2013-10-13 14:26:44

1ይ ሰንበት ዘጽጌ 2006 ዓ.ም. 26 መስከረም 2006ዓ.ም. (10/6/13)


ማርያም ቀዳመይቲ ሓዋርያ እያ።መዝሙር፡ ትዌድሶ መርዓት እንዘ ትብል ነዐ ወልድ እኁየ ንፃዕ ሐቅለ. . . . ።
ንባባት፡ 1ቆሮ 1፡10- ፍ፥ 1ጴጥ፥ ግ.ሓ. 4 -12፥ ሉቃ 10፡1-12።
ምስባክ፡ 1. ፍሬ ጻማከ ተሤሠይ፥ ብፁዕ አንተ ወሠናይ ለከ፥ ብእሲትከ ከመ ወይን ስሙር ውስተ ጽርሓ ቤተከ። “ዕዮ አእዳውካ ዘፍረዮ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ ብፁዕ ኢኻ፥ መነባብሮኻ ኹሉ ኸአ ኺባረኽ እዩ፥ ሰበይትኻ አብ ውሽጢ ቤትካ ከም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን እያ” መዝ. 128፡2~3።
2. እስመ ፈተወ ንጉሥ ስነኪ፥ እስመ ውእቱ እግዚእኪ፥ ወይሰግዳ ሎቱ አዋልደ ጢሮስ በአምኃ። “ብመልክዕኪ ንጉሥ ክፈትወኪ እዩ፥ ንሱ ጎይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ፥ ሕዝቢ ጢሮስ ገጽ በረኸት ኬምጽኡልኪ እዮም” መዝ. 45፡11።
አብ ናይ ግዕዝ አቆጻጽራ ዘሎናዮ እዋን ካልአይ ክፍሊ ዓመት እዩ መጽው ይብሃል፥ ካብ 26 መስከረም ~ 25 ታሕሣሥ ዘሎ እዩ።
አብኡ ፫ ንኡሳን አዝማን ይርከቡ፡
1. ዘጽጌ፥ 6 ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ፥ ብ፩ ፪ ፫ ፬ ፭ ፮ ይፍለጥ። 2. ዘአስተምህሮ፥ ዘወረደ፥ ዘቅድስት፥ ዘምኵራብ ዘመጻጉዕ፥ ዘደብረ ዘይት 5 ሰናብቲ ዝሓዘ። 3. ዘስብከት፥ወይ ምጽአት ይብሃሉ። ዘስብከት፥ ዘብርሃን፥ ዘኖላዊ 3 ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ።
ዘመነ ጽጌ እምብአር ፮ ሰናብቲ ዝኀዘ እዩ። አብዚ እዋን ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቤተ ክርስትያን ዘለዎ ርክብ ክገልጽ ኢሉ ብአምሳል ርክብ መርዓትን መርዓውን ነቲ አብ መኀልየ መኅልይ “ንወዲ ኀወይ. . . . . መርዓት ትውድሶ” ዝብል መሰረት ገሩ ንምሕረት አምላኽ ይገልጽ። አብዚ እዋን አምላኽ ምስ ነፍሲ ወከፍና ርክብ ክፈጥር ይደሊ። እንተ ቐረብናዮ አብ ሕይወትና ተሓድሶን ለውጥን ክገጥመና እዩ።
ዘመነ ጽጌ ብፍሉይ ብማርያም አቢልና አብ ክርስቶስ ክንበጽሕ ዝሕግዘና ጊዜ እዩ። ሕይወት ማርያም አብነትና እዩ ንሳ ብኹሉ ንድላይ አምላኽ ሕራይ እናበለት ስለ ዝነበረት ዝዓበየት ቅድስት ንብላ። ንሳ ቀዳመይቲ ሓዋርያ እያ ብዛዕባ ወዳ ትነግረና ንሱ ዝበለኩም ስምዑ ትብለና።
