2013-09-28 15:44:57

ማእከላይ ምብራቕ ብዘይ ማኅበረ ክርስቲያን ዘይቅቡል እዩ


RealAudioMP3 ዕለት 27 መስከረም 2013 ዓ.ም. ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ንናይ አንጽዮኪያ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተልን ናይ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ዩውሃና ዓስራይ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ድሕሪ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተኻየደ ርክብ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ዩውሃና ዓሳራይ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እቲ ርክብ ልባውን ዓሚይቕ ምሕዝነት ዝዓሰሎ ኣብ ህሉው ኩነታት ሶሪያን በሓፈሻኡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘተኮረ ከምዝነበረ ገሊጾም፣ ቅድም ቀዳድም ነቶም ብክርስቶስ ሓወይ ዝኾኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብልበይ ከመስግን እፈቱ፣ ናይ መላእ ሕዝቢ ማእከላይ ምብራቕ ስቓይን መከራን ኣብ ልቦም ሒዘምዎ ዝጐዓዙን ዝነብሩን ጸሎት ገሮም ዘዕርግዎ ምዃኖም ሓቢሮም፣ ቅዱስነቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይብሉ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ፣ ምእንት ሕዝቢ ማእከላይ ምብራቕን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን፣ ምእንቲ ሕዝቢ ሶሪያን ሊባኖስን እቲ ኵሉ ውጥረትን ምስሕሓብን ግርጭት ተወጊዱ ሰላም ዳግም ንምርግጋጽ ዘብቕዕ መገዲ ዘተ እምበር ብውግእ ዝረጋገጽ ሰላም ከምዘየለ ብተደጋጋሚ እናቃልሑ ምእንቲ ሰላም ዘቕርብዎ ጻውዒት ዝድነቕ እዩ ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንትቲ ምርግጋጽ ሰላም ኣብ ሶሪያ ዝኣወጅዎ መዓልቲ ጾምን ጾሎትን ኣመልኪቶም፦ እቲ ዘቕረብዎ ኣዋጅ መዓልቲ ጾምን ጾሎትን ምእንት ሰላም ኣብ ሶሪያ ዝነኣድን ብሓቂ ድማ መላእ ሕዝቢ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ግብሪ ከምዘውዓሎን ሓቢሮም፣ እቲ ናይ መዓልቲ ጾምን ጾሎትን ምእንቲ መንግስታትን መራሕቲ ሃገራትን እውን መገዲ ሰላም ክኽተሉን ሰላም ንኽረጋገጽ ሓይሎምን ዓቕሞምን ካብ ንውግእ ኣብ ንሰላም ከውዕልዎ መታን ማእንታኦም ጸልይን ጹም ዝብል ሓሳብ ዘጠቓለለ ብምንባሩ ኩሉ ዝተሳተፎ መደብ እዩ ኔሩ ምስ በሉ ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ኣቢሉ ይኸውን ኣብ ሶሪያ ከተማ ኣለፖ ናይ ብፁዕ ወቅዱስ ዩውሃና ዓስራይ ሓዎምን ክልተ ሜትሮጶሊታ ዝርከብዎም ብጠቅላላ ሓሙሽተ ዜጋታት ሶሪያ ኣብቲ ከባቢ ከምእተጨወዩን ክሳብ ሕጂ እውን ከምዘይተረኸቡ ክፍለጥ እንከሎ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ንዝቕረበሎም ሕቶ እንክምልሱ ካሳብ ሕጂ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ከምዘየሎን ምስ ናይ መንግስቲ ኣካላትን እቲ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶ ናይ ጸጥታን ድሕንነን ጉዳይ ሓልዮ እውን ርክብ ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሮም ኮይኑ ግን ክሳብ ሕጂ ደሃዮም የብልናን ኢሎም።
ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፣ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ኣንጽዮኪያ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ቅርበትን ሕውነትን ፍቕር ዝተረጋገጸሉን ኣቲ ክሌኣዊ ርክብ ካብ ቅድም ዝጸንሔን ሰናይ እዩ፣ ናይ መላእ አቢያተ ክርስቲያን ሓድነትን ውህደትን ሱታፌን ክህሉ ኣሚቱ ዝካየዱ ክፍለ ርክባት እያቶም፣ ምእንቲ ውህደትን ሓድነት ዝከኣሉ ኩሉ ከምዝካይድ እውን ገሊጾም፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተማእከለ ዘካይድዎ ዘተ፣ ህላዌ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንሓደጋ ዝተቓልዔ እዩ ዝመስል፣ ብዙሓት ምእመናን ክርስቲያን ካብ ሶሪያን ሊባኖስን ካልኦት ከባቢታት ማእከላይ ምብራቕ ከምዝስደዱን፣ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ብፍላይ ናይቶም ዝስደዱ ዜጋታት ማሕበረ ክርስቲያን ቁጽሪ እናዓበየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ እቲ ዘሎ እዋናዊ ኩነት ነዚ ዝመስል እውን እንተኾነ ማእከላይ ምብራቕ ብዘይ ማሕበረ ክርስቲያን ዘይቅቡል እዩ እንክብሉ ዝገበዎ ቃለ መሕትት ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.