2013-10-10 15:52:56

ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ


RealAudioMP3 ማሕበረ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕ ምስ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ሰዓብቲ ዜጋታት ማእከላይ ምብራቕ ናይ ሕውነት መንፈስ ከሕይል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝለገስዎ እቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርቲ ክርስቶስ ምስ ኣጠቓለሉ ዘቕረብዎ ለበዋ ክኸውን እንከሎ፣ ኩሉ ምእንቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ክጽሊ ከምዘተሓሳሰቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።
ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሊባኖስ ድሕሪ ዝፈጸመዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ናይ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ መወዳእታ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ኣብ ዝቐረብ ናይ ሰላምታ መልእኽቲ ናይ ዓረበይና ቋንቋ እውን ክሕወስ ከምዝገበሩን እዚ ድማ ንማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቅርበትን ሓልዮትን ቅድስቲ መንበርን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ንምርግጋጽ ኣሚቶም ከምዝኾኑ እንክፍለጥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ትማሊ ነዚ ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ኛ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ሊቦኖስ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ምዃኑ ብምዝኽኻር ንምእመናን ካቶሊካውያን ማእከላይ ምብራቕ ብቛንቋ ዓረበይና፦ “ምእንቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዘይ ምስልካይ ጸልዩ። ምእንቲ ሶሪያን ዒራቕን ግብጽን ሊባኖስን ኣብታ ናይ ሰላም ንጉስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወለደላ ቅድስቲ መሬትን ሓድራ ጸልዩ። ናይ ክርስቶስ ብርሃን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ሰብን ኣብ ኵሉ ስፍራን ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ዓለም ክበጽሕ ጸልዩ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉን ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ዝተረኽቡ ናይ ከባቢ ሰሜን ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፦ ኩሉ ፍጥረት ሰብ ናይ ውህደትን ወትሩ ብፍስሓ ንኹሉ ፍጥረትን ኣብ ኩሉ ስፍራን ናይ ድሕነት ወንጌል ከበስሩ መታን ንመንፈስ ቅዱስ ካብ ምጽላይ ከይትቦኽሩ” ቢሎም ኣብ መወዳእታ ንኹሎም ብምትብባዕ በቶም ኣብ ዓለም ኣዚዩም ዝሳቐዩን ኣብ መከራን ሕሰምን ብዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተ ሰብ ንናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ስቓይን ቁስልን ጽን ክንብል ሓደራ ቢሎም፣ ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ንዘለዉ ናይ እስክንድርያ ስርዓት ዝኽተላ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ምዉዕቕ ሰላምታኦም ብምቕራብ ኣብ ከባቢ ባሕሪ ላምፔዱዛ ናይ ሞት ሓደጋ ነዘጋጠሞም ስደተይናታትን ዘኪሮም ብጸሎቶም ንቤተሰቦምን ንሃገሮምን ሕዝቦምን ቀረባ ከምዝኾኑ ብምርግጋጽ ነቶም ዝዓረፉ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ንቤተሰቦም ምጽንናዕ ካብ ልዑል ፈጣሪ ከምእተማሕጸኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.