2013-10-22 16:04:36

ጻውዒት ሰላም ምእንቲ ሶሪያን ማእከላይ ምብራቕን


RealAudioMP3 ናይ ምብራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሶሪያን ማእከላይ ምብራቕን ሰላም ክረጋገጽ ናይ ሓባር መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ክምልክት እንከሎ፣ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽታላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ድሕሪ እቲ ብሓልዮት ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣቢያተ ምኽሪ ኅብረት ቅዱሳት ቀረሎስን መተደዎስን ኣብ ስላቭ ከባቢ ሃገራት ኣስፍሆተ ወንጌል ዘረጋገጽሉ ዝኽሪ መበል 1150 ዓመት ምኽንያት ኣብታ ናይ 2013 ዓ.ም. ናይ ኤውሮጳ ርእሰ ከተማ ተባሂላ ዝተሰምየት ኣብ ስሎቫኪያ ከተማ ኮሲቸ ካብ ዕለት 17 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ዘካይድዎ ዓመታዊ ምሉእ ናይ ሓባር ጉባኤ ፍጻሜ ንምእመናን ናይዘን ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣብያተ ክርስቲያን ንሰብ ጽቡቕ ድላይን ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓባር መልእኽቲ፦ “ናይ ምስራቕ ባህሊ እብዚ እዋን’ዚ እዚዩ ዝነኣድን ዝድነቕን ምዃኑን ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝሰፍሕ ዘሎ ካብ እምነትን ክርስትናን ዘረሕቕ ባህሊ ዝፍውስ ከምዝኾነ” ከምዘስመሩሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት፣ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ኮሲቸ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ናይ መልእኽቶም ትሕዝቶ እንክመልክቱ፦ “መበቆል ባህሊ ኤውሮጳ ክርስትና መሠረት ዘለዎ ከምዝኾነን እዚ ድማ እቲ ናይ ቅዱሳት ቀርሎስን መተደዎስን መልእኽቲ እዋናውነት ዘለዎ ምዃኑ የረጋግጽ። ናይ ኤውሮጳ ስልጣነን ባህልን ካብቲ መድሕን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ብምንጻል ኣብ ክቡራት ዋጋታት ስነ ምግባርን ግብረ ገብን ኣብ ክቡር ዋጋ ስድራ ቤትን ኣብ መንጐ ሕዝብታት ዋሕስ ፍትሕን ሰላምን ዝተሰርተ ዝተረጋገጸን ጽንዕን ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ንምሕናጽ ዘይከኣል እዩ። ኢእግዚኣብሔራዊ ባህሊ ሰብኣዊ ፍጡር ናብ ቀቢጸ ተስፋን ሞትን እዩ ዝመርሕ። ነዚ ዓይነት ናይ ሞት ባህሊ በቲ ሰብኣዊ ፍጡር ብምሉእ ኣድማሱ ዘኽብርን ናይ ሕውነትን ፍቕር ምትሕብባርን ብፍላይ ድማ ንድኻታትን ስደተይናታትን ዝተነጸሉን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝሓልይ መንፈስ ብቕዓት ዘሕይል ናይ ሕይወትን ትስፋን ባህሊ መሠረት ንግጠሞ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፦ “ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሶሪያን ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ደው ክብልን፣ ኣብ ኤውሮጳ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳጳሳት ድምጾም ምስ ድምጺ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣወሃሂዶም ነዚ ናይ ተስፋን ግብረ ሰናይን ፍቕርን መልእኽቲ ነመሓላልፍ” ከምዝበሉ ኣመልኪቱ።
እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሶሪያን ዝረአይ ዘሎ ወጥረት ዓቢይ ስቓይ ከምዝኾነን፣ ምስቲ ናይቲ ውጥረት ኣደዳ ዝኾነ ሕዝቢ ሓቢሮምን ድምጾም ምስ ድምጺ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣወሃሂዶም ውጥረት ብዘተ ጥራሕ ዝፍታሕ ብምዃኑ ኩሉ ምእንቲ ናይ ሰላም ዘተ ምርግጋጽ ክጽሊ ኣብ መልእኽቶም ከምዝተሓሳሰቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.