣቋራጺ መገዲ ከምዘየለን እንከመልክቱ፦ “ሕጻናት ዓቢይ ጥበብ ዝዓሰሎም እያቶም፣ ሓደ ሕጻን ክናዘዝ ክመጽእ እንከሎ፣ ብሓፈሻዊ መልክዕ ምንዛዝ ሓጢኣት ዝጥቀም ዘይኰነስ ግብርን ቅንዕናን ዝተመልኦ ንስሓ እዮም ዝፍጽሙ፣ ናይ ሓቅነት ገርሄይና ባህርይ ዝነብሩ እያቶም፣ ሓጢኣትና ኣንክንናዘዝ በቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ዝስምዓና ሓፍረትን ጣዕሳን ጸጋ ምዃኑ ንግንዘብ፣ ናይ ሓፍረትን ጣዕሳን ጸጋ ንዕደል፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሓፍረት ክስምዓካ ጸጋ እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ንኢየሱስ ጎይታይ ሓጢኣተይና እየ እሞ ካባይ ርሓቕ ዝበሎ ንዘክር፣ ኣብ ቅድሚ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድስናን ፍጽሙነትን ብሓጢኣቱ ሓፍረት ይስምዖ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ በቲ ኣብ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ @pontefix ኣድራሻኦም ኣቢሎም ትማሊ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም.፦ “ነጻጊ ባህሊ ካብቲ መግቢ ምብኻንን ኣረገውቲ ብምፍላይ ዘግልል መሪር ውጽኢት የፍርይ” ከምዝበሉን ሎሚ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ድማ፦ “ብዙሕ እዋን ኣብቲ ዓውሎማዊ ሸለልተይናነት ንሳተፍን፣ ኣብቲ ናይ ዓውሎማዊ ምትሕብባር ተግባር ንምስታፍ ንትጋህ” ዝብል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.