2013-10-08 16:12:40

ክለኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሎሰቶን


RealAudioMP3 ትማሊ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሎሰቶ ንጉስ ለዝየ ሳልሳይን በዓልቲ ቤቶም ንግስቲ ማሰናተ ሞሃቶ ሰኢሶን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ እንከመልክት፣ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ልባዊ ምቅርራብን ምሕዝነትን ዝተንጸባረቐሉ ምንባሩን ክለኣዊ ርክባት ቅድስቲ መንበርን ሎሰቶን ሰናይ ከምዝኾነ ድማ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ከምእተሰመረሉን ኣኽብሮ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣብ ክለኣዊ ርክባት ዘለዎ ኣስተዋጽዖ ኣገዳሲ ከምዝኾነንን ከምኡ እውን ቅድስቲ መንበር ናይ ሎሰቶ ንጉስን መንግስትን ክንክን ጥዕናን ሕንጸትን ቀዳምነት ዝህበሎም መርሃ ግብርታት ብምዃኑ ቅድስቲ መንበር ብምምስጋን ኣብ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎትን ፍትሕን ሰላምን ኣብ መዳይ ሕንጸት እውን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እተበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዝተናኣደሉ ርክብ ከምዝነበረ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ኣብ መወዳእታ ኣብ ማሕበራዊ ስነ ምግባርን ስድራ ቤትን ናይ ሎሰቶ ፖለቲካውን ኤኮኖምያውን ርእሰ ጉዳያት ኣብ ዘማእከለ ርእሰ ጉዳያት እውን ሓሳብ ንሓሳብ ልውውጥ ከምእተገብረ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.