2013-10-04 09:02:51

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓባበርቲ ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ኣባይቲ ምሕደራ ሕዳሴ ቅዋም


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ኮይኖም ምስ ተሓርዩ እቲ ዘለዎም መደብ ሕዳሴ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ ቅዋም ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣሚቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተዋጽኡ ሸሞንተ ብፁዓን ካርዲናላት ዘቖሙዎ ጉጅለ ኣማኸርቲ ብፁዓን ካርዲናላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቅዱስነቶም ናይ ግሊ ቤተ መዝገብ ንሰለስተ መዓልቲ ኣኼባ የካየድ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ከመልክት እንከሎ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቖሙዎን ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣኼባ ነኸካይድ ዝጸውዕዎ ቤተ ምኽሪ ካርዲናላት እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ላዕለዎት ተሓባበርቲ ኣባይቲ ምሕደራ ዝኽተሎ ሓዋርያዊ ሕያዋይ ጓሳ እተሰምየ ሓዋርያዊ ቅዋም ንምሕዳስ መደብ ዘለዎ ኽኸውን እንከሎ ትማሊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት እቲ ልሙድ ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምኽንያት ንጎሆ ኣብቲ ናይቲ ቤት ምኽሪ ካርዲናላት ኣኼባ ከምዘይተሳተፉ ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣስዒቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ካርድናላት፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘስምዕዎ ኣስተንትኖን ኣብ ስነ ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተኮረ ብዘቕረብዎ መእተዊ ከምእተበገሰን፣ እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እቲ ቤተ ምኽሪ ብፁዓን ካርዲፍላት ዝኽተሎ መደብ ሕዳሴ ኣብ ውዳቤ ዘተኮረ ጥራሕ ኮይኑ ከይተርፍ መታን ቤተ ክርስቲያናዊ ቲዮሎጊያን መንፈሳዊ ቲዮሎጊያን ራእይ ዘለዎን ብኻልኣ ደረጃ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ግብሪ ንምውዓል መታን ክሕግዝ ኣሚቶም ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣባ ሎምባርዲ ኣስዒቦም፣ ድሕሪ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ኣስተንትኖን መእተውን ኣባላት ቤት ምኽሪ ብፁዓን ካርዲናላት እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክትግበር ተስፋ ዘንበረሉ ብዛዕባ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያንን ርክብ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣብ ከባቢታት እትርከብ ፍልይቲ ቤተ ክርስቲያንን እዚ ድማ ሱታፌነትን ተሳታፍነትን ጉባኤነትን ብምቕጻል ጉዳይ ድኻታት ቤተ ክርስቲያን ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣገልግሎትን ምትሕብባርን ተቛማት ቤተ ክርስቲያንን ናይ መላእ ኣባላት ቤተ ክርስስቲያን ሓላፍነት ምእንቲ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝምልከት ከምዝኾነን፣ ነዚ ጉዳይ’ዚ ቲዮሎጊያውን መንፈሳውን መዳያቱ ምብድሕሳስ ቀዳማይ መዓልቲ ጉባኤ ከምእተጠናቀቐን ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ብዛዕባ ክካይድ ዘለዎ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ዘተ ከምእተኻየደ ናይቲ ንኽካይድ ብመደብ ዝተተሓሓዘ ሲኖዶስ ርእሰ ጉዳይ ሰብን ስድራ ቤትን ብመንጽር ወንጌል ዝብል ኮይኑ ፍረ ነገሩ ድማ ስነ ሰብኣዊ ጉዳይ ዝምልከት ከምዝኾነ ብዛዕባ ሲኖዶስ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ዝተመያየጠ እውን ብምንባሩ ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ዝተፍመልከተ ኣኼባ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝተሓርዩ ብፁዕ ኣቡነ ሎረንዞ ባልዲሰሪ ከምእተሳተፉ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም።
እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ብቐጥታ ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝከታተሎምን ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ኣዚዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ዘሎ ብዛዕባ ስድር ቤትን ምስጢረ ተክሊልን ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ርእሰ ጉዳይ ፍሉይ መጽናዕቲ ክግበርን ብዛዕባ እዚ ድማ እቲ ክካይድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝመያየጠሉ ቀንዲ ርእሰ ጉዳይ ብምዃኑን ካብ ናይ ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ፍሉዩ መጽናዕቲ ክካይድ ሓሳብ ከምዝቐረበን ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም፣ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ተሓባበርቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ምሕደራ ዝኽተሎ መዋቕር ንምሕዳስ ዝብል ዕላማ ዘለዎ ብቕዱስ ኣቦና ዝተጠልበ ኣኼባ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ሓላፍቲ ሓዋርያዊ ምሕደራን፣ እዚ ድማ ዕማማቱን ውዳቤኡን ከምኡ እውን ውዳቤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ሓዋርያዊ ቤተ ጽሕፈት ኣብ ዝምልከቱ ነጥብታት ሓሳብ ከምዝቐረበ ገሊጾም፣ ኣብ መወዳእታ ይብሉ፣ እቶም ብቕዱስ ኣቦና ዝተመዙ ኣባላት ቤት ምኽሪ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ዓለም ወከልቲ ዘይኮኑስ እንታይ ደኣ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣባላት ስለ ዝኾኑን ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸገማት ኣዚዩም ዝፍልጡን ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝድነቑን ዝተኣማመኑሎምን እያቶም ቢሎም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.