2013-10-08 16:15:04

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ኣብ ደቡብ ኮርያ


RealAudioMP3 ናይ ኣሕዛብ ስብከተ ወንጌል ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ከምዘለዉን ቅድም ክብል ተሓቢሩ ከምዝነበረ እንክዝከር፣ እዚ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 5 ጥቅምት 2013 ዓ.ም. ምስ ናይታ ሃገር ናይ ዘረኣ ክህነት ተመሃሮ ብምርኻብን ብዘቕረብዎ ምዕዳንን ከምዝተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።
እቲ ምስ መላእ ተመሃሮ ዘረኣ ክህነት ዝተኻየደ ርክብ ንመላእ ናይ ደቡብ ኮሪያ ዘረኣ ክህነት ተመሃሮ ብመንፈስ ዝሓሰበ ከምዝነበረን እቲ ኣብ ሰውል ምስ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣሕሉቕ ተመሃሮ ዘረኣ ክህነትን ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ደቡብ ኮሪያ እትርክበ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለዋ ውህደትን ተኣዝዞ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ብቓልን ተግባርን ዳግም ዝተሓደሰሉ ኩነት ከምዝነበረ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ኣብ መላእ ደቡብ ኮሪያ ልዕሊ 1, 500 ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ከምዘለዉን ዝከታተልዎ ምስንዳዋትን ዝረኽብዎ መንፈሳውን ሰብኣውን ባህላው ፍልስፍናውን ቲዮሎጊያውን ሕንጸት ዘለዎ ኣገዳስነት ብፁዕነቶም ኣረጋጊጾም እቲ ኩሉ ምቅርራባት ድሕሪ እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝዕደል ጸጋ ጸዋዕታ ስዒቡ ዝመጽእ ምዃኑ ኣነጺሮም ምልላይ ኣብ ጸዋዕታ ማለት ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣብሔርን ቤተ ክርስቲያንን ዘለዎ ተራ ኣመርኵይዞም ሰፊሕ ኣስተንትኖ ሂቦምን ኣብ ናይ ዘርኣ ክህነት ተመሃሮ ሕንጸት ናይ ከባቢ ብፁዓን ጳጳሳትን መምሃረን ዘርኣ ክህነትን ዘለዎም መንፈሳውን ሰብኣውን ሓላፍነት ዓቢይ ምዃኑ እውን ሓቢሮም፣ ካህን ናይ እግዚኣብሔርን ናይ ጸሎትን ናይ መንፈሳዊ ሱባኤ ሰብን ኣፍቃሪ ሊጡርጊያን ጸሎት ሰዓታትን ናይ ሕይወት ክቡር ዋጋ ዝነብርን ብመለኮታዊ ቃልን ጥበብን ዝተሃንጸ ክኸውን ከምዘለዉ ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።
ካህን ናይ ሃይማኖት ጉዳያት ናይ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዘይመንግስታዊ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ናይ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ መትከል ኣመሓዳርን ናይቶም ዝተጠቕሱ ቢሮክራሲያዊ ሕቶ ዝከታተልን ወንጌል ብዓይኒ ስነ ምርምር ፖለቲካውን ማሕበራውን ምስ ስነ ኣእምሮኣውን ገዛእ ርእሳዊ ተወክሶን ካብ መለኮታዊ ደረት ሰገር ወጻእነት ካብ ጭቡጥ ኩነት ወጻኢ ምስ ዝኾነ ኩሉ ብምስምማዕን ርሑቕን ዘይትስፉውነት ዝተምልኦን ካብ እግዚኣብሔርን ሰብን ርሑቕ ዝኾነ ሕይወት ዝነብር ማለት ከምዘይኮነ ብፁዕነቶም ከምዝተንተኑ ዘመልከተ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም መግለጺ ኣሲዒቡ ኣብ ፍጻሜ ዘቕረብዎ ምዕዳን ንመላእ ብፁዓን ጳጳሳት ደቡብ ኮርያን ናይ ዘርኣ ክህነት ተመሃሮን መምሃራንን መንፈሳዊ ማሕበራትን ኣሕሉቕ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ብጠቕላላ ንመላእ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣመስጊኖም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ኮርያ ተስፋ እትውክልን ሕያውን ብመላእ ካቶሊካዊ ዓለም ተደናቒትን ኣብ መላእ እስያ ሰናይ ተፈላጥነት ዘለዋ እያ ከምዝበሉ ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.