2013-10-04 09:07:19

ብፁዕ ኣቡነ ማምበርቲ፦ ዝስተ ጽሩይ ማይ ንዅሉ ክባጻሕ መታን ኣብዚ ጉዳይ ሃብቲ ገንዘብ ምውፋር ኣድላዪ እዩ እቲ መሰረታዊ ሕቶ ግን ሰላም እዩ


RealAudioMP3 ኣብ ኒው ዮርክ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ መበል 68 ክፍለ ጉባኤ ዝሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ዋና ጽሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒክ ማምበርቲ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ንምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ሰላምን ንናይ ምዕባለታት ሸቶን ንኹሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምርጋግጽ ምቹእን ዝሰማማዕን ኩነት ሰላም እዩ። ብዘይ ሰላም ምንባር ንገዛእ ርእሱ ስለ ዘይህሉ ዝኾነ ይኹም መንግስቲ ምንእንቲ ናይ ኩሉ ሕዝቢ ረብሓ ሓላፍነቱ ክስከም ይግባእ” ከምዝበሉ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ልእኽቲ ጋዜጠይና ሊዛ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።
እዚ ድሕሪ መደብ ምዕባለ 2015 ባይታ ንምጥጣሕ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝዘተየ ዋዕላ ሕቡራት መግንስታት ዓለም፣ ብፁዕ ኣቡነ ማምበርቲ እዚ ርእሰ ጉዳይ’ዚ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣነጺሮም እቲ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ክሳብ 2015 ዓ.ም. ክረጋገጽ ዝሓንጸጾ መደብ ምዕባለ ሚለኒዮም ሎሚ ክግምገም እንከሎ እቲ ክብጻሕ ተባሂሉ ተሓቂኑ ዝነበረ ሸቶ ብምኽንያት ሕጽረት መጋበርያ ክወናኡ ብኵላውነት ደረጃ ተዓቲሩ ክበሃል ከምዘይከኣል ገሊጾም፣ ብፍላይ ድማ ድሕሪ 2008 ዓ.ም. ዝተኸስተ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ቁጠባን ኤኮኖምን መላእ ሃገራት ዓለም ሓላፍነት ዝዓሰሎን ምዕሩይን ከይዲ ቁጠባን ኤኮኖምን ንምንቕቓሕ ዘብቕዕ ሓድሽ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኤኮኖሚ ፖለቲካ ዳግም ከነጽራን ከምኡ እውን ብኹለን ሃገራት ዓለም ተቐባልነት ዘለዎ ሓድሽ ናይ ዓለም ለኻዊ ቁጠባ ስልቲ ከቐውም ይግባእ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዘንጋሪኒ ኣስዒበን እቲ ክብጻሕ ዝተሓቀነ ሸቶን ተዓቲሩ ዝበሃል ዝሎ ተበጽሖታት እቲ ኣዚዩ ኣብ ድኽነት ናይ ዝነብር ሕዝቢ ዓለም መነባብሮ መታን ክመሓየሽ ምስቲ ተበጺሑ ዝበሃል ውጽኢት ምንጽጻር ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ሓቢረን።
እቲ ሕመረትን ቀንዲ ግድል ኮይኑ ዝተርፍ እቲ ብዘይ ብኣኡ ምዕባለ ክህሉ ዘይከኣል ምዃኑ ዝንገረሉ ሰላም እዩ። ምእንቲ’ዚ እቲ ማሕበረሰብ ዓለም ቅድሚ 70 ዓመታት ኣቢሉ መሰረታዊ ሕቶ ገይሩ ንኸራጋግጾ ዝተበገሰሉ ድላይ ሰላም ዳግም ምልስ ቢሉ ክሓስቦን ነቲ መሰረታዊ ሕቶ ዳግም ምምላስ የድልዮ፣ እዚ ድማ ዝተኸስተን ዝኽሰትን ግጭትን ዓመጽን ብሓይሊ ናይ ውግእ ኣጽዋር ፍታሕ ክረክብ ዝብል ምርጫ ንምድራት ካብ ዝብል ድላይ ዝብገስ ክኸውን ከምዘለዎ ገሊጾም ሎሚ እውን እቲ ብሑቡራት መንግስታት ዓለም መፍትሒ ተባሂሉን ግጭት ከይህሉ ኣሚቱ ዝኽተሎ መደብ ሰላም ዋሕስ ከይኮነ ዝተርፍ ምዃኑ ኣብ ኮንጎን ማእከላይ ኣፍሪቃን ከምኡ እውን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ህሉው ኩነታት ዝምስክሮ እዩ፣ ኮይኑ ግን ሰላም ንምርግጋጽ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዘካይዶ ጻዕሪ ብሓፈሻኡ እወታዊ ክበሃል ይከኣል ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።
ጉዳይ ሶሪያ ንምፍታሕ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያንን ንኡሳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ሶሪያ ንስደት ዝዳርግ ዘሎ ዓመጽ ንምውጋድ ቅድስቲ መንበር በሕታዊ መፍትሒ ቢላ እተቕርቦ ሓሳብ ናይዞም ንኡሳን ክፍሊ ሕብረሰብ ስደት ዝገተእ ምዃኑን ካብ ስደት ተላቒቖም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶምን ሃገሮም መጻኢ ጉዳይን ረብሓ ኩሉ ዜጋን ንምርግጋጽ ኣብ ዝካይድ ጻዕሪ ቀንደይና ተዋሳእቲ ክኾኑ ዝብል ምዃኑ ዝገለጹ ብፁዕ ኣቡነ ማምበርቲ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሩሲያ ተኣኪቦም ዝነበሩ ናይተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ጉጅለ 20 ሃገራት መራሕቲ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጉዳይ ሶሪያ ተጊሁ ክዓይን ካብ ዘተ ዝምንጭው ሰላም ክረጋገጽ መታን መድረኽ ዘተ ከተባብዑ እንክብሉ ዝመሓላለፍዎ መእኽቲ ጠቒሶም፣ ኣብ ሶሪያ ንጹሓን ዜጋታት ንምክልኻል ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣፍልጦ ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ፣ ኮይኑ ግን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ብዘተ ክፍታሕ ዘተባባዕ ዘሎ ጻዕሪ ደንጉዩ ዝጀመረ እውን እንተኾነ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኩሉ ብቕዓቱን ዓቅሙን ምውዳብ የድሊ ከም ዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዘንጋሪኒ ቀጺለን ጉዳይ ሶሪያ ንዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብድሆ ከምዝኾነን እቲ ዕለት 27 መስከረም ዝመሓላለፎ ውሳኔ 2118 ማለት ናይ ሶሪያ ቀመማዊ ኣጽዋር ውግእ ምርጋፍ ዝብል ውሳኔ ቅድስቲ መንበር ከምዝነኣደቶ ሓቢሮም፣ ምርጋፍ ናይ ኑክሊየርን ቀመማዊ ኣጽዋር ውግእ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ህልው ዓንቀጽ ክኸውን ድላይ ቅድስቲ መንበር ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ እዚ ድማ መገዲ ሰላምን ምዕባለን እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ኣመልኪተን።








All the contents on this site are copyrighted ©.