2013-10-24 16:19:25

ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ፦ ሕሉፍ ውዳሴ ውልቃዊ መሰልን ፍቓድን ሳዕቤን ምብትታን ስድራ ቤት እዩ


RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሮማ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓልዮ ስድራ ቤት ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ናይ ስደራ ቤት መሰልን ፍቓድን ናይ ውሳኔ ሰነድ ሕታም፣ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ትማሊ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ኣብ ዶሙስ ፓቺስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከምዝጀመረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።
እዚ “ሓደስቲ ኣድማስ ስነ ሰብእን መሰልን ክብርን ስድራ ቤትን” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 26ን 27 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ናብ ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙ ከምዝኾኑ ዘመልከታ ጋዜጠይና ጂሶቲ ምስ ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ እቲ መበል ሳላሳ ዓመቱ ዘበዓል ዘሎ ናይ ስድራ ቤት መሰልን ፍቓድን ናይ ውሳኔ ሰነድ ብዘየማትእ መገዲ እቲ መሰረታዊ ሕጊ እዚ ድማ ናይቲ ሰነድ ኣስተዋጽኦ ከምዘመልክቶ “ኣብ ሰብኣዊ ሕሊና ዝተሓትመ” እዩ ስለዚህ ድማ “እቲ ኣብ ታሪኽ ክዕቀብን ክኽበርን ምኽልኻል ክግበረሉን ዝግባእ ናይ ትማሊ ወይ ድማ ኣማኢት ዓመታት ዘይኮነ ዘመናት ዘቑጸረ ቅዋመ ስድራ ቤት ሕጋዊ ኣካል እዩ። ስድራ ቤት እቲ ቀዳማይ ‘ንሕና ኣካል’ ክኽውን እንከሎ፣ መሰረት ናይ ነፍሲ ወከፍ ማለት ውልቃዊ ሰብ እዩ፣ ብዘይ ግንዛቤ ‘ንሕና ኣካል’ እዚ ድማ ስድራ ቤት ‘ኣነ ኣካል’ ኣፍልጦ ክወሃቦ ዘጸግም እዩ” ምስ በሉ ኣብዘን ዝሓለፋ ሳላሳ ዓመታት ማሕበረሰብአዊ ለውጥታት ተኸሲቱ እዩ ኮይኑ ግን እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ክሕደስ ዝድርኽ እውን እንተኾነ፣ መሰረት ዘለዎ ወትሩ ብቑዕ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ስድራ ቤት ክቡር ኣካልን ጸዋዕታን በዓል መሰልን ግቡእን ኣካል እውን እዩ ኢሎም።
እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ንበሎ ወይ ከኣ እዋን ነቲ “ኣነ-ኣካል’ ሕሉፍ ነኣድን ክሳብ ነቲ “ንሕና-ኣካል’ ክርሳዕ ዝገብር ኮይኑ ንብዙሓት ካልኦት ማሕበረሰብዊ-ኣካል ናብ ምውጋድ የብጽሕ ኣሎ፣ እዚ ድማ ጸረ ስድራ ቤት እዩ። ነቲ ናይ ከተማታት ማሕበራውነትን ናይ ሃገራት ማሕበራውነትን ንገዛእ ርእሱ ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ኣካላት ናብ ቅልውላው ኣእትዩን የእንትው እውን ኣሎ። እዚ ስለምታይ ይኸውን እንተድኣ ኢልና ድማ ውጽኢት ናይቲ ኣነ ኣካል ከም ጣዖት ዘምለኽ ባህሊ እዩ። ኣነ ኣካል ኩሉ ማሕበራውነት ቅርጽታት ከም መስዋዕት ዝቐርበሉ መንበረ ጣዖት ኰይኑ ኣሎ። ምስጢረ ተክሊል ምንጻግ ወይ ድማ ስድራ ቤት ምውጋድ ካልኦት ዓይነታት ዝምድናታትን መውስቦታትን ምርግጋጽ ማለት ኣይኮነን፣ ምስጢረ ተኽሊልን ስድራ ቤትን ምንጻግ ማለት ዝኾነ ይዅን ዓይነት ምትእስሳር ከም ጾር ምሕሳብ ስለ ዝኸውን በይንኻ ምዃን ብሉጽ ናብ ዝብል ጉጉይ ባህላዊ ኣመለኻኽታ ይድርኽ ኣሎ። እዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ናይ ኩሉ ዓመት ቅልውላው መሰረት ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ ካብ 70 ሃገራት ዝተዋጽኡ ካብ 150 ሺሕ ክሳብ 200 ሺሕ ዝግመቱ ኣባይቲ ስድራ ብምኽንያት ናይ እምነት ዓመትን ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናይ ስድራ ቤት መሰልን ክብርን ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ መቓብር መንፍሳዊ ንግደት ክፍጽሙ ምዃኖም ሓቦሮም፣ እዞም ክርስቲያን ኣባይቲ ስድራ፣ ስድራ ቤት ጸገምን ሽግርን ዘይብሉ ሓሳብ ኣዩ ዝብሉ ዘይኮነስ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ጸገም ስድራ ቤት ውበትን ውህበትን ዘለዎ ሓገስን ንምምስካር ዘካይድዎ መንፍሳዊ ንግደት እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.