2013-10-24 16:16:11

ብፁዕ ኣቡነ ቹሊካት፦ ዘተ እቲ እንኰ መጋበርያ ሰላም እዩ


RealAudioMP3 ዕለት 22 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ኣብ ነው ዮርክ ዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝዘተየ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ድሕነትን ቤት ምኽሪ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንሲስ ቹሊካት ነቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ናይ እስራኤልን ፍልስጥኤም ናይ ሰላም ዘተ ዳግማይ ምጅማር ቅድስቲ መንበር ብተስፋ እትመልከቶ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እቲ ብዛዕባ ናይ ሶሪያ ጉዳይ ዝመክር ካልኣይ ዋዕላ ጀነቭ ኣብ ሶራያ ሰላም ዘረጋግጽን ናብ ሰላም ዘብጽሕን ክኸውን ተተስፍዮም እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ንማእከላይ ምብራቕ ብሓቂ ዓቢይ መስቀለይናን ወሳንን እዋን ከምዝኾነን እቲ ናይ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዳግማይ ምጅማር ቀጥተይናን ጭቡጥን ቅኑዕን ናይ ሰላም ዘተ ቅድስቲ መንበር ከምዘሐጎሳን ብተስፋ እውን እትምልከቶን እወታዊ ውጽኢት መታን ክህልዎ ድማ ኩለ መዳያዊ ጻዕሪ ተካይድ ከምዝበሉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።
እቲ ቅድስቲ መንበር እተንብሮ ተስፋ ኣብቲ ዳግማይ ምጅማር ዝተሓደሰ ቀጥተይና ናይ ሰላም ዘተ ዝውከስ ከምዝኾነ ብፁዕነቶም ኣመልኪቶም፣ ኣብ ዝኾነ ይዅን ውግእ እቲ ልዑል ዋጋ ዝኸፍል ንጹሕ ሰላማዊ ሕዝቢ ከምዝኾነን፣ ንዝኾነ ይዅን ግጭት ብሉጽ ፍታሕ ብፖለቲካዊ መዳይ ዝረጋገጽ ፍታሕ፣ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ጉዳይ ተመዛበልትን ከምኡ እውን ንናይ ሓባር ምዕባለ ዓቢይን ብሉጽን መገዲ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቦም፣ ቀጺሎም እዋናዊ ጉዳይ ሶሪያ ፍታሕ ክረክብ ቅዱስ ኣቦና ብዘቕረብዎ ጻውዒት ሰላም መሰረት ዘኪሮም፣ ቅድስቲ መንበር ብቐዳምነት እተሓቶ ተግባር እቶም ተጻባዕቲ ሓይልታት ነቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ግጭት ደው ብምባል እቲ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ዓመጽ ገቲኦም በቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ዝብገስ ካልኣይ ጉባኤ ሰላም ጀነቭ ሓድሽን ትስፍውን ቅኑዕን ናይ ሰላም ዘተ ከካይዱ ዝብል ሕቶ እዩ ከምዝበሉ ዝገለጹ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፣ ብፁዕነቶም በቲ ኣብ ሶሪያ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ምኽንያት ልዕሊ 4 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ኣብ ውሽጥ’ታ ሃገር ከምእተመዛበለን፣ ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ዝግመት ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሶሪይ ፋሕ ከምዝበለ ገሊጾም እተን ነዞም ተመዛበልቲ ዘአንገዳ ዘለዋ ሃገራት ዝገጥመን ብድሆ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ዘይምርግጋእ ኩነት ክመርሕ ዝኽእል ቅልውላው እዩ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ነቶም ተመዛበልቲ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ብቐዳምነት ደረጃ ብዘይ ሃይማኖታውን ዓሌታውን ኣመለኻኽታ ሰብኣዊነት ብዘመእከለ መገዲ ቀንደይና ተዋሳኢት ምዃና ብምርግጋጽ፣ ማሕበረ ክርስቲያን ሶሪያ በቶም ኣኽረርቲ ሃይማኖታውያን ሓይልታት ተገዲዶም ይስደዱ ከምዘለዎን ሓቢሮም ጸኣት ማሕበረ ክርስቲያን ዘተሓሳስብ ምዃኑን ነቲ ልዕሊ ክልተ ሺሕ ዓመት ክርስትያናዊ ባህሊ ታሪኽ ሓዲጎም ክስደዱ ዝተገዱ ከምዝኾኑን እቲ ኣብ ዒራቕ ዝተኸስተ ጸኣት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ሶሪያ ከይድገም ከምዘተሓሳሰቡ ኣመልኪቶም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብፁዕ ኣቡነ ቹሊካት ብኻልኣይ ደረጃ ዛዕባ ምርጋፍ ከሚካላዊ ኣጽዋር ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ድሕነትን ቤት ምኽሪ ጉባኤ ተሳቲፎም ሶሪያ ከሚካላዊ ኣጽዋራ ከተራግፍ ዝተበጽሔ ስምምዕ ኣገዳሲ ታሪኽ ከምዝኾነን ኮይኑ ግን ገለ ገለ ሃገራት እቲ ዝተረጋገጸ ስምምዕ ብዝተፈላለየ መገዲ ክተዓናቐፍ ንዝተኸተልኦ ውሳኔ ነቒፎም፣ ብዙሓት ሃገራት ምቁጽጻርን ምርጋፍን ኬሚካላዊ ኣጽዋር ዝተሰማማዓሉ ክነሰን እቲ ስምምዕ ኣብ ትግባሬኡ ከንሳሕባ ምርኣይ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ፣ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሓደን እንኮን ድምጽን ተግባርን ከቃልሕን እቲ ረፍራፊ ሕዝቢ ከሚካላዊ ኣጽዋር ውግእ ካብ ዓለም ንምውጋድን ንምርጋፍን ሓደ ድምጺ ዘለዎ ኮይኑ ክርከብ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እዚ ድማ ናብቲ ስግኣት ምርግጋጽ ዓውሎማዊ ሸለልተይናነት ከይእተው ዝድግፍ እዩ ከምዝበሉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ገሊጾም፣ ወተሃደራዊ ረኣይ ቀረባ ደምዲምካ ንሓቀይና ሰብኣዊ ስድራዊ ድላይ ጭቡጥ መልሲ ንምሃብ ዝብል ጻዕሪ ምብጋስ ኣገዳሲ ኢዩ ከምዝበሉ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.