2013-09-21 16:30:14

ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሃንጋርን


RealAudioMP3 ዕለት 20 መስከረም 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሃንጋሪ ርእሰ ብሔር ዣኖስ ኣደር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ዝተኻየደ ርክብ ብምዉቕ ልቢ ዝተሰነየን ከምዝነበረን፣ ናይ ሃንጋሪ ጥንታውን ነባርን ክርስቲያናዊ ባህሊ ዘዘኻኸርን እዚ ባህሊ’ዚ ዘለዎ ዓቢይ ክብሪ ቀጻሊ ከምዝኾነ ከምዘነጸረን፣ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃንጋርን ዘሎ ርክብ እወታውን ብሉጽን ምዃኑን ፍርያማ እውን ከምዝኾነ ከምእተሰመረሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን መግለጺ ኣስዒቡ ዕዉት ክሌእዊ ርክብ ከምዝኾነን፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃንጋር ኣብ መዳይ ሰብኣውን ማሕበራውን መንፈሳውን ሕንጸት እተበርክቶ ኣገልግሎት ዝነኣድ ምዃኑ ከምእተገልጸ ኣመልኪቱ።
ካብዚ ቀጺሉ ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ኅልዉ ኩነታት ዓለምን ኤውሮጳን ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ቁጠባን ኤኮኖምን ከምኡ እውን ብዛዕባ ስነ ምግባርን ማሕበራዊ ጉዳያትን ከምዝዘተዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን መግለጺ ኣመልኪቱ፣ ርእሰ ብሔር ሃንጋሪ ናይ ሕይወት ባህሊ ንምስፋሕን ብዛዕባ ስድራ ቤት ጉዳይን ዝምልከት ዘካይዶ ህርኩት ጻዕሪ ከምዝገለጹን እቲ ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ ክንክን ስነ ምህዳርን ዕቃቤን ምስፋሕ ሰላምን ምኽባር ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ዓሚዩቕ ዘተ ከምእተኻየደን ብምቕጻል ብዛዕባ ጉዳይ ሶሪያን ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዘትዮም ዝኾነ ይኹን ግጭት ብዘተን ብናይ ሰላም መድረኽ ጥራሕ ነባሪ መፍትሒ ክረክብ ከምዝኽል ቅድስቲ መንበርን ሃንጋርን ዝኣምናሉ ኣመለኻኽታ ከምዝኾነ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ከምእተሰመረሉን ኣብ መወዳእታ ናይ ሃንጋሪ ርእሰ ብሔር ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ተፋኒዮም ቀጺሎም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒክ ማምበርቲ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ከምእተራኸቡ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንክሎ ድሕሪ ምስንባት ናይ ሃንጋር ርእሰ ብሔር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሓፈሻዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ሆንዱራስ ርእሰ ብሔር ፕሮፊሪዮ ሎቦ ሶሳ ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ልባዊ ምዉቕ ክሌኣዊ ርክብ ናይ ሆንዱራስ ርእሰ ብሔር ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ሆንዱራስ ሓላዊት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ሱያፓ ንእሽተይ ሓወልቲ ገጸ በረከት ከምዘቕረቡሎምን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሆንዱራስ ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕናን ሕንጸትን ከምኡ እውን ጸረ ድኽነትን ጸረ ገበን ጉጅለን ብሰብኣውን መንፈሳውን ባህላውን ሕንጸት መዳይ ኣቢላ እተበርክቶ ልዑል ኣገልግሎት መራሔ መንግሥቲ ሆንዱራስ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ከምዘስመርሉ ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን መግለጺ ኣስዒቡ ናይ ሆንዱራስ ርእሰ ብሔር ድሕሪ ምስንባት ካብ ቅዱስ ኣቦና ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማምበርቲ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ከምእተራኸቡ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.