2013-09-19 18:49:23

አብ ሲርያ ዝፍጸም ዘሎ ህልቂት ብዘተን ፍትሒ ብምንጋስን ጥራይ ኢዩ ኪፍታሕ ዚከአል፣


ነዙይ ምሕጽንታዙይ ዝገለጹ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሮቡ ዕ አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡ ዕ ትምህርቶም ክከታተሉን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ክቅበሉን ካብ ሮማ ካብ ኩሉ ኵርን ዓት ዓለምናን ተአኪቦም ንዝንበሩ ል ዕሊ ሰማንያ ሺሕ ዝኾኑ ምእመናንን ነጋድያንን ኢዩ፣
ቅዱስነቶም ጉዳይ ሲርያን ናይ መላእ ዓለም ሰላምን ብዘይመጠን አሻቂልዎም ከምዘሎን ለይትን መዓልትን ከምዝጽልዩን ካል ኦት እውን አብ ጸሎቶም ክጽንበሩን ዕለት ዕለት እኳ ሓደራ ይብሉ እንተለው አብ ናይ ትማሊ ምሕጽንታኦም ግን ነቲ ዝመጽእ 21 መስከረም ኅቡራት መንግሥታት ዓለም ዓለምለኸ ዕለተ ሰላም ስለዘኽብር ናይ አብያተ ክርስትያን ሓድነት ቤት ምኽሪ ከአ ኩሎም ም እንቲ ሰላም ክጽልዩ አዊጁ ስለዘሎ ቅዱስነቶም እውን ብወገኖም ከምዚ ክብሉ ም እንቲ ሰላም ክጽለ ተማሕጺኖም፣
“ናይ መላእ ዓለም ካቶሊካውያን ምስ ካል ኦት ክርስትያን ብምሕባር ም እንቲ ሰላም ክጽልዩ ምናዳ ከአ አብቲ ሰላም ብምስ አን ዝሳቀ ዘሎ ክፍልታት ሰላም ካብ እግዚአብሔር ክወርድ ክልምኑ እጽው ዕ አሎኹ፣ እቲ ናይ ኢየሱስ ጸጋ ዝኾነ ሰላም አብ ልባትና ንወትሩ ንክነብርን ንናይ ኩሎም ሃገራት ሓለፍትን ሰብ ጽቡቅ ድላይን ተግባራትን መብጸዓታትን ይደግፍ፣ እንክብሉ ተማሕጺኖም፣
“ሃመይን ቀልበይን ብፍላይ አብ ሕዝቢ ሲርያ ኢዩ ዘሎ፣ እቲ አባኡ ዘሎ ህልቂት ደቂ ሰባት ብዘተን ልዝብን ንፍትሕን መሰል ነፍሲ ወክፍ ወዲሰብን ብሕልፊ ከአ ናይቶም ኃይሊ ዘይብሎምን ዝከላኸሎም ዘይብሎም መሰላት ብምሕላው ጥራይ ኢዩ ደው ክብል ዝኽ እል ክብሉ ክንዲ አብ ኲናትን ኃይልን ምጉያይ አብ ዘተ ከድህቡ ጻው ዒት አቅሪቦም፣
ንማእከላይ ምብራቅ ብዝርኢ ብኅልፊ አብ ቅድስት መሬት ሲርያ ዮርዳኖስ ኢራቅ ሊባኖስ ሶማልያን ካል ኦት ሃገራት ወሽመጥን ሰላም ም እንቲ ክወርድ አብቲ ብቋንቋ ዓረብ ዝቀረበ ሓጺር መልእኽቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“ከምቲ አደ ምእንቲ ደቃ ምንም ከይጸብጸበት ብፍቅሪ ትልምንን ዝኾነ ማዕጾ እትኵሕኵሕን ቤተ ክርስትያን ከአ ከማኡ ብጸሎታ ገቢራ ንኩሉ ኩነታት ደቃ አብ ኢድ አምላኽ ተወፍዮ፣ አብ ኃይሊ ጸሎታ ወትሩ ክንተአማመን አሎና ምኽንያቱ ጐይታ ንጸሎት ቤተ ክርስትያኑ ከይሰም ዔ ስለዘይተርፍ፣ እንክብሉ ንኩሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ዓዲሎም፣









All the contents on this site are copyrighted ©.