2013-09-26 16:07:57

ብፁዕ ካርዲናል ንየ፦ ሕይወት ዝተባርከን ህያብን ፍቓድን እግዚኣብሔር እዩ


RealAudioMP3 ናይ ከንያ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጅሆን ንየ እቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት በቶን ሶማላውያን ኣል ሽባብ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ናይ ሽበራ መጥቓዕትን ጭውያን ተፈጺምሉ ናብ ዝነበረ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ማእከል ንግድ ዌስትገት ዕለት 25 መስከረም 2013 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ክምልከት እንከሎ ከምኡ እውን ናይ ኬንያ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣብ ወስትገት ምብጻሕ ከምዘከደ ቺሳ ኣተሰምየ ናይ ከንያ ናይ ዜና ኣገልግልት ካብ ዝሃቦ መግለጺ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብፁዕ ካርዲናል ንየ ሕይወት ዝተባርከን ህያብን ፍቓድን እግዚኣብሔር እዩ፣ ስለዚህ ካብ ዝኾነ ይዅን ሓደጋን መጥቓዕትን ክዕቀብ እንክብሉ ናይ ኬንያ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ላዕለዋይ ቤት ክኽሪ ዋና ጸሓፊ ኣዳን ዋቹ ብወገኖም ነቲ ዝተፈጸመ ናይ ሽበራ መጥቓዕቲ ኮኒኖም እቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ጸረ ናይ ሃይማኖት መስልምን መምርሕን ስርዓት እዩ ከምዝበሉ ቺሳ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.