2013-09-29 19:32:19

ክርስትያን ዘበለ ካብ መስቀል ክሃድም የብሉን፤ ንኩሉ ውርደት ብሓጐስን ትዕግሥትን ምቅባሎም የድሊ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ አብ ዘዕረግዎ ቅዳሴ “ፈተና አብ ሕይወት ክርስትና ሓደ ክርስትያን ብሓቅዶ ንመስቀሉ ብሓጐስን ትዕግሥትን ተሸኪሙ ይጐዓዝ አሎ ንዝብል ሕቶ መመለሲ ኢዩ፣” እንክብሉ ብኩለንትናና ንክርስቶስ ካብ ምፍቃር ከሰናኽለና ዝኽእል ናይ መንፈሳዊ ምቾት ክንርሕቅ አዘኻኺሮም፣
ብናይ ላቲናዊ ሥር ዓተ አምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ትማሊ ዝተነበ ወንጌል ናይ ሉቃስ ኮይኑ ነቲ ካብ ደብረ ታቦር እንክወርዱ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ መጀመርያ ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ ቀጺሉ ከአ ንስኹምከ መን ትብሉኒ ቢሉ አብ ዝሓተቶም ጊዜ ቅዱስ ጴጥሮስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ እግዚአብሔር ኢኻ ቢሉ ዝመለሰሉ ክፍልን ጐ.ኢ.ክ ብዛዕባ ሕማማቱ እንክነግሮም እንደገና ቅዱስ ጴጥሮስ እዚ አባኻ አይብጻሕ ቢሉ ካብ መስቀል ከተዓናቅፎ ዝፈተነሉ ክፍሊ ወንጌል ኢዩ፣
ቅዱስነቶም እቲ ክርስቶስ ንሓዋርያት ዝሓተቶ ሎሚ ንዓናውን ንነፍሲ ወከፍና “ን አኻ አነ መን ኢየ” ቢሉ ሕቶ ከምዘቅርበልና ምናልባት ንሕና ሓለቃይ ኢኻ ሓደ ሕያዋይ ነቢይ ኢኻ ወይ እውን ሓደ ሕያዋይ መምህር ኢኻ ክንብል ንኽእል ከምኡውን ንሱ ግን አነ አብ ሕይወት ምሳኻ ዝጐዓዝ አብ ዝኸድናዩ ቀቅድሜና እናተጐዓዝኩ ናብራና ዘጠጠሐልና ክንብል ንኽእል እቲ ሓቀኛ መልሲ ግን ካብ መንፈስ ክኸውን አለዎ፣
“ቅዱስ ጴጥሮስ ኢየሱስ መን ምዃኑ ንኽገልጽ ልቡ ዝተንከፎ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ነይሩ፣ ክርስቶስ ወዲ እቲ ሕያው እግዚአብሔር ምሥጢር ካብ ኮነ መን ክገልጸልና ይኽእል መንፈስ ቅዱስ እንተዘይኮይኑ፣ ነፍሲ ወከፍና አብ ጸሎትና ናብ መንበረ ታቦት እንተተመልከትና እሞ “ንስኻ እቲ ወዲ ሕያው እግዚአብሔር ክርስቶስ ኢኻ” ክንብል እንተኽ ኢልና መጀመርያ ካባና ከምዘኮነ ንዘክር ነዚ ከብለና ዚኽ እል መንፈስ ቅዱስ ኢዩ አብ ካል አይ ደረጃ ኢና ንሕና ክንሰናዶ እሞ እወ ሓቂ ኢዩ ቢልና ክንሞልስ ዘⶀና፣ እንክብሉ ምስክርነት ኩሉ ካብ መንፈስ ቅዱስ ከምዝወሃበና አዘኻኺሮም፣ ቀጺሎም ዝጠቀስዋ እቲ ጐይታ ንማንም ከይተነግሩ ቢሉ አጠንቂቁ ብዛዕባ ሕማማቱ አብ ዝተዛረበሉ ጊዜ ቅዱስ ጴጥሮስ “እዝስ አባኻ አይረድ” ንዝበሎ አመልኪቶም ከአ እዚ ከምዚ ዓይነት አተሓሳስባ ን ዓና እውን ከምዘጥቀዓና ን ኢየሱስ ክሳብ አብዚ ክኽተሎ ኢየ መስቀልን ሥቃይን ግን ን ዓይ አይኹን ዝብል ሓሳብ ኢዩ፣
“እዚ ጸገም እዚ ፈተና ናይ መንፈሳዊ ጣዕሚ ኢዩ፣ ኩሉ አሎና ቤተ ክርስትያን አሎና ኢየሱስ ክርስቶስ አሎና ምሥጢራት አለውና እኖና ድንግል ማርያም አላትና ንስፍሓት መንግሥቲ አምላኽ ጽቡቅ ሥራሕ አሎና ጽቡቅ አሎና፣ ግን እዚ በይኑ እኹል አይኮነን ከምቲ ሃብታም መን እሰይ ዝበሎ ዝተረፈ ነገር አሎ፣ ሓደ ክርስትያን ብሓቂ ክርስትያን ክኸውን ብመስቀል ክቅባእ አለዎ ብውርደት ናይ መስቀል ክቅባ እ አለዎ፣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ክርስቶስ ክሳብ ሞት እሞ ከአ አብ መስቀል ተሰቂልካ ክሳብ ሙማት ንር እሱ አትሓተ ቢሉ ይምስክር፣ ስለዚ መስቀል ናይ ብሓቂ ክርስትያን ምዃና እነፍልጠሉ እምኒ ኵርናዕ ኢዩ፣ ብሓቂ ክርስትያን እንተኾነ ንዝመጸና መስቀል ውርደት ብትሕትና በሓጉስን ትዕግሥትን ክንቅበሎ አሎና፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ በቲ ትዊተር ዚበሃል ናይ ዘመና መራኸቢ ብዙሓን “ንሕና ክርስትያን እንኾነነሉ ብሓይልና ዘይኮነ በቲ ውህበት እግዚአብሔር ዝኾነን አብ ቤተ ክርስትያንን ብቤተክርስትያንን እንቅበሎ እምነት ኢዩ” እንክብሉ ናብቶም በዚ መራኸቢ እዚ ዝከታተልዎም ል ዕሊ ትሽ ዓተ ሚልዮን ዝኾኑ አንበብቶም ል ኢ ኾም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.