2013-09-24 16:36:47

ግብጺ፦ ኩነታት ማሕበረ ክርስቲያን


RealAudioMP3 ኣብ ግብጺ ክፍለ ሃገር ሚንያ በቲ ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ብዝነበረ ጸረ ክርስቲያን መጥቓዕትን ከምኡ እውን ነቶም ዘይምስልና ሃይማኖት ሰዓብቲ መላእ ‘ኢኣማንያ’ ብዝብል ቃል ብምሕባር ‘ግብሪ ኢኣማንያን’ ብዝብል ክፍሊት ግብሪ ክፍጽሙ ተመሓላሊፉ ዝነበረ ውሳኔ ምኽንያት ብዙሓት ናይ ሃይማኖት ናይ ስግደትን ኣምልኾን ሕንጻታትን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ኣቋሪጸን ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ቅድሚ ትማሊ ጀሚሩ ሃይማኖታውን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመሩ ክምልከት እንከሎ፣ ኣብ ምንያ ድሕሪ ዕለት 14 ነሓሰ 2013 ዓ.ም. መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምሃብ ኣቋሪጹ ኣብ ዝነበረ ቤተ ክርስቲያን ንመጀመሪያ ጊዜ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ ኤሺያን ኔውስ ሓቢሩ።
ብዙሓት ኣባላት ናይ ግብጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ኣብቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተሳተፉን በቲ ወሪዱ ብዝነበረ ጸረ ክርስቲያን መጥቓዕቲ ዝዓነወ ኣባይቶም ኣውን ኣብ ምሕናጽ ይርከቡ ከምዘለዉን ኣብዚ ዕርዲ ኣኽረርቲ ምንቅስቓስ ሃይማኖት ምስልምና ምዃኑ ኣብ ዝንገረሉ ከባቢ ብዝተፈነው ጸረ ክርስቲያን መጥቓዕቲ 62 ናይ ሃይማኖት ሕንጻታትን መንበሪ ኣባይቲ ምእመናን ዓኒዩን ብዙሓት ምእመናን ተቐቲሎምን ተጨውዮምን ከምዝነበሩ ዝሓበረ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ እቶም ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ናይ ካልኦት ሃይማኖት ሰዓብቲ ግብሪ ክኸፍሉ ዝብል ውሳኔ እውን ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.