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ንባብና ቅዱስ ሉቃስ ብዛዕባ እቶም ኢየሱስ ዝልአኾም 72(12x6) አርድእቲ ይነግረና፥ አብ ገለ ጽሑፋት 70 ዝብል ንርኢ እዚ ኸአ ምስቲ አብ ዘኁልቅ 11፡16-17 ዘሎ ሙሴ 70 ዓበይቲ ዓዲ ዝሓረዮ ክሰማማዕ ንማለት እዩ፥ አብ ዘጽአት 24፡1, 9-14 እቶም 70 ዓበይቲ እስራኤል ምስ ሙሴ አብ እምባ ደብረ ሲና ደይቦም ይብለና። አብ ዘኁልቅ 11፡26-30 ከምኡ አብ ሉቃ 9፡49 ዘሎ መሰረት ገርና እንተ ርኤና 70 ዝብል ብዝያዳ ተቐባልነት አልኦ። አብ ዘፍ 10 ወለዶ ሰባት አብ ዓለም ካብ 70 ወይ 71 ከምዝመጽአ ንርኢ። አብ ብዓለ ዳሳት አይሁድ አብ ኢየሩሳሌም አብ ቤተ መቕደስ 70 አብዑር ንመስዋዕቲ ሓሪዶም እዚ ኸአ ምእንቲ እቶም 70 ነገስታት አብ አምላኽ ክምለሱ ንማለት እዩ። ሉቃስ ኢየሱስ 72 አርድእቲ ልኢኹ ክብል እንከሎ ስብከተ ወንጌል ንአይሁድ ጥራሕ ዝተሓዝአ ከምዘይኮነ ከመልክት ኢሉ እዩ። እቶም አርድእት በብኽልተ አብቲ ንሱ ክኸዶ ዝሓሰቦ አቐዲሙ ልኢኽዎም፥ እዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ከአ ስብከተ ወንጌል ንግሊ አተሓሳስብ ዝሕደግ ከምዘይኮነ እንታይ ደአ ናይ ሓባር ወይ ናይ ማሕበር ከምዝኾነ ከመልክት ኢሉ እዩ። ዝኾነ ሰብ ብስም ክርስቶስ ዝሰብኽ ምስካልኦት አብ እምነት ክሓብር አልኦ ካብኦም ተፈልዩ ንበይኑ ክሰብኽ ባህሪ ወንጌል አይኮነን።
ኢየሱስ ነዞም አርድእቲ ክልእኮም እንከሎ መምርሒ ሂብዎም እዚ መምርሒ እዚ ሎሚ እውን ንነፍስ ወከፍና ዝከውን መምርሒ እዩ።
    እኽሊ ብዙኅ እዩ ዓየይቲ ግና ውሑዳት እዮም። እቶም አብ ዕዮ ምስ ኢየሱስ ብድለቶም ክዓዩ ዝደልዩን ዝልአኹ ውሑዳት እዮም። አብ ማቴ 9፡37 38 ቅድሚ ነቶም 12 ሓዋርያት ብተመሳሳሊ መገዲ ክልእኮም እንከሎ ንረኽቦ። ከምኡ አብ ዮሓ 4፡35 ንረኽቦ።

ብዛዕባ ጸዋዕታ ክንሰብኽ ከሎና ብዝያዳ እንጥቀሞ ምዕራፍ እዩ። ብዙሕ ጊዜ መጸዋዕታ ንዝያዳ ብዝሒ ካህናት፥ መነኮሳንን አርድእትን ዘስምዕ ገርና ንወስዶ። ብርግጽ ከምኡ እዩ እንተኾነ ኢየሱስ ነዚ ክብል እንከሎ ሓዋርያትን መነኮሳትን አይነበሩን፥ እዚ ሓሳብ እዚ ዝተባህሎ ንኹሎም ሰዓብቲ አብቲ ግራት ብዙሓት ዝዓዩ ክልአኹ ዝዕድም እዩ። አብዚ ክንጥንቅቐሉ ዘሎና ንርእስና ገሊልና አነ ብዓል ሓዳር እየ ድሮ ናታይ ተልእኮ አሎኒ ከይንብል። እቲ መጸዋዕታ ነንፍስወከፍና እዩ በብወገና መልሲ ክንህበሉ ዝሓተና እዩ። መልሲ ካብ ምሃብ ክንድንጉየሉ ዘይግብአና ጉዳይ እዩ። ኩልና አብ ግራት አምላኽ ክንዓዪ ዕዱማት ኢና።
    ኢየሱስ እቲ ተልእኮ ቀሊል ከምዘይኮነ የጠንቅቕ። “ከም አባግዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ”። መልእኽቲ ሰላም ፍቕሪ ሓልዮት ርትዒ ክንዲ ዘምጻእና አብ ክንዲ ብሑጉስ ገጽ ዝቕበሉና ብዓቢ ተቛውሞን ስደትን ንጽገትን እዩ ዝጓነፈና። መልእኽትና ከም ዘፍርሕ ነገር ክርአ እዩ። ሰባት ብጌጋ ክርድእዎን ብጠዋይ መገዲ ክርእይዎ እዮም። ምስክርነት እምነት መስዋዕቲ ይሓትት። ሰይጣን ዝተዓወተሎም ክቃወሙና እዮም ነዚ ፈሊጥና ኩሉ ጊዜ ንፈተና ንውርደት ስንድዋት ንኹን ሽዑ ክቐለና እዩ።
