2013-10-05 16:20:49

ሳልሳይ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ኣሲዚ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 04 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሓላዊ ቅዱስ ኢጣሊያ ኣብ ዝተባዕለሉ ዕለት ኣብ ኣዚሲ ሓውጾተ ኖልዎ ከምዝፈጸሙ እንክምልከት እዞም ንመጀመሪያ ጊዜ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ድኻ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ኣሲዚ ሽም nናይ ተከታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስሞም ዝሓረዩ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ መሬት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሓውጾተ ኖልዎ ክፍጽሙ ብዝተፈላለየ መንፈሳውን ሰብኣውን መልክዑን ናይ ብዙሓትትን ናይ መላእ ዓለም መራኸቢ ብዙኃን ከበሃል ይከኣል ብቐረባ ብዝተፈላለየ መዳያቱ ኣቃልቦ ዝሰሓበን ብምክትታል ትንታኔ ዝሃቡሉ ከምዝኾነ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሬኤላ ቸራዞ እንክሕብራ፣ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሓላዊ ኢጣሊያ ቅዱስ ፍራንቸስኮን መደብ ሓውጾተ ኖሎው ቅዱስ ኣቦና ኣብ ከተማ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዋዜማ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ መንፈስ ቅዱስ ፍራንቸስኮ የድልየና” ከምዝበሉ ዝሓብራ ልእኽቲ ጋዜጠና ራዲዮ ቫቲካን፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መሬት ድኻ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሓውጾተ ኖልዎ ዝፈጸሙ መበል 19 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝኾኑን እቲ ዝሓርይዎ ስም ኣንፈትን ኣድራሻን ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ዝነጽርን ኣብ ኣሲዚ ዘስምዕዎን ዝለገስዎን ስልጣናዊ ስብከትን ኣስተምህሮን ኩሉ ተስፋን ዝህብን እምነት ዘበራትዕን ንመላእ ሕዝቢ ዘነቓቕሕ ከምዝኾነ ይንገር ገሊጸን።
ኣብ ኣሲዚ ዝሕተማ ዕለታዊ ጋዜጣታት፦ “ፍራንቸስኮ እንቋዕ ብደሓን ተመለስካ” ብዝብል ኣርእስቲ ብምግላጽ ሰፊሕ ትንተና ከምዝሃባሉን፣ ኣብቲ ናይ ኣሲዚ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ዳግማይ ሕይወት ቅዱስ ፍራንቸስኮን ናይ ቤተ ክርስቲያን ታርኻዊ ከይዲ ዝለወጠን ተግባር ዝተንጸባረቐሉ ከምዝኾነ እውን ከዘስመራሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ሓቢረን።
ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ መካነ ንግደት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብ ዝኾነ ቦታ መንፈሳዊ ንግደት ንኽፍጽሙ ንግሆ ሰዓት ሰዓት ሸውዓተን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቒቓ ኣብ ኣሲዚ ኣብ ዝርከብ ተቛም ሰራፊኮ ኣደባባይ በጺሖምን በቶም በተቛም ሰራፊኮ ዝተፈላለየ ክንክን ጥዕና ዝግበረሎም ልዕሊ 100 ዝኾነ ብዝተፈላለየ ከቢድ ሕማም ዝተጠቕዑ ሕጻናት ኣቀባብላ ተገይሩሎምን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ሓጺር ናይ ሰላምታ ቃል ምስ ቀረበሎም ብምቕጻል ቅዱስነቶም፦ “እቶም ብዝተፈላለየ ሕማም ዝተጠቕዑ የሕዋትና ኣብ መንጎ ስቓይን ቁስልን ኢየሱስ ከምዘለና ጭቡጥ ምልክት ኣያቶም” ቢሎም ነቶም ኣብ መገዲ ኤማሁስ ሓዚኖምን ጒይሆምን ዝጓዓዙ ዝነበሩ ክዝክሩ ዝደርኾም ኩነት ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ ኢየሱስ ምስኦም ይጓዓዝ ከምዝነበረን፣ ደቀ መዛሙርቲ ቅንዋቱ ምስ ኣርኣዮም ከዘለልይዎን እንጌራ ኣብ ዝነበረሉ ድማ ንሱ ኣብኡ ከምዝነበረን ኣብቲ እንጌራ ጎይታ ከምዘሎን ንሱ ባዕሉ ከምዝኾነን ኣብ ቅድሚ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣካል ከምዘለናን ንኣኡ ከነስተንትን ዘነጸረ ሓሳብ ኣቕሪቦም፣ ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ኣካል ጽን ምባል ከምዘድልን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝሳቐ ኣካል ኣብኡ ኢየሱስ ከምዘሎ ኣነጺሮም፣ ድሕሪ ትንሳኤ ጎይታ ጽባቔኡ ኣዚዩ ከምዝጎለሔን ኮይኑ ግን ምልክታ ቅንዋቱ ምስኡ ከምዝተርፍ ገይርዎ እዩ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝሳቐ ኣካል ናይ ጎይታ ኢየኡስ ስቓይ ኢና ንፍውስ፣ ቢሎም ጎይታ ይባርኽኩም ኣብ ነፍሲ ወከፍኩም ድማ ፍቕሩ ይውረድ፣ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ስቓይ ኢየሱስ ናተይ ስቓይ እዩ ቢሉ ድምጹ የስምዕ፣ እዚ ድማ ኣንሕና ክርስቲያን መታን ጽን ክንብሎ እዩ ከምዝበሉ እንክምልከት ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብታ ሃገር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሓውጾተ ኖልዎ ክፍጽሙ ምሕራዮም ከም ጳጳስ ናይ ሮማ ዝሓረይዎ ስም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥራዊ ተልእኾኦም ብምዃኑን ናይ ፍቅሪ ንግደት ንምጻምን ኣብቲ ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ክለብስ ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝቐንጠጠን ኣብነት ክርስቶስ ስዒቡ ድማ ድኻታት ምሉእ ብምሉ ዘፍቀረ ኣብ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ቅዱስ መቓብር ንምጽላይ ከምዝኾነን፣ ኣብ ሕይወት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘማእከለ መንፈሳውን ሰብኣውን ክውን ታሪኽ ዳህሲሶም ዝተናዕቁን ብዝተፈላለየ ስጋውን መንፈሳውን ሕማምን ካብ ሕብረተሰብ ንዝተነጸሉን ከፍቅር ከምዝበቕዔን በዚ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ምሕረት እግዚኣብሔር ከምዝዓሰሎ ተመልኪቱ ከምዘሎ ኣገንዚቦም እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋንን ሕብረተሰብን ኣክንዲ ካብ ናይ ምንእጋድ ባህሊ ነቲ ድኹምን ድኻን ተነቃፍን ዝኾነ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምንጻግን ናይ ምውጋድን ባህሊ ዝነብር ኰይኑን ከምዘሎን ታሪኽ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ናይ ምፍቃርን ምእንጋድን ባህሊ ክንንበር ብቓልን ሕይወትም ምስክርነት ከምዝኾነ ገሊጾም።
ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም ሰዓት ትሽዓተ ኣብ ቅዱስ ዳሚያኖ ቅዱስ ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ሰዓት ትሸዓተን ፈረቓን በቲ ኣብ ኣሲዚ ብናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ረድኤት ጨንፈር ካሪታስ ምስ ዝርድኡ ድኻታት ኣብ ናይ ኣሲዚ መንበረ ጳጳስ ከምእተራኸቡ እንክምልከት ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ናይ ኣሲዚ ጳጳጳስ ዝቐረበ መልእኽቲ ቅጺሎም ካብቲ ዝቐረበ መልእክቲ ሓደ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ገዛእ ርእሱን ኣልባሱን ኣብ ቅድሚ ወላዲኡ ዝቐንጠጠሉ ምሉእ ብምሉእ ንኢየሱስ ከምዘወፈየ ዝመስከረሉ ስፍራ ድሕሪ 800 ዓመት ዝፍጸም ዘሎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምዃኑ ከምእተሓበሮም ዘኪሮም፣ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ገዛእ ርእሱ ዝቐንጠጠሉ ቅዱስ ስፍራ ነቢያዊ ቅዱስን፣ ናይ ጸሎትን ናይ ምሉእ ፍቅሪ ተግባር ከምዝፈጸመን ገሊጾም፣ ድኽነት ከምዝመረጸን ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ወይ ድማ ስነ ማሕበራዊ ምራጫ ዘይኮነስ ንኢየሱስ ምምሳል ዝሓረየሉ ተግባር ዘነጸረን ነቲ ኣብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲሲዩስ ዝጸሓፎ ኣብ ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 6 ክሳብ 8 ዘሎ ኢየሱስ ዝኾነ ክኸውን ከምዝሓረየ የረጋግጸልና ከምዝበሉን ካብዚ ቅዱስ ተግባር ናይ ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ምሉእ ብምሉእ ክርስቶስ ንምምሳል ክማረኽ ሓደራ ቢሎም፣ ዕርቃንና ወጺእና ነቲ እውነተይና ልብስና ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንለብስ ከምዘሎናን እዚ ተግባር’ዚ ድማ ካብ ፍቕሪ እዩ ዝምንጭው ከምዝበሉ ቸራዞ ገሊጸን።
ካብዚ ብምቅጻል ናብታ ዓባይ ቤተ ክርስትያን ናይ ቅድስቲ ማርያም ሳንታ ማርያ ማጆረ ብምኻድ ናይ ግልን ጽሞናን ጸሎትን ስግደትን ፈጺሞም ሰዓት 11 አብ ቅርዓት ባዚሊካ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ምዕራጎም ኣብቲ ባዚሊካ ናይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞምን ኣብ ቅዱስ መቓብር ቅድስ ፍራንቸስኮ ጸልዮምን ተሳሎሞምን ምስ ኣብቕዑ ኣብቲ ቅርዓት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ባዚሊካ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፦ “ወንጌላዊ ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ምዕራፍ 11 ፍቕዲ 25 ‘… ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዚ ካብ ብልህታትን ኣስተውዔልትን ስለ ስሓባእካዮን ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ አመስግነካ…’ ዝብል ካብ ናይ ዕለቱ ምንባበ ወንጌል ጠቒሶም “ቅዱስ ፍራንቸስኮ በቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ሰላም ወሰናይ ዝብላ ቃላት ኣቢለ ኣብዚ ናይ እምነትን ጸሎትን ዓቢይ ታሪኽ ዝተነበርሉ ቅዱስ ሥፍራ ምምጻኡክም አመስግነኩም፣ ኣነ ከም ኩሉ መንፈሳዊ ነጋዲ ኣብዚ ቅዱስ ስፍራ መጺኤ እቲ ጐይታ ነቶም ዝነኣሱ ሕፃናት ብዝገለጾ ዘበሉ ኩሉ ምሳኹም ሓቢረ ክጽልን ክውድስን ኣብዚ እርከብ” ቢሎም ታሪክ ሕይወት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ካብ ሃብታም ነጋዳይ ኣቦ ዝተወልደ ክነሱ ምስ ኢየሱስ ምራኻቡ ካብታ ዝተናወጸትን ዘይትግደስን ብኸም ድላየይ እትነብር ሕይወት ገዛእ ርእሱ ክቕንጥጥን እመቢየት ድኽነት ክምርዓው ከምዘብቕዖን ማለት ከም ሓደ ውላድ ናይቲ ኣብ ሰማይ ዝነብር ኣቦ ኮይኑ ክነበር ከምዝደረኾ ቅዱስ ኣቦና ተንቲኖም ኣብዚ እዋን’ዚ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ታሪኽ ኮይኑ ዝዝንተውን ብቃላት ዝግለጽን ዘይኮነስ እንታይ ይብለና እንታይ ይብለኒ ክንብል ከዝግበኣናን፣ ክርስቲያን ምዃን ማለት ምስ ኣካል ኢየሱስ ህያው ርክብ ምንባር ማለት፦ “ክርስቶስ ምምሳል ምለት ምዃኑ የረጋግጸልና….” ቀጺሎም ቅዱስ ማቴዎስ ምዕ.11 ካብ ፍቕዲ 28-29 “ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ፣ ኣነ ለዋህ እየ፣ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ ኣርዕተይ ጹሩ፣ ካባይውን ተምሃሩ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም’ ብካልኣይ ደረጃ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብ ሕይወቱ ዝመስከሮ ድማ ነዚ ቃል ወንጌል ምዃኑ ተንቲኖም፣ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብ መዝሙሩ፦ “ናይ ልዑላን ልዑልን ከሃሌ ኵሉ ሰናይ ጐይታ ምስ ኩሉ ፍጥረትካ እትውደስ” ብዝብላ ቃላት ዝዝየም ጥራሕ ዘይኮነ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብ ሕይወቱ ምስ ፍጥረትን ተፈጥሮ ምስቲ ናይ እግዚኣብሔር ስርሓት ዝኾነ ፍጥረት ኩሉ ጥዑም ውሁድ ቅንይትን መዝሙርን ገይሩ ብተግባር ዝነበሮ ከምዝኾነ ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ ዓለም ኣብ ውሁድ ጥዑም ቅንይት መታን ክነብር ጸልዮም በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ኣብ ከባቢ ማእክላይ ምብራቕን ሶሪያን ዘሎ ግጭት ተወጉዱ ሰላም ክወርድ ኣማልድነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ተማሕጺኖም፣ እግዚኣብሕር ምሕረቱ እምበር ክፍኣትና ኩነኔ ኣይኮነን፣ ጸጋኡ እምበር ዘየመስግን ተግባር ምቕራብ ኣይኮነን ወትሩ ምሕረቱ ክንርእን ኣብ ከተማ ኣሲዚ ዝገለጾ ፍቕሩን ምሕረቱን ወትሩ ህያውን እዛ ከተማ ናይቶም ጐይታ ዘፍቕሩን ዝፍልጡን ስሙ ዝባርኹን ክትኸውን ጸልዮም ስምካ ንወትሩን ንዘለኣለምን ይባረኽ ኣሜን ብዝላ ቃላት ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓሉሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ሓቢረን።
