2013-09-24 16:31:28

ኬንያ፦ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ናይሮቢ


RealAudioMP3 እቲ ኣልሽባብ ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝጽውዕ ኣብ ሶማሊያ ናይ ኣልቃይዳ የማናይ ኢድ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ወስትገት ናይ ንግድ ማእከል ዝፈጸመዎ ሽበራዊ መጥቓዕትን ከምኡ እውን ኣብቲ ማእከል ዝጨወይዎም ናጻ ንምውጻእን ነቶም ኣሸበርቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ንምእታው ናይ ከንያ ፍልዩ ሓይሊ ምክልኻል ዝፍጽሞ ዘሎ ናይ ክትራ መጥቓዕቲ ይቕጽል ከምዘሎን 69 ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን ካልኦት ልዕሊ 150 ዝግመቱ ድማ ከቢንድ ፎኪስን ማሕሰይቲ ከምዘጓነፎም ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ካብቶም ዝተቐትሉ ሰለስተ ወጻእተይናታት ከምዝኾኑን፣ ኣብ ከንያ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓበር ቤት ምኽሪ ኣሸበርት ኣል ሽባብ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ከንያ ኣብ መንጎ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ግጭትን ሁከትን ንምዝራእን ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ ንምንዋጽ ኣሚቱ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቓዕቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ሰዓብቲ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ከምዘየናውጽ ዝተረጋገጸ እዩ ዝብል ሓሳብ ዝተሰምረሉ ነቲ ዝተፈጸመ ናይ ሽበራ መጥቓዒት ዝዅንን መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ ኣመልኪቱ።
ብዛዕባ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ኣብ ከንያ ወንጌላዊ ልኡኽ ኒግሪዚያ ናይ እተሰምየት ኮምቦናዊት መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባል ማሕበር ኮምቦናውያን ኣባ ፍራንኮ ሞረቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ጉጅለ ኣል ሽባብ ነቲ ናይ ንግድ ማእከል ከጥቕዑ ዝደረኾም ብብዙሓት ሃብታማትን ዝተፈላለዩ ኣብ ከንያ ናይ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ወጻእተይናታትን ኣብ መወዳእታ ሰሙን ብዙሕ ዝዝወተር ከምዝኾነን እዚ ድማ ኣቃልቦ ዓለም ንምስሓብ ተሓቂኑ ዝተፈጸመ እዩ።
ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣል ቃይዳ ናይቲ ናይ ሽበራ መጥቓዕቲ ተሓታቲ ኣነ እየ እንክብል መግለጺ ከምዝዘርግሔ ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይቲ መጥቓዕቲ ፈጸምቲ ድማ ኣባላት ናይ ኣል ሽባብ ክኾኑ እንከለዉ፣ ኣል ሽባብ መላእ ሶማሊያ ናብ ምቁጽጻር ገጹ እንከሎ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ናይ ኬንያ ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ጎድኒ ናይ ሶማሊያ ሓይሊ ምክልኻል ተዋፊሩ ጸረ ኣል ሽባብ መጥቓዕት ፈንዩን ብዙሓ ትሕቲ ቁጽጽር ቡዝሓት ድማ ንሞት ሓደጋ ስለ ዘቃልዔ ኣልሽባብ ካብ ሕነ ምፍዳይ ድሕር ከምዘይብል ብዝተፈላለየ እዋን ዝህቦ ዝነበረ መግለጺ ዘዘኻኽር እዩ።
ሕዝቢ ኬንያ እዚ ዓይነት ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ኢዩ ዝብል ግምት ኣይነበሮን ድሕሪ እዚ መጥቃዕቲ’ዚ ግን መንግስቲ ኬንያ ሃገሩ ካብ ኣልሽባብ ናጻ ክግበራ ዘቕርቦ ሕቶ ክሕይል ደሪኽዎ ኣሎ፣ ዝኾነ ኮይኑ ጉዳይ ሶማሊያ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ብዙሕ ከምዘይተጻዕረን ኣብታ ሃገር ካብ ነዊሕ ዓመታት ተኣታትዩ ዘሎ ሁከትን ቅልውላውን ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ ስንኩፍ ብምዃኑ እነሆ ድማ ጉዳይ ሶማሊያ እዚ ዓይነት ሽበራዊ መጥቓዒት የተኣታትው ኣሎ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ጉዳይ ሶማሊያ ሕጹጽን ነባርን መፍትሒ ንምርካብ ዝገብሮ ጻዕሪ ከሐይል ኣለዎ ቢሎም ምእመናን ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሃይማኖታዊ ፍዳ ሕነ ከየነቓቕሑ ካብ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ጻውዒት ይቐርበሎም ከምዘሎ ጠቒሶም ዝብሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.