    አብ ተልእኮ ክርስቶስ ክትወፍር ከሎኻ ሓንት ምምላእ አየድልን፡ ኢየሱስ ብርእሱ አብ ሓንቲ ዘዕርፈሉ አይነበሮን እተን ዝተኸድነን ክዳውንቲ ጥራሕ እየን ነረንኦ። ብዙሓት በቲ ዝውንንዎ ተገዚኦም ይነብሩ። ገለ እውን ንብረቶም ከይጠፍኦም ብዝተራቐቐ መጋበሪ ክሕልውዎ ይሽገሩ። ክንህብትምን ብዙሕ ነገር ክንውንን ኢልና አብ እንጉዓዞ መገዲ መሰረታዊ ህያብ ነጻነትና ነጥፍእ። አብ መገዲ ዕላል ከየብዝሑ የጥንቅቖም፥ ንተልእኮኦም ከብጽሑ ክጓየዩ ይግባእ። እናተዛነኻ መልእኽቲ ወንጌል አይበጽሕን እዩ። አብዚ እዋን አብቲ ገፍሕ ግራት ውሑዳት ሰራሕተኛታት እዮም ዘለዉ።
    ልኡኻት ኢየሱስ መልእኽቲ ሰላም ዘምጽኡ እዮም። ሰላም ክብሃል እንከሎ ልዕሊ እቲ ዕግርግር ዘይብሉ እዋን እዩ ዘስምዕ። ሰላም ክብሃል እንከሎ አብ ውሽጢ ነፍስወከፍ ምስ ርእሱ ምስ ሰባትን ከባቢን ምስ አምላኽን ዘሎና ሰላም እዩ ዘስምዕ። “ገበርቲ ሰላም ዕዉታት እዮም ምኽንያቱ ደቂ እግዚአብሔር ክብሃሉ እዮም”። ካብዚ ዝበልጽ ህያብ ንሰባት ክነቕርበሎም አይንኽእልን ኢና። እዚ ማእከለ ናይ ክርስትያናዊ መልእኽቲ እዩ። እምነት ተስፋን ፍቕርን መፋትሕ ሰላም እየን። ልኡኽ ክርስቶስ ልኡኽ ሰላም እዩ።
    ሰባኽ ወንጌል አብታ መጀመርያ ዝተቐበለቶ ገዛ ክጸንሕ አልኦ። ዝበለጸ ቦታን ኩነታንን ክረክብ ኢሉ ሃዘው ክብል የብሉን። ብርግጽ ከም ልኡኽ አምላኽ መጠን ጽቡቕ ተቕባልን መዕረፍን ክውሃቦ ይግባእ “ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ”። እዚ እዩ ኢየሱስ ንባዕሉ ዝነብሮ ዝነበረ፥ እዚ ኸአ እዩ ከም ቀንዲ መምርሒ አብ ማሕበር ክርስትያን ክኸውን ዘልኦ፥ ሰባት አብ ነነድሕዶም ርክብ ክገብሩ ከምኡ አብ መንጎ ምትሕግጋዝ ክገብሩ ብዝያዳ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ቆላሕታ ክግበረሎም። አብ ማቴ 10፡10 ከምኡ አብ 1ቆሮ 9፡14፥ 1ጢሜ 5፡18 ዘሎ ክነጻጽሮ ንኽእል።
    ቀዳማይ ተልእኮ አርድእቲ ክርስቶስ አብ ዝኸድዎ ንሕሙማት ምሕዋይ እዩ። አብ ማቴ 10፡7-8 ሓደ ዓይነት ሓሳብ ንርኢ። ምሕዋይ ክብሃል እንከሎ ብገፍሕ ርድኢት ክንወስዶ ይግባእ፥ ማለት ሰውነት፥ ስምዒት፥ አእምሮን መንፈስን የስምዕ። ምሕዋይ ካብ ምሕማም ነጻ ምዃን ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ሰብ ከምብሓድስ ብምሉእ ክሉንትናኡ ምሕዋዩ ምሉእ ምግባሩ ማለት እዩ። ምሕዋይን ምልአትን አብ ሕይወት ግለ ሰባትን አብ ማሕበራትን ናይ መንግስቲ አምላኽ እንታይነትን ማእከል ስራሕ ኢየሱስን ናይ ተኸተልቱን እዩ። ከምዚ ከአ ይብሉ “መንግስቲ አምላኽ ቀሪባ እያ” እዚ ንስለ ዘረባ ኢሎም ዝብልዎ አይኮነን። ሕመረት ትምህርቲ ኢየሱስን መግለጺ ስለምንታይ ሰባት አብ ሕይወቶም ምሕዋይን ምሉአት አብ ሕይወቶም ይረኽቡን እዩ። እዚ እዩ ሳዕበን ናይ መንግስቲ አምላኽ ምምጻእ፥ እዚ እዩ ትርጉም ናይ መንግስቲ አምላኽ ምምጻእ። ናይ አምላኽ ኃይሊ ንሕይወቶም ሰንጢቑ ይአቱ እሞ ይሕድሶምን እንደገና ምሉአት ይገብሮም።

ሉቃስ መንግስቲ አምላኽ ዝብል 30 ጊዜ ይደጋግሞ፥ ማቴዎስ ልዕሊ 50 ጊዜ ይደጋግሞ። ወንጌል ማቴዎስ ናይ ብሓቂ ወንጌል ናይ መንግስቲ አምላኽ እዩ። እዚ መንግስቲ አምላኽ ዝብል ዝተፈላለየ ትርጉም ክህልዎ ይክአል፥ ዘለዓለማዊ መንግስትነት አምላኽ፥ አብ አካል ኢየሱስ ዝርከብ ንግስነት፥ አብ ግዙፍ አካል ኢየሱስ ዝርከብ ትስብእቱን፥ አብ ልዕሊ ሓዋርያቱን አብ ልዕሊ እቶም ንሶም ዝተኸልዎም ማሕበራትን መጻኢ መንግስቲ አብ ዝመጽእ ሕይወትን እዩ። ብሓጺሩ መንስቲ አምላኽ ናይ አምላኽ ግዝአት አብዚ ሕጂ ዘሎናዮ ዝመጽእ እዩ ዘስምዕ።
    አብ ዝኾነ ቦታ እንተ ዘይተቐበሉኹም ሓዲግክምዎም ናብ ካልእ ኪዱ። እቶም ነዚ ዝገብሩ ከይተረፈ መንግስቲ አምላኽ ከም ዝቐረበት ክፈልጡ እዮም። ኩሉ ጊዜ አብቲ ብምኽንያት መንስቲ አምላኽ ዝተነጽጉሉ አብኡ አብ መወዳእቲ አብቲ ዝለዓለ ክምለሱ ምሉእ ተስፋ አሎ። ንልኡኻት አምላኽ ዘይምቕባልን ምስዳዶምን ንርእሶም ከምቲ ንልኡኻት አምላኽ አብ ሰዶምን ጎመራን ብዘይምቕባሎምን አብ ዝገደደ ጥፍአትን ውርደትን እዮም ዝወርዱ። እቶም ንመልእኽቲ አምላኽ ሰሚዖም ዋጋ ዘይሃብዎ ብዝያዳ ተሓተቲ እዮም።

ነዚ ኹሉ ዝተባህለ ቃል ንቓሉ አብ ተግባራትና ብመንጽር ወንጌል ክርእዮ የብልናን፥ እንተኾነ ንጹር ዝኾነ መምርሕን ትርጉም ዘለዎ አካይዳን ሒዝና ክንከይድ ክንጽዕር አሎና። ብግልናንን ብሓባርን አብ ጉዕዞ ሕይወትና ክንሓስብ አሎና፥ ከመይ ገርና ትምህርተ ወንጌል አብ ግብሪ ከም እንውዕሎ ክንሓስብ አሎና። ምስቶም አብ ከባቢና ዝርከብ ወንጌል ክርስቶስ መምርሒ ሕይወትና ክንገብሮ ዓየይቲ አብ ግራት አምላኽ ክንከውን አሎና።
ምእንቲ ጸዋዕታ ኩሉ ጊዜ ክንጽሊ ይግብአና። ነቲ ዋና ስራሕ አብ ግራቱ እኹላት ዓየይቲ ክልእኽ ክንልምኖ አሎና። ነዚ እናገበርና ነፍሲ ወከፍና አብ ግራት አምላኽ ክንዓዪ ልኡኻት ምዃና ፈሊጥና እጃምና ክነበርክት ሓግዘና ንበሎ። አብ ግራት አምላኽ ዝወፍሩ ካልኦት አይኮኑን አነን ንሱኹምን ኢና። ንአምላኽ አብ ግራትካ ክንዓዪ ሓግዘና ንበሎ።
ማርያም ቀዳመይቲ አብ ግራት አምላኽ ክትዓዪ ፍቓደኛ ኮይና ንድላይ አምላክ ሕራይ ዝበለት አደና እያ። ደቂ ማርያም ኮና መጀመርያ ሕይወትና አብቲ አምላኽ ዝደልዮ መገዲ አትሒዝና ብዘሎና ሕይወትን ዓቕምን ወዳ ዝደልዮ ንግበር። ድላይ ወዳ ዝበለና ክንገብር እንከሎና እዩ። ንዝበደለና እንተ መሓርና ንዝተባእሰና እንተ ተዓረቕና ንዝጸገሞ እንተ ረዳእና ንኽፉእ ካባና እንተ አርሓቕና እዩ እሞ ብኹሉ ተሓዲስና አብጻሕቲ መልእክቲ አምላኽ ንኹን።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.