2013-09-24 16:34:55

ዒራቕ፦ ጸረ ክርስቲያን መጥቓዕቲ


RealAudioMP3 ኣብ ዒራቕ ኪርኩክ ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ፖለቲካ ኣባል ክርስቲያን ምእመን መንበሪ ቤት ቦምቢ ብዝተጸምዳ መኪና ናይ ለኪምካ ምጥፋእ መጥቃዕቲ ከምእተፈነወ ክምልከት እንከሎ፣ እቲ ናይ ሽበራ መጥቓዕቲ ኣብ ከፍለ ከተማ ራሂም እዋ ዝተፈጸመ ክኸውን እንከሎ ልዕሊ 50 ዝግመቱ ዜጋታት ከቢድን ፎኪስን ናይ ማህሰይቲ ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።
እቶም ናይ ኣሲሮ ስርዓት እትኽተል ቤተ ክርስቲያን ምእመንን ናይ ኣሲሮኣዊ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓ ናይ ዝተሰምየ ፖለቲካዊ ውድብን ናይ ዒራቕ ሕዝባዊ ባይቶ ኣባል ኢማድ ዩክሃና በቲ ዝተፈነው ናይ ለኪምካ ምጥፋእ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ከምዘይተሃስዩን ዘመልከት ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ኣብ 2006 ዓ.ም. ወዲ ሰብዓ ዓመት ወላዲ ናይ ኢምድ ዩክሃና ያቆ ዩክሃና በቲ ዘሎ ውጥረት ኣብቲ ከባቢ ነቲ ተፈጥሩ ዝነበረ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ብምቅዋም ተለዓዒሉ ዝነበረ ሕዝባዊ ናዕቢ ንምብታን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓይሊ ምክልኻል ብዝፈነዎ መጥቓዕቲ ከምእተቐትሉ ብምዝኽኻር እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 22 መስከረም 2013 ዓ.ም. ኣብ ባግዳድ ናይ ቀብሪ ስነ ስርኣት እናተፈጸመ እንከሎ ብዝተፈነው መጥቃዕቲ 16 ሰባት ናይ ሞት 25 ድማ ናይ መቑሰልቲ ሓደጋ ከምዘጓነፎም ኣመልኪቱ፣ ኣብ 2013 ዓ.ም. ልዕሊ 4,300 ዜጋታት ከምእተቐትሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.