2013-10-10 15:57:49

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ኣብ ደቡብ ኮርያ


RealAudioMP3 ኣብ ደቡብ ኮርያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕሸልን ውዕውዕትን ኣብ ውዕዉዕ ሕይወትን እትርከብ ከምዝኾነት ኣብ ደቡብ ኮርያ ናይ ስዎን ምቛም ሰበኻ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምኽንያት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣሕዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ ከምዝገለጹ ክምልከት እንከሎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ከምዝሕብሮ ሰበኻ ሱዎን ዕለት 7 ጥቅምቲ 1963 ዓ.ም. ብፍቓድን ውሳኔን ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዝቖመት ከምዝኾነት እንክፍለጥ ብፁዕነቶም ናይቲ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምቛም ሰበኻ ሱዎን ዝዓረገ መስዋዕቲ ቅዳሴ ብምስራዕን ከምኡ እውን ኣብ ቤተ መንግስቲ ሃገረ ደቡብ ኮርያ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ብሔር ፓርክ ጉአን-ሀየ ከምእተራኸቡን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ምስ ናይ ደቡብ ኮርያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ኣባላት ውሉደ ክህነት ሰበኻን ገዳማትን መንፈሳዊ ማሐብራትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ምስ ዓለማውያን ምእመናን እውን ከምእተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ኣብታ ኣብ ደቡብ ኮርያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተወለደትሉ ስፍራ ቾንጂናምን ኣብ ናይ ቅዱሳት ሰማዕታት ቾልቱሳን ቅዱስ ስፍራ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካይዱ ኣመልኪቱ፣ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝቖመት ቤተ ክርስቲያን ኣብ 50 ዓመት ውሽጢ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ካብቲ ዝነበራ 1.1 ሚእታዊ ብዝሒ ናብ 10.2 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለት ኣፍሊጡ።
ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካብ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፤ ኣብ ደቡብ ኮርያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንሕዝቢ ቀረባን ምስ ሕዝቢ ሓቢራ እትጓዓዝ ከምዝኾነትን ስለዚህ ካብ ላዕሊ ብጸቕጢ ዝቐረበት ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ምዃና እቲ ቅድሚ 200 ዓመት ኣቢሉ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝበጽሔ ወንጌል ሓሙሽተ ጥበበይናታት ዜጋታት ደቡብ ኮርያ ነቲ ወንጌል ክፈልጡን ብዑምቀት ከጽንዑን ብገዛ ፈቓዶም ናይ ዘርቕረብዎ ውሳኔ ኣሰር እትስዕብ ከምዝኾነት ገሊጾም ደሓር እውን ካብታ ናይታ ሃገር ሕዝቢ ልኡካነ ወንጌል የድልዩና ቢሎም ዘቐረቦ ሕቶ መሰረት ማሕበር ኣስፍሆተ እምነትን ማለት ፕሮፓጋንዳ ፊደን ቅድስቲ መንበርን ቀዳሞት ልኡካነ ወንጌል ብምልኣኽ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መልሲ ከምዝሃበትሉ ዝዘከሩ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ኣስዒቦም ይብሉ ሱታፌ ካቶሊካዊ ሕዝቢ ኮርያ ኣብ ቤተ ክርስቲያኑ ውዕዉዕን ዝነኣድን እዩ ኢሎም።
ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ኮርያ ዕሸልን ውዕዉዕ ሓይልን ዘለዋ ከምዝኾነትን ካህናታን ደናግላን ኮታ ኩላቶም መናእሰይን ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ምዃን ዘሎ ትጽቢታቶም ብኢየሱስ ዝተጸገወቶ መልስታቱ ዝሓዘት ብምዃና ተኣሚኖም ቀረባኣ እናኹነ በቢ ዕለቱ ብሓደሽቲ ኣባላት እትዓብይ እያ ቢሎም ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን ዝነኣድ እዩ፣ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. መንፈሳዊ ጥምረትን ሱታፌን ዘለዎም ምዃኖም ብቐረባ ከምእተዓዘቡ ገሊጾም ቅዱስ ኣቦና ደቡብ ኮሪያ ክበጽሑ ናይ ኩሉ ድላይን ሕቶን ሓንቀውታን እዩ እንክብሉ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.