2013-10-15 16:03:21

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ንምድሓና ፍጹም ሃይማኖተይናነት ንበይኑ እዅል ኣይኮነን፣ ክርስቲያን ካብቲ ዮናሳዊ ዓይነት ምልክታ ሕማም ናጻ ይኹን


RealAudioMP3 ትማሊ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ ማራታ ሕንፃ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ንጎሆ ከምቲ ልሙድ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንምድሓንና ሰናይ ግብርና ጥራሕ ንበይኑ እዅል እዩ ናብ ዝብል ምስሉይነት አመለኻኽታ ክመርሓና ንዝኽእል ዮናሳዊ ዓይነት ሕማም ምልክታ ብጽንዓት ምቅላስ ይግባእ” ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘስምዑ ነቲ ስርዓተ ቅዳሴ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ዮናሳዊ ዓይነት ሕማምን ዮናሳዊ ምልክታን” ዝብሉ ክልተ ዓይነት ተመሳሳሊ ሓሳብ ኣብ ዝተንተንሉ ስብከት፣ እቲ ብናይ ላቲን ስርዓት መሰረት ዝተነበ ወንጌል፦ “እዚ ሕሱም ውለዶ” ዝብል ኢየሱስ ዝተጠቀምሉ ቃል ዘቃልሕ ኮይኑ፣ ኢየሱስ ነዚ ቃል’ዚ ነቶም ብምሉእ ፍቕሪ ዝስዕብዎ ንዝነበሩ ዘይኮነስ ነቶም ናብ መጻወዲያ ነኽእትውዎ ዝፈታተንዎ ንዝነበሩ ናይ ሕጊ መምሃራርንን ሊቃውንቲ ሕግታትን ከምዝኾነ ገሊጾም፣ እወ ኢየሱስ ነዚኣቶም እዩ ሕሱም ወለዶ እንክብል ዝገልጾም፣ ምልክት ክርእዩ ምልክት ተኣምር ኣርእይ ዝብል ሕቶ እንከቕርብሉ ንሱ ድማ ካብቲ ትእምርቲ ዮናስ ዝዓበየ የሎን ከምዝበሎም፣ ነዚ ዅሉ እናጠቐሱ ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ዮናሳዊ ዓይነት ሕማም ምልክታ እዚ ድማ እግዚኣብሔር ነዓ ናብ ሕዝቢ ነነዌ ኪድ እንክብል ዮናስ ግን ናይ ገዛእ ርእሱ መሰረታዊ ሕጊ ብምስዓብ ሓጢኣተይናታት ባዕሎም መዋጽኢ ይፍጠሩ ኣነ መገደይ ክስዕብ ይበልጸኒ ቢሉ ናብ ስፐይን ይኸይድ፣ ብዙሓት እዚ ዓይነት ዮናሳዊ ተግባር ዝነብሩን ዝስዕቡን ከምዘለዉን፣ እዚኣቶም ድማ ድሕነት ዘይደልዩ ብምዃኖም ምስሉያት እያቶም እቲ ሓጢኣተይናን ዘይፈልጥን ድኻን ሕዝቢ ንገዛእ ርእሱ ምርሕራሕ ዝመርጹ ከምዝኾኑ እንከረድኡ፦ “እቲ ዮናሳዊ ዓይነት ሕማም ምልክታ፣ ማለት ናይ ነፍሳት ቅንኣት ዘይምህላውን ሕዝቢ ክልወጥን ክኣምንን ቅንኣት ዘይብሉን፣ ልኹይ ቅድስና ዝደልን ኣብ ዝተለኽይ ጽባቔ ዝኣምን እንተዘይኮይኑ ኢየሱስ ናይ ምብሳር ቅንኣት ዘይብሉ ማለት እዩ፣ ጐይታ ኣብ ቅድሚ በዚ ዓይነት ዮናሳዊ ሕማም ዝተጠቕዔ ሕዝቢ ግና ትእምርቲ ዮናስ ኢዩ ቃል ዝኣትው፣ ቅዱስ ማቴዎስ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ኣንበሪ ሰለስተ ለይትን ሰለስተ መስዓልትን ከምዝሓደረን እንክብል ዝገልጾ ትእምርቲ ናይ ጎይታ ኣብ መቓብር እዩ። ትእምርቲ ሞቱን ትንሳኤኡን እዩ። ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ምስሉይነትን ፍጹም ሃይማኖተይናነትን ኣብ ቅድሚ ፈሪሳውያንን ትእምርቲ ዮናስ እዩ ቃል ዝኣትው” ኢሎም ከም መጸብሓንን ሓጢኣተይናታትን ስለ ዘይገበርካኒ አመስግነካ ዝብልን እቲ ሓደ ድማ ሓጢኣተይና ኢየ’ሞ ኦ ጐይታይ መሓረኒ ዝብል ወንጌል ኣብ ቅድሚ ዝሕብሮም ክልተ ዓይነት ሰባት ኢየሱስ ዝኣትዎ ቃል ምሕረቱ ኢዩ፣ ብሞቱን ትንሳኤኡን ዝጸገዎ ምሕረት ኢዩ። ሞቱን ትንሳኤኡን ምሕረት ኢዩ፣ እቲ ዘድሊ ምሕረት እምበር መስዋዕቲ ከምዘይኮነ ቅዱስ ኣቦና እንከመልክቱ፦ “ትእምርቲ ዮናስ እቲ ሓቀይናን ብደመ ክርስቶስ ከምእንድሕን እምነት ዘንብረልና እዩ። በዚ ዘይኮነ በቲ ዝፍጽመዎ ተግባር ዝድሕኑ ምዃኖም ዝኣምኑ ብዙሓት እያቶም። እወ ተግባር ኣገዳሲ እዩ፣ ኰይኑ ግን እቲ ዝፍጸም ሰናይ ተግባር በቲ ዘድሕን ናይ ምሕረት ፍቕሪ ከምዘድሕነካ ናይ ዘሎ እምነት ሳዕቤን እዩ ክኸውን ዘለዎ፣ ብዘይ እዚ መሓሪ ፍቕሪ’ዚ ሰናይ ተግባር ንበይኑ ምንም ጥቕሚ የብሉን፣ እቲ ዮናሳዊ ዓይነት ምልክታ ሕማም ኣብቲ ናይ ውልቃዊ ፍትሒ ጥራሕ ዝኣምን ማለት ኣብ ናይ ውልቃዊ ሰናይ ግብሪ ምእማን ዝብል እዩ” ከምዝበሉ ጂሶቲ ገሊጾም።
“እቲ ዮናሳዊ ዓይነት ሕማም ናብ ምስሉይነት ዝመርሓናን ንጹሓን ክርስትያን ምዃን ጥራሕ ናብ ዝብል ርእሰ ብቕዓትን ዘውድቕን፣ እወ እዚ ሰናይ ተግባር እፍጽም፣ ዓሰርተው ትእዛዛት አኽብር፣ እዚ እዅል እዩ ንምድሓነይ ዘብል ዓይነት ሕማም እዩ። ዓቢይ ሕማም እዩ። እቲ ትእምርቲ ዮናስ ግን ትእምርቲ ምሕረት እግዚኣብሔር ኣብቲ ምእንቲ ድሕነትና ሞይቱን ዝተንስኤን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ምንባብ ቅዱስ ጳውሎስ ገዛእ ርእሱ ሓዋርያ እንክብል ክሰምይ ዝድርኾ ሕግታት ዝፈጸመን እቲ ዝተምሃሮ ስለ ዝፈጸመን ዘይኮነስ ብጸዋዕታን ስለ ዝተዓደሎ እዩ። ነቶም ማሕበረ ክርስቲያን ድማ፦ ‘ብኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝተጸዋዕኹም ኢኹም” ዝብል፣ ትእምርቲ ዮናስ ዘተሓሳስበና ድማ ንኢየሱስ ምስዓብን ኩላትና ሓጢኣተይና ከምዝኾንናን ብትሕትናን መሓርነቱን ሓጢኣተይና ከምዝኾንና ምእማን፣ ምሕረት ኣምላኽ ዝበጽሓናን ከምዝኾነን ምእማን እዩ። ስለዚህ ሓንቲ ጸዋዕታን ሓንቲ መልስን እዩ ዘሎ” ቢሎም ዮናሳዊ ሕማም ምልክታ ዲና ንደልይ ወይ ድማ ትእምርቲ ዮናስ? ዝብል ሕቶ ብምቕራብ ዘስምዕዊ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.