ድሕሪ ቅዳሴ ከአ ንቕርያት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ክሳለሙን ብግሎም ጸሎት ኣዕሪጎምን አብዚ ዓመት እዚ ብናይ ኡምብርያ ዞባ ምእንቲ ሓላዊ ቅዱስ ሃገረ ኢጣሊያ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣማላድነት ዝቀረብ ናይ መብጽዓ ናይ ዘይቲ መብራህቲ ኣብሪሆም ኣብ ቅድስት ማርያም ዘመላእክት አብ ዝርከብ መዕርፎ ባቡር ዝርከብ ብሰበኻ ደረጃ አገልግሎት አብ ዝወሃበሉ ቦታ ቤት ማእዲ ድኻታት ምስቶም ዝርድኡ ድኻታት ሓቢሮም መኣዲ ምሳሕ ተቛዲሶም፣ ሰዓት 2፤30 አብቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮን ኣሕዋቱን ዝጸለይሉን ዘስተንትኑሉን ዝነበሩሉ በዓቲ ንግደት ፈጺሞ ኣብ ቅዱስ ሩፊኖ ካተድራል ምስ መላእ ናይ ሰብኻ ካህናትን ደናግልን መንፈሳዊ ማሕበራት ኣባልትን ተራኺቦም ንዝተገብረሎም ምዉቕ ኣቀባብላ ኣመስጊኖም እቲ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝገብረና ጸጋ ምስጢረ ጥምቀት ዘለዎ ክብሪ ዘዘኻኸረን ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝገብረና ምዃኑ እውን ኣረዲኦም ኩላትና ብውህደትን ጥዑም ቅንይትን ሱታፌን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ከምዝኾናን ቃል ኣምላኽ ጽን ምባልን ኣብ ጐይታ ብሓባር ምጉዓዝን ስዒቡ ድማ ቃል ኣምላኽ ምብሳር ዝብሉ ነጥብታት ኣገደስቲ ምዃኖም ተንቲኖም ምስ ካልኦትን ንኻልኦትን ንምርኻብ ናብ ካልኦት ምንቃል ከምዝግባእን ናብቲ ናይ ህላዌነት ወጻኢ ተባሂሉ ዝሕሰብ ስፍራ ምኻድ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም ቡራኬ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም ሕጉሳት ሓዋርያት ናይ ጐይታ ክኾኑ ጸልዮም ምስ ተፋነዉ አብ መወዳእታ ነተን ማንታ ፍራንቸስካውያን ማኅበር መናንያን ደናግል ቅድስቲ ኪያራ ክራኸቡ አብ ናይ ቅድስት ክያራ ባዚሊካ በጺሖም ኣብ ቅዱስ መቓብር ቅድስቲ ኪያራ ጸሎት ኣዕሪጎም ምስተን መናንያን ደናግል ብሓባር ጸልዮም ንዝተገብረሎም ኣቀባብላ ኣመስጊኖም፣ ማእከልነት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕይወት ክርስትናን ኣብ ሕይወት ምንኵስናን ገሊጾም፣ እተን ደናግል ምእንታኦም ክጽልያ ሓደራ ቢሎም ተፋንዮም፣ ሰዓት 5ን ፈረቓን አብቲ ናይ ስርየተ ኃጢአት ቦታ ፖርዚኡንኮላ አብ ባሲሊካ ቅድስት ማርያም ዘመላእክት ናይ ግሊ ናይ ጽሞና ጸሎት ምስ ኣዕረጉ፣ ምስ መንእሰያት ተራኺቦም ካብቶም መንእሰያት ንዝቐረበሎም ሕቶ ሓደ ብሓደ ጽን ምስ በሉ ህሉው ኩነታት መንስእሰያትን ንመንእሰይ ዝኸቦ ዘሎ ናይ ንኣይነትን ኣነነትን ቀጥዒ ኣልቦ ዕንደራን ዝብል ባህሊ ተንቲኖም ወንጌላዊ ኣብነት ሕይወት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ቅድሚ ምልዋጡን ድሕሪ ምስ ኢየሱስ ምርኻቡ ዝነበሮ ሓጎስ ዘርዚሮም ከም ፍራንቸስኮ እምነት ንበሩን መስክሩን፣ ወይ ወርቂ ወይ ሃብቲ ንምሃብ ዝተጸውዑ ከምዘይኮኑ ኣገንዚቦም ምስ ክርስቶስ ተራኺብካን ንኣኡ ተቐቢልካን ንኣኡ ምብጻሕ እዩ ምሉእ ሓጎስ ቢሎም፣ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ኣመስጊኖም ምስ ተፋነዉ ሰዓት 06፣ 45 ደቂቓ መካነ ንግደት ሪቮቶርቶ ብምኻድ ኣብ ባዕቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ መንፈሳዊ ንግደቶም ፈጺሞም ካብ ኣሲዚ ሰዓት 07፣15 ደቂቓን ነቒሎም ሰዓት ሾመንተ ኣብ መንበሮም ሃገራ ቫቲካን ከምእተመልሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.