2013-09-26 18:41:39

አብ ኩሉ ዓለም ዘላ ቤተ ክርስትያን ሓንቲ ኢያ፤ ናይ ግሎም ንክገብርዋ ንዝፍትኑ አይፋል ንብል፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ አብ ጸሎተ ሃይማኖት “ብሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እአምን” ቢልና እንምስክሮ እምነት መንቀሊ ብምግባር እዚ ሓድነት አብ ዝኸድናዮ ኵርናዕ ናይ ዓለም ጸኒዑ ዝነብር ንኵሉልና ከአ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ጥራይ ከምዘላትኒ ሓቢሮም፣ ኮይኑ ግን ሓደ ሓደጋ ይቀላቀል ስለዘሎ ካብቶም ንቤተ ክርስትያን ናይ ሓደ ጉጅለ ጥራይ ክገብርዋ ወይ እውን ናይ ሓንቲ ሃገር ብምግባር ናብ ግላውነት ንዝዝንብሉ ጨሪሽና አይፋል ክንብሎም አሎና ብማለት ሓድነት ቤተ ክርስትያን ከይነቍስል አተሓሳሲቦም፣ አብቲ ብቋንቋ ዓረብ ዝቀረበ ሰላምታኦም “ሓድነት ክንብል እንከሎና ኩሉ ሓደ መልክዕ ይሃልዎ ዘይኮነስ ስለ ክርስቶስ አብ እንህቦ ምስክርነትን አብ ፍቅርን ውህደት የድልየና ማለት ኢዩ” እንክብሉ አብሪሆም፣
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ሕጽር ብዝበለጸ ንኹሉ ጸሚቁ ዘቅርብ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብምጥቃስ እዚ ሓድነት እዚ “አብ እምነት አብ ተስፋ አብ ፍቅሪ ከማኡ እውን አብ ቅዱሳት ምስጢራት ዝተመስረተ ኢዩ” እዘን አርባዕተ ነጥብታት እዚአን ከአ ነቲ ዓቢ ሕንጻ ቤተ ክርስትያን ጠጠው አቢሎም ዘለው አርባዕተ አዕኑድ ኢየን ቢሎም፣
“ አብ ዝኸድናዮ ቦታ እንተኸድና ወላውን አብ ጫፍ ዓለም ማንም ዘይዝክራ ን እሽቶ ቍምስና እንተኸድና ወትሩ እንኮ ቤተ ክርስትያን ኢና እንረክብ፣ አብ አ ምስ አቶና አብ ገዛና ኢና ዘሎና አብ ስድራቤትና አብ መንጎ አሕዋትን አሓትን ንርከብ፣ ቤተ ክርስትያን ከስ ናይ ኩልና ኮይና ሓንቲ ኢያ፣ ን ኤውሮጳውያን ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ወይ እውን ን አፍሪቃውያን ካልእ ንኤስያውያን ሓንቲ ቤተ ክርስትያን እናበልካ ትከፋፈል አይኮነትን፣ ቤተ ክርስትያን አብ ዝኸድካ ከድካ ሓንቲ ኢያ፣ ድሕሪ ቢሎም ነዚ ከረድ ኡ አብነት ናይ ስድራቤት ጠቂሶም ሓንቲ ስድራ ብዝተፈላለየ ምኽንያት አባላታ አብ ኩሉ ኵርነዓት ዓለም እንተደአ ተዘሪኦም ሽሕኳ ርሕቀት ቦታ እንተሎ እቲ ዓሚቍ ስድራቤታዊ ምት እስ ሳር ግን ወትሩ ነታ ስድራቤት ምስ ጠመራ ኢዩ፣ ቤተ ክርስትያን ከአ ሓንቲ ስድራ ኢያ ቢሎም፣ ነዚ ሓድነት እዚ አብቲ ብሚልዮናት ዝቍጸሪ ካብ መላእ ዓለም አብ ብራዚል ብምኽንያት ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ዝተሳተፉ ክንዮ ብዝሒ ቋንቋኦምን ባህሎምን ዓዳቶምን ልቢ ዝትንክፍ ሓድነት ከምዝረአዩ መስኪሮም፣ ናብቶም ንቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ጻት ናብ ጻት መሊኦም ዝነበሩን አብ ኩሉ ዓለም ብመራኸቢ ብዙሓት ዝሰም ዕዎም ንዝነበሩን ናብ ኅልናኦም ምልስ ቢሎም ከስተንትኑ ከምዚ ክብሉ ሓቲቶም፣
“እስኪ ንር እስና ነዚኤን ሕቶታት እዚኤን ነቅርብ፤ አነ ከም ካቶሊካዊ መጠን እዚ ናይ ቤተ ክርስትያን ሓድነት ይስመዓኒዶ? ከም ካቶሊካዊኸ ነዚ ሓድነት ቤተ ክርስትያን እዚ እነብሮዶ አሎኹ? ወይስ አብ ገዛእ ር እሰይ ስለዝተዓጾኹ ወይ ከአ ናይ ሓደ ጉጅለ አባል ብምዃነይ እዚ ሓድነት እዚ አይ ዓጠንን? ማለት አባል ናይቶም ንቤተ ክርስትያን ናይ ግሎም ንብረት ብምግባር ናይ ሓደ ጕጅለ ወይ ዓዲ ወይ አዕሩኽቲ ገሮም ዝጐዓዙዶ እኸውን? ንቤተ ክርስትያን ብኸምዚ አገባብ ናይ ግሎም ዝገብሩ ብሓቂ ዘሕዝን ኢዮም፣ እምነት ምጉዳል እውን ኢዩ፣ ድሕሪ ቢሎም ነቶም አብ ፈቀዶኡ ብሰንኪ ሃይማኖትም መዓት ስደትን ጭንቅን መከራን ሰማዕትነትን ከይተረፈ ንዝኽፈሉ አካላት ቤተ ክርስትያን ዝኾኑ ዘኪሮም ከአ ብዘይ መጠን ከምዘጕህዮምን ም እንታኦም ከምዝሓስቡን ምስ ገለጹ ንዝክሮም እንተዀና ከምዚ ክብሉ ሓቲቶም፣
“ሓንቲ ሕቶ ከቅርበሉም ኢዩ ክትምልሹለይ አየድልን ኢዩ መልስኹም አብ ውሽጢ ልብኹም ንኅልናኹም ይኹን፣ ካባኹም ክንደይ ኮን ይኾኑ ም እንቲ እዞም ዝሳቀዩ ክርስትያን ዝጽልዩ? ም እንቲ እዚም ብምኽንያት እምነቶም ዝስደደኡ አሕዋትና አብ ጸገም ዘላ ሓፍተይ ሓወይ እጽልዶ? ካብቲ ከቢቡካ ዘሎ መካበቢያ ውጽ እ ቢልካ አባል ቤተ ክርስትያን አባል እዛ እንኮ ስድራቤት እግዚአብሔር ምዃን ክስመዓና አለዎ፣ እንክብሉ ም እንቲ እቶም አብ ሽግር ዘለው ክንጽሊ ድሕሪ አዘኻኺሮም ናብቲ ቀንዲ ነጥቢ ናይ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ምልስ ብምባል ከአ ሓንሳብሓንሳብ አብ ቤተ ክርስትያን ዘይምርድዳእ ግጭት ምስሕሓብ ምክፍፋል ከምዘሎ እዚ ከአ ንቤተ ክርስትያን ከምዘቍስላን ናይታ እንብህጋ ቤተ ክርስትያን ገጽታ ከምዘይተመልክትን ገሊጾም፣
“እግዚአብሔር ኩሉ ጊዜ ሓድነት ምስ ለገሰልና ኢዩ ኮይኑ ግን ንሕና ምንባሩ የጸገመና፣ ስለዚኸስ ነዚ ውህደት እዚ ክንደልዮን ክንሓንጾን ንሓድነት ክንምህርን ካብ ስድራቤት ጀሚርካ ነቲ ዘሎ ዘይምርድዳእን ምክፍፋልን ክንአልዮ፤ ካብ አብያተ ክርስትያናትውን አርሒቅናዮ አብ ሓናጺ ኤኩመኒካዊ ዘተ ክንሓልፍ አሎና፣ ሎሚ ዓለምና ሓድነት የድልያ አሎ፣ እዚ ዘመን እዚ ንሕና ኩልና ንሓድነት ሃረር እንበለሉ ዘመን ኢዩ፤ ዕርቂ የድልየና፣ ቤተ ክርስትያን ናይ ውህደትን ሓድነትን ገዛ ስለዝኾነት ውህደት ብግዲ የድልየና፣ ነዚ ንምግባር ከምቲ ትሕትና ጣዕምን ልቢ ም እባይን ከምዘድሊ ከአ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“ዝጠምር ዘበለ ኩሉ ሃብቲ ኢዩ፣ ማለት ከይከፋፈለ ዝጠምር፣ ስለዚ ነፍሲ ወከፍና ከምዚ እናበልና ንር እስና ንፈትሽ፤ አነ አብ ስድራቤት አብ ቍምስና አብ ማኅበረሰበይ ነዚ ሓድነት እዚዶ አደንፍ ዕ አሎኹ ወይስ ወረኛ ኮይነ ናይ ምክፍፋልን ዕንቅፋትን ምንጪ ኮይነ አሎኹ ቢልና ኅልናና ንመርምር፣ ወረኛ ምዃን ብዙሕ የቍስል! ቅድሚ ክተውሪ ክትሓሚ ምጅማርካ ነቲ መል ሓስካ ንኽስ እንተተብሎ ጽቡቅ ነሩ ከመይ እቲ መል ሓስ ይሓብጥ እሞ ክትሓሚ ክተውሪ አይትኽ እልን፣ ነቲ በዚ አገባብ እዚ ዘቍሰልኩዎ ማኅበረይ ብት ዕግስትን ብመስዋዕትነትን ክፍውሶ ትሕትናዶ አሎኒ? ቢልናውን እስኪ ንሕተት ድሕሪ ቢሎም ናይዚ ናይ ቤተ ክርስትያን ሓድነት መንቀሳሲ ሞተር ኮይኑ ዝሰርሕ መንዩ ቢሎም ድሕሪ ምሕታት እቲ አብ ምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ዝተቀበልናዮ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ገሊጾም፣
“መንፈስ ቅዱስ ኢዩ መንቀሳቀሲ ሞተር ናይ ኩሉ፣ ስለዚ እቲ ናይዚ ኅብረት እዚ አባላት ኮይና ንክንንቀሳቀስ ነፍሲ ዝኾነና ጸሎት አድላዪ ኢዩ፣ ናብ ቤተ ክርስትያኑ መጺኡ ከወሃህዳን ሓንቲ ክገብራን ናብ መንፈስ ቅዱስ ጸሎት ነዕርግ፣ እንክብሉ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት አመስጊኖምን ምሂሮምን ሐዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.