2013-10-19 16:26:03

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ፦ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሕድስ ውዕዉዕ ሓይሊ


RealAudioMP3 ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምስረታ “International Commission on English in the Liturgy (Icel)-ዓለም ለኻዊ ድርገት ቋንቋ ኢንግሊዝ ኣብ ሊጡርጊያ” ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ትማሊ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ብናይ ስርዓት መለኮተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣርቱር ሮኽ ንዝተሰነዩ ኣባላት ናይዚ ብትሕቲ ናይ ስርዓት መለኮተ አምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ሓልዮ ቅድስ ማሕበር ዝመሓደር ድርገት ኣባላት ተቐቢሎም መሪሕ ቃል ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ገሊጸን።
እዚ ኣብተን ቋንቋ እንግሊዝ ተጠቀምቲ ሃገራት ዝረክብ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ልኡካን ዝሓቁፍ “International Commission on English in the Liturgy (Icel)-ዓለም ለኻዊ ድርገት ቋንቋ ኢንግሊዝ ኣብ ሊጡርጊያ” ምእመናን መላእ ዓለም በቢ ቋንቋኡ ክጽልን እምነቱ ብሓባር ክገልጽን ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘበርክት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዊ መሪሕ ቃል ሓቢሮም፣ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሊጡርጊያ መጻሕፍቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ኣሰናድዩ ቋንቋ ኢንግሊዚይና ተጠቃሚ ወሉደ ክህነትን ምእመናንን ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስነ ጸሎትን ስነ ቅዱሳት ምስጢራትን ባህሊ ብቑዕ ግንዛቤን እወታዊ ውናኖ መታን ክህልዎን ብዑምቀት እውን ከጽንዖ ዘበርክቶ ዘሎ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዝነኣድ ከምዝኾነን ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት እቲ ድርገት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘቕረቦ ውሳኔኣዊ መተሓሳሰቢ እዚ ድማ ምእናን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸሎትን ሊጡርጊያን ውኩፍ ሱታፌ ክህልዎም እንክብል ንዝሃቦ ውሳኔኣዊ መተሓሳሰቢ ከረጋግጹን ክነብሩን ዝሕግዝን ከምቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ፦ ነቲ ዝኽበርን ዝበዓልን ዓቢይ ምስጢርን ዕለታዊ ርክብ ምስ ህላዌን ዓቢይ ግንዛቤን ኣስተውዕሎን ናብ ዝብል መንፈሳውን ሰብኣውን ብስለት ንምብጻሕ” መታን ክከኣል ዝድግፍ ድርገት ምዃኑ ነቶም ኣባላት እንከዘኻኽሩ፦ ፍረ ጻማ ናይቲ ድርገት ናይ ብዙሓት ምእመናን ጸሎት ቅርጺ ዘትሓዘን እምነቶም ክርድኡን ምግባሩን ናይ ምእመናን ሓባራዊ ክህነት ክንበርን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሕድስ ውዕዉዕ ሓይሊ ዝብልን ብሓፈሻኡ ውሳኔኣዊ ኣስተምህሮ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምርግጋጽ እዩ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይላኒ ሓቢረን።
ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም፦ “ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ፣ ብዙሓት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተሓሳስቦ ውሳኔኣዊ ሕዳሴ ብሕዳሴ ስርዓት ሊጡርጊያ ዝተገንዘብዎ እዩ” ቢሎም፣ እቲ ድርገት፦ “ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኁባሬኣውነት መንፈስ ዝገልጽን፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ምእመን ብናይ ሓባር ቋንቋ ክጽልን ከምኡ እውን እቲ ድርገት ዝህቦ ሓገዝ ምእመናን ብናይ ሓባር ቅዱሳት ምስጢራት ዝግለጽ ናይ ቤተ ክርስቲያን ውህደትን ሱታፌን ክነብሩ ዘብቅዕ እዩ። እዚ ውህደትን ሱታፌን ኣብ ቅድስቲ ስላሴ ኣናስር ዘለዎን እቲ ብዙኅነት በቐጻሊ ዝተዓርቕን ሃብቲ ዘቓልሕን እዩ” ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይላኒ ኣስዒበን ቅዱስ ኣቦና መጽሓፍ ቅዳሴ ብስርዓት ላቲን እንክውጁ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ፦ ኣብ ህብረ ቋንቋ ዝንበር ብዙህነት በቲ ኣብ ሰማየ ሰማይ ዝነብር ኣቦ ብሊቀ ካህናት ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ከም መስዋዕቲ ዝቕበሎ እንኰ ጸሎት ክብ ብምባል ንምውፋይ ክከኣል መታን እዩ” ዝበልዎ ሓሳብ ከም ለበዋ ጠቒሶም